ካብቲ ናይ 1996 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተጠቐሙ—ክፍሊ 1
1 ነቲ ኣብ “ናይ 1996 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” ተዳልዩ ቀሪቡ ዘሎ መምርሒታት ኣንቢብኩምዎዶ፧ ገለ ለውጥታትዶ ኣስተብሂልኩም፧ ካብ ጥሪ ክሳዕ ሚያዝያ: ክፍሊ ቁ. 3 ኣብ መጽሓፍ ምምርማር እተመርኰሰ ክኸውን ኢዩ: ካብ ግንቦት ክሳዕ ታሕሳስ ከኣ ኣብታ ፍልጠት እተባህለት ሓዳስ መጽሓፍ እተመርኰሰ ክኸውን ኢዩ።
2 ናይ ተማሃራይ ክፍልታት:- ክፍሊ ቁ. 3 ንሓንቲ ሓብቲ ኢዩ ዝወሃብ። ኣብ መጽሓፍ ምምርማር እተመርኰሰ ክኸውን ከሎ: እቲ ኣቀራርባ ካብ ቤት ናብ ቤት ወይ ከኣ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ። ካብ መጽሓፍ ፍልጠት ክቐርብ ከሎ ድማ ከም ተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ ከኣ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ክቐርብ ይግብኦ። እዚ ሓጋዚ ኰይኑ ክርከብ ኢዩ: ምኽንያቱ መጽሓፍ ፍልጠት ብሰፊሑ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ኢያ ክትውዕል።
3 እቲ ኣቀራርባ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ኰይኑ: ክልቲአን ኣሓት ኰፍ ክብላ ይኽእላ ኢየን። ሕጽር ዝበለ ናይ መእተዊ ሓሳባት ብምግባር ቀልጢፍኪ ጽንዓት ጀምሪ: ድሕሪኡ ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ሕቶታት ሕተቲ። ግደ ናይታ በዓልቲቤት ህያው ኰይኑ ደኣ ክቐርብ ኣለዎ እምበር ናይ ተዋስኦ መልክዕ ዝሓዘ ምግናን ክኸውን የብሉን። እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ጽሑፋት ግዜ ዘፍቅድ እንተድኣ ኰይኑ ገንጺልካ ክንበብ ይከኣል ኢዩ። እታ ሓብቲ ሕቶታት ብምጥቃም ነታ በዓልቲቤት ሓሳባታ ከም እትገልጽ ብምግባርን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘመራምር መርትዖ ብምቕራብን ክእለት ኣመሃህራ ከተርኢ ኣለዋ።
4 ኣብቲ ክፍሊ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ክወሃብ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ብዙሓት ጥቕስታት ተጠቒሶም እንተድኣ ኣልዮም እንታይ ክግበር ኣለዎ፧ ነቶም ቀንዲ ቀንዲ ሓሳባት ዘጕልሑ ጥቕስታት መሪጽኪ ነቲ ኻልእ ግደፍዮ። ሒደት ጥቕስታት ጥራይ እንተድኣ ኣልዮም ከኣ: ኣብቲ ትምህርቲ ዘለዉ ቀንዲ ነጥብታት ኣስፊሕኪ ክትመያየጥሎም ይከኣል ኢዩ። ስሕት ኢልኪ ኸኣ ካብቲ መጽሓፍ ሓንቲ ቍጽሪ ወይ ከኣ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ብምንባብ ምስታ በዓልቲ ቤት ክትመያየጥሉ ይከኣል ኢዩ።
5 እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ “ፍልጠትካ ምዘን” ዘርእስቱ ሳጹን: በቲ ካብታ መጽሓፍ መወዳእታ ቍጽሪ ናይ ሓንቲ ምዕራፍ ዘጠቓለለ ክፍሊ እተዋህበት ኣስፋሒት ብሕጽር ዝበለ ክድገም ይከኣል ኢዩ። ምስቲ ኣብቲ ክፍሊ እተመደበ ቍጽርታት ዘሎ ሓበሬታ ዝሓዘ ሳጹናት ድማ ግዜ ዘፍቅድ እንተድኣ ዀይኑ ክትመያየጥሉ ይከኣል ኢዩ። ናይ ሓበሬታ ሳጹን ኣብ መንጎ ክልተ ክፍልታት ዝርከብ እንተድኣ ኰይኑ እታ እቲ ቀዳማይ ክፍሊ እተዋህባ ሓብቲ ከተጠቓልሎ ትኽእል ኢያ። እቲ ኣብቲ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ስእላዊ መግለጺታት ድማ ምስቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዝሰማምዓሉ እዋን ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ።
6 ክፍሊ ቁ. 4 እውን ኣዝዩ ዝመስጥን ተግባራውን ክኸውን ይግብኦ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንናይ ስብከት ዕዮና ዝጠቅም ካብ መጽሓፍ ምምርማር እተወስደ ተግባራዊ ኣብነት ክህልዎ ኢዩ። በጃኻትኩም ነናትኩም ቅዳሕ ተማልኡ እሞ: ተኸታተሉ ተግባራዊ ነጥብታት ድማ ኣብ መጽሓፍኩም ኣመልክቱሉ።
7 ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተዳልዩ ካብ ዘሎ ምልምማድ መሊእና ንጥቀም እንተድኣ ዄንና: ነቲ ብሉጽ “ናይ ኣመሃህራ ክእለት” (ትሓዓ) ብዝገልጽ መገዲ ‘ነቲ ቓል ክንሰብኽ’ ክንክእል ኢና።—2 ጢሞ. 4:2