ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንጥሪ
1 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
7 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጸ ምልክታታት።
13 ደቒቕ:- “ብምስትውዓል ስበኹ።” ነቲ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ተመያየጠሉ: በቲ ኣብ ገጽ 11 ናይ መጽሓፍ ምምርማር “ስድራቤት/ቈልዑ” ዝብል ክልተ መእተዊታት ብምጥቃም ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባታት ተጠቐም። ኣብ መኽዘን እንታይ ዓይነት ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ከም ዘሎ: እታ ጉባኤ ትፍለጥ።
25 ደቒቕ:- “ነቲ ናይ የሆዋ ምድላዋት ተማስዉሉዶ ኢኹም፧” ንዅሉ እቲ ቍጽርታት ኣንቢብካ ተመያየጠሉ። ንዅሎም ዘድልዮም ዘበለ ካብቲ ናይ ጽሑፋት ኣገልጋሊ ክእዝዙ ዓድሞም።
መዝሙር 28ን መዕጸዊ ጸሎትን
8 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። እቲ ብስራት ምእንቲ ክስበኽ ንናይ ከባቢ ይኹን ናይ ዓለምለኸ ዕዮ ተባሂሉ ንዝልገስ ናይ ገንዘብ ደገፍ ግቡእ ዝዀነ ንእዶ ሃብ።
15 ደቒቕ:- ጥቅሚ ናይቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ። ሽማግለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ግቡእ ገይሩ ክሕዞን ኵሉ ግዜ ድማ ምስኡ ክዕቅቦ ከምኡውን ቈልዑ ነቲ እተዋህቦም ካርድ ኵሉ ግዜ ምስኦም ክሕዝዎ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ምስታ ጉባኤ ይመያየጥ። ከምቲ ኣርእስቲ ናይቲ ካርድ ዝሕብሮ: ብዛዕባ እቲ ሕክምናዊ ክንክን እንታይ ከም ዝድለ (ወይ ከኣ እንታይ ከም ዘይድለ) ቅድመ ሓበሬታ ይህብ ኢዩ። እዚ ኣብ ዓዓመት ዝግበር ስለምንታይ ኢዩ፧ እዋናዊ ካርድ: ካብቲ ከም ግዜኡ ዝሓለፎ ዝሕሰብ ወይ ከኣ ናይቲ ሰብ እቲ እምነት ዘየንጸባርቕ ካርድ ዝያዳ ከእምን ዝኽእል ኢዩ። ባዕልኻ ክትዛረብ እንተዘይ ክኢልካ እቲ ሰነድ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ ክዛረበልካ ኢዩ። ሎሚ ምሸት ካርድታት ክወሃብ ኢዩ። ኣብ ቤት ብጥንቃቐ ክምላእ ይግብኦ: ክፍረመሉ ግን የብሉን። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት እተገብረ: ምፍራምን ምምስካርን ብመሪሕነት ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሒ: ኣብቲ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝምርሓሉ ቦታ ክካየድ ኢዩ። እቶም ከም መሰኻኽር ኰይኖም ዝፍርሙ ሰባት: እቲ ብዓል ካርድ ነቲ ሰነድ ክፍርመሉ ከሎ ክርእይዎ ይግባእ። እዚ ኣብታ ጥሪ 15 እትጅምር ሰሙን ትምህርቲ መጽሓፍ ምስ ተወስደ: ክግበር ኢዩ። ኵሎም እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ነቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ክመልኡ ይኽእሉ ኢዮም። ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲውን ኵነታቶምን ምርድኦምን ምስቲ ኣብቲ ካርድ እቲ ዘሎ ሓሳባት ብምስምማዕ: ናይ ገዛእ ርእሶም መምርሒ ክመልኡ ይኽእሉ ኢዮም። ወለዲውን ነቶም ዘይተጠምቁ ውሉዳቶም ነቲ ናይ መንነት ካርድ ክመልኡ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም።
20 ደቒቕ:- “ገበርቲ ቓል ኩኑ—ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።” ሕቶን መልስን። ግዜ ከም ዘፍቅዶ ኣብ መጽሓፍ ኢንሳይት ጥራዝ 2 ገጽ 521 ሕጡብ ጽሑፍ 1ን 2ን እተመስረተ: ኣድላይነት ናይ ምእዛዝ ተመያየጠሉ።
መዝሙር 70ን መዕጸዊ ጸሎትን
15 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 77
12 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። “ብትብዓት ተዛረቡ።” ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብን ምይይጥን። ናይቲ ከባቢ ናይ ሰንበት መደብ ኣገልግሎት ድገሞ። ንዝገብርዎ ሰናይ ደገፍ ንኢድካ: ኣበየናይ ወገን ምምሕያሽ ከም ዘድሊ ድማ ርእይቶ ሃብ።
15 ደቒቕ:- ነቲ ከባቢ ዘድሊ። (ወይ ከኣ “ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትካ ሓልዎ” ዘርእስቱ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-28 እተመስረተ ዝርርብ።)
18 ደቒቕ:- “ገለ ሰባት ንምድሓን ተመለሱ።” ነቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣቀራርባታት ምስ ጉባኤ ኴንካ ብምድጋም ኣንብቦ። በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል ሓዳስ መጽሓፍ ወይ ከኣ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ተጠቒሞም ጽንዓታት ናይ ምጅማር ሸቶ ክገብሩ ተላበዎም።
መዝሙር 156ን መዕጸዊ ጸሎትን
22 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 200
8 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት
17 ደቒቕ:- “ካብ ናይ 1996 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተጠቐሙ—ክፍሊ 1።” ብናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝወሃብ ዝርርብ። ነቲ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ንናይ ተማሃሮ ክፍልታት እተዳለወ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒታት ድገሞ።
20 ደቒቕ:- “እቲ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዝድገፍ።” ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 10 ምስቲ ከባቢ ብዝሰማማዕ መገዲ ዝወሃብ ዝርርብ።
መዝሙር 92ን መዕጸዊ ጸሎትን
29 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 31
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ጥቅምቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ። ከምኡውን ናይታ ጉባኤ ናይ መወዳእታ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ገምጋም ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- “ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት።” ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ምዕራፍ 9 እተመስረተ: ብሓደ ውዕዉዕ ተዛራባይ: ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ክኸውን ይኽእል: ዝወሃብ ዝርርብ። ኵሎም: ብፍላይ ድማ እቶም ፈጺሞም ቅድሚ ሕጂ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዘይፈልጡ እተጠምቁ ኣስፋሕቲ: ኣብ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ኣቐዲሞም ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት መደብ ክገብሩ ኣተባብዓዮም። ከምኡውን ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዝድለየሉ ከባቢታት ንዝርከቡ ሚልዮናት ሰባት: ነዚ ህይወት ዘድሕን መልእኽትና ምእንቲ ከብጽሑ ብዙሓት ስርዓታውያንን ፍሉያትን ፓይነራት ይድለዩ ምዃኖም ኣጕልሓዮ።
20 ደቒቕ:- ንመጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ኣብ ለካቲት ዓድላ። መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ንነዊሕ እዋን ሓንቲ ክንርድኣ ዘይንኽእል ምስጢር ኰይና ትርኣየሉ ዝነበረት ምኽንያት ግለጽ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተድልየሉ ምኽንያት እናገለጽካ: ነቲ ኣብ ገጽ 8 ቍጽሪ 6 ክሳዕ 9 ዘሎ ሓሳባት ድገሞ። ኣስፋሕቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸዱ ከለዉ ንዝዘራረቡሉ ነጥብታት መሰረት ምእንቲ ክህልዎም ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ኣምሮኦም ክሕዝዎ ኣተባብዓዮም። ነቲ ኣብ ገጽ 98-9 ዘሎ “ናይ መጽሓፍ ራእይ ኣሰራርዓ” ዝብል ጠቒስካ: እዚ ናይ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ሓፈሻዊ ሓሳባት ንምሃብ ከመይ ገይርካ ከም እትጥቀመሉ ኣርኢ። ናብቲ ኣብ ውሽጢ ቅድሚትን ድሕሪትን ገበር ናይቲ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ዝምስጥ ስእላዊ መግለጺታት ከም ዘቕልቡ ብምግባር ዝርርብ ንምጅማር ከመይ ገይርካ ከም እትጥቀመሉ ሓብር። ንዅሎም ኣብ ቀዳመ ሰንበት ንኣገልግሎት ዝጥቀምሉ ቅዳሓት ናይዚ መጽሓፍ እዚ ክህልዎም ኣዘኻኽሮም። እቶም ከቢድ ናይ ገንዘብ ጸገም ዘለዎም ድማ ነቲ ንመጽናዕቲ ዝጥቀሙሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ቅዳሕ ሒዞምዎ ብምኻድ ንሰባት ከርእይዎም እሞ ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ክእዝዙ ብምሕባር: ድሓር ምስ ሓደ ዝዕደል ቅዳሓት ዘለዎ ኣስፋሒ ኰይኖም ክምለስዎም ይኽእሉ ምዃኖም ርእይቶ ሃብ።
መዝሙር 143ን መዕጸዊ ጸሎትን