ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp18 ቍ. 3 ገጽ 4-5
  • ኣምላኽ የስተብህለልካ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ የስተብህለልካ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍጥረት እንታይ ይምህረና፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓልዮት ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧
  • ‘የሆዋ ዘየፍቅረኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ’
  • ውሉዳት ኣብ ሓዳር ዘለዎም ጽልዋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ውሉድ ንሓዳር ብኸመይ ከም ዚጸልዎ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ ኣደ ይገሃድ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
wp18 ቍ. 3 ገጽ 4-5
ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መናፈሻ ኾፍ ኢሎም ንኣዕዋፍ ይጥምቱ

“ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም።”—ማቴዎስ 10:31

ኣምላኽ የስተብህለልካ ድዩ፧

ፍጥረት እንታይ ይምህረና፧

ሓደ ናጽላ ኻብ ማሕጸን ወጺኡ ዜሕልፈን ቀዳሞት 60 ደቓይቕ፡ ንሓድሽ ኵነታት ዚለማመደለን ወሰንቲ እዋናት እየን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣዴታት ኣብዚ ወሳኒ እዋን እዚ ንውሉደን ምስ ዚሓቝፋኦ፡ ዕቤትን ምዕባለን ውሉደን ብቕልጡፍ ይመሓየሽ እዩ።a

ሓንቲ ኣደ ነቲ ናጽላ ውሉዳ ብፍቕሪ ኽትሕብሕቦ ዚድርኻ እንታይ እዩ፧ ፕሮፌሰር ጃኔት ክረንሾ ኣብ ዘ ጆርናል ኦቭ ፕሪናታል ኤጁኬሽን ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ድሕሪ ሕርሲ ዚፍኖ ልዑል መጠን ሆርሞን ኦክሲቶሲን፡ “እታ ኣደ ንናጽላኣ ኽትትንክዮን ክትጥምቶን ከተጥብዎን ከላ ነቲ ኸም ወላዲት ዘለዋ ስምዒታት ከም ዚውስኽ ይገብሮ እዩ።” ኣብቲ እዋን እቲ ዚፍኖ ኻልእ ሆርሞን ከኣ፡ “እታ ኣደ ንውሉዳ ዜድልዮ ዘበለ ኸተማልእ ይሕግዛ፡” ነቲ ምስ ውሉዳ ዘለዋ ርክብ እውን የደልድሎ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ኣብ መንጎ ኣደን ሕጻንን ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና፡ በቲ ፈቃር ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ተነዲፉ።b ንጉስ ዳዊት፡ ንዕኡ ‘ኻብ ማሕጸን ዘውጸኦን’ ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ዘቕሰኖን፡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ጸሎቱ ድማ፡ “ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ንኽንክንካ ሕድሪ ተዋሂበ፣ ካብ ማሕጸን ኣደይ ጀሚርካ ኸኣ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ” ኢሉ ኣሎ።—መዝሙር 22:9, 10።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣምላኽ፡ ሓንቲ ኣደ ንውሉዳ ብፍቕሪ ምእንቲ ኽትጥምቶን ዜድልዮ ዘበለ ምእንቲ ኸተማልኣሉን ኢሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ እተሓላለኸ ስርዓት ካብ ፈጠረ፡ ንሕና “ደቂ ኣምላኽ” ብምዃንና ብብሕቲ ኸም ዚግደሰልና ኽንተኣማመንሲ ርትዓዊ ደይኰነን፧—ግብሪ ሃዋርያት 17:29።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓልዮት ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧

እቲ ልዕሊ ዅሉ ንፈጣሪና ኣጸቢቑ ዚፈልጦ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ምሂሩ እዩ፦ “ክልተ ጨራሩ ብዘይትረብሕ ሳንቲም ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣቦኹም ከይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን። እምበኣር፡ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።”—ማቴዎስ 10:29-31።

ንሕና ይትረፍዶ ኣብ ምድሪ ንዝወደቐት ጭሩ፡ ንነፍሲ ወከፍ እንርእያ ጭሩ እኳ ኣይነስተብህለላን ኢና። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ግና ንነፍሲ ወከፍ ጭሩ የስተብህለላ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንብዙሓት ጨራሩ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ሰብ ኣብሊጹ ኣይርእየንን እዩ። እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እምበኣር ንጹር እዩ፦ ‘ኣይትፍራህ!’ ኣምላኽ ዘየስተብህለልካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣዝዩ ይግደሰልካ እዩ።

ኣምላኽ ብኣና ኣዝዩ ይግደስን ብፍቕራዊ ሓልዮት ተደሪኹ ይቋመተናን እዩ

ዜጸናንዓና ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

  • “ኣዒንቲ የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ እየን፣ ንእኩያትን ንሰናያትን ይቋመታኦም።”—ምሳሌ 15:3።

  • “ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ ኸኣ ንኣውያቶም ይሰምዓ እየን።”—መዝሙር 34:15።

  • “ጸበባይ ርኢኻ፡ ብርቱዕ ጭንቀይ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ብተኣማንነት ብእተርእየኒ ፍቕሪ ኣዝየ ኽሕጐስ እየ።”—መዝሙር 31:7።

‘የሆዋ ዘየፍቅረኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ’

ኣምላኽ ብኣና ኣዝዩ ኸም ዚግደስን ብፍቕራዊ ሓልዮት ተደሪኹ ኸም ዚቋመተናን ምፍላጥና፡ ኣብ ህይወትና ለውጢ ዜምጽእ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ብርግጽ የምጽእ እዩ! ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ሃናc እንታይ ከም ዝበለት እሞ ርአ፦

“ኣብ ብዙሕ እዋናት፡ የሆዋ ዘየፍቅረንን ጸሎተይ ዘይተመለሰለይን ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ብሰሪ ጕድለት እምነተይ ከም ዝዀነ ገይረ እሓስብ ነይረ። ኣገዳሲት ብዘይምዃነይ ዝቕጻዕ ዘለኹ ወይ ዕሽሽ እተብሃልኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ኣምላኽ ብዛዕባይ ዚግደስ ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ።”

ሕጂ ግና ሃና፡ ኣምላኽ ዚግደሰላን ዜፍቅራን እንተ ዀይኑ ኣይትጠራጠርን እያ። ንኣረኣእያኣ ዝቐየሮ እንታይ እዩ፧ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “እቲ ለውጢ በብቝሩብ እዩ መጺኡ። ብዛዕባ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ዚገልጽ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት እተዋህበ መደረ ትዝ ይብለኒ፣ እቲ መደረ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩለይን ብፍቕሪ የሆዋ ኸም ዝተኣማመን ገይሩንን እዩ። ጸሎተይ ከም እተመለሰለይ ክርኢ ኸለኹ ኸኣ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ስለ ዝግንዘብ፡ ብዙሕ ሳዕ እነብዕ እየ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብን፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ባህርያቱን ብዛዕባ እቲ ንዓና ዘለዎ ስምዒትን ብዙሕ ተማሂረ እየ። ሕጂ፡ የሆዋ ንዅላትና ኸም ዚድግፈናን ከም ዜፍቅረናን፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ድማ ከም ዚሓልየልና ብንጹር ክርኢ እኽእል እየ።”

እቲ ሃና ዝበለቶ ነገር፡ ዜተባብዕ እዩ። ኣምላኽ ከም ዚርድኣልካን ንስምዒታትካ ኸም ዚዝክሮን ግና ብኸመይ ክትተኣማመን ትኽእል፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሳ እያ።

a ገሊአን ድሕሪ ሕርሲ ብዜጋጥም ሕዱር ጭንቀት ዚሳቐያ ኣዴታት ምስ ውሉደን ምቅርራብ የጸግመን እዩ። ግናኸ፡ ናተን ጕድለት ከም ዝዀነ ገይረን ንርእሰን ኪወቕሳ የብለንን። ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣእምሮ ሕ.መ.ኣ. ከም ዝገለጾ፡ ድሕሪ ሕርሲ ዜጋጥም ሕዱር ጭንቀት “ብሰሪ ኣካላውን ስምዒታውን ረቛሒታት ዚመጽእ እዩ። . . . ሓንቲ ኣደ ብሰንኪ ዝገበረቶ ወይ ዘይገበረቶ ነገራት ዜጋጥም ኣይኰነን።” ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 8 ሰነ 2003 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ድሕሪ ሕርሲ ንዜጋጥም ሕዱር ጭንቀት ምርዳኡ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።

b የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

c ኣብዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ