ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- ከም እኒ ዘለኣለማዊ ዕላማ (እንግሊዝኛ) ዝኣመሰለ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ዝዀነ 192 ገጽ ዘለዎ ቅድሚ 1982 እተሓትመ መጽሓፍ። እተን እዚ መጻሕፍቲ እዚ ዘይብለን ጉባኤታት ድማ ናብራ ስድራቤት/ንእስነትካ ዝበሃላ መጻሕፍቲ (እንግዝኛ) ንነፍሲ ወከፍ ብ3.00 ብር ክዕድላ ይኽእላ ኢየን። ለካቲት:- ንናብራ ስድራቤትካ ሕጉስ ምግባር ወይ ከኣ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ ኢዩ! (እንግሊዝኛ) ወይ ከኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጥሪ እተዓደለ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ሚያዝያ:- መጽሔታት
◼ ኣብ መኽዘን ዘሎ ሓድሽ:- ንቕሑ! ናይ 1994 ጥሙር ጥራዝ: እተመርጸ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ናይ ብረይል ጽሑፋት (በጃኹም ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ሕተቱ።)
◼ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ኣብ መኽዘን ዝህሉ:- ኣምሓርኛ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። (ካብ ሕጂ ጀሚርኩም ነቲ ናይ መሕተቲ ጽሑፋት ቅጥዒ S-14 ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።)