ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 6 ገጽ 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይምልሶ ድዩ፧
  • ክንጽሊ ኸለና ፍሉይ ኣካላዊ ኣቃውማ ኺህልወና ኣለዎ ድዩ፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ኣምላኽ ንጸሎተይ ይምልሶ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 6 ገጽ 16
ሓንቲ ሰበይቲ ትጽሊ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይምልሶ ድዩ፧

ናይ መን ጸሎት ዚምልስ ይመስለካ፧

  • ናይ ኵሉ

  • ናይ ገሊኦም

  • ናይ ዋላ ሓደ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“የሆዋ . . . ንዅሎም እቶም ብሓቂ ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ።”—መዝሙር 145:18።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ ንጸሎት እቶም ኣንጻሩ ዚዓልዉ ሰባት ኣይሰምዖን እዩ። (ኢሳይያስ 1:15) ኰይኑ ግና፡ መገድታቶም ብምቕያር፡ ምስኡ ‘ነገሮም ኬቕንዑ’ ይኽእሉ እዮም።—ኢሳይያስ 1:18።

  • ኣምላኽ ንጸሎት ኪምልሶ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ጸሎት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚሓትተና ብቕዓታት ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ዮሃንስ 5:14።

ክንጽሊ ኸለና ፍሉይ ኣካላዊ ኣቃውማ ኺህልወና ኣለዎ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት ኪጽልዩ ኸለዉ ዅሉ ግዜ ኺምብርከኹ፡ ርእሶም ኬድንኑ ወይ ኣእዳዎም ብሓደ ኼጣምሩ ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ነቲ ኣገልገልቱ ‘ተቐሚጦም’ ወይ “ደው ኢሎም” ወይ ‘ተደፊኦም’ ወይ ከኣ ‘ተምበርኪኾም’ ዘቕረብዎ ጸሎት ተቐቢልዎ እዩ። (1 ዜና መዋእል 17:16፣ 2 ዜና መዋእል 30:27፣ እዝራ 10:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:40) ስለዚ እምበኣር፡ ክንጽሊ ኸለና ፍሉይ ኣካላዊ ኣቃውማ ኺህልወና ኣይሓትትን እዩ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ ንትሑታት ይሰምዖም እዩ።—መዝሙር 138:6።

  • ብዝዀነ ይኹን ቋንቋ ወይ ብልብኻ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ።—2 ዜና መዋእል 6:32, 33፣ ነህምያ 2:1-6።

ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ በጃኹም ስደዱለይ

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ