ብምስትውዓል ስበኹ
1 ምስትውዓል ንኽህልወና ብዛዕባ እቶም እንሰብከሎም ዘሎና ሰባት ገለ ነገራት ክንርዳእ ከድልየና ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ኣልባብ ሰባት ናይ ምብጻሕ ተኽእሎና: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ንዓታቶም ብዝስሕብ መገዲ ኣብ ምቕራብ ዘሎና ክእለት እተመርኰሰ ኢዩ። ኣብ ጥሪ: እተፈላለየ ጌና ኣብታ ጉባኤ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ መጻሕፍቲ: ክንዕድል ኢና። እንተዘይኰነ ግን: ኣስፋሕቲ ነተን ንእስነትካ ከምኡውን ናብራ ስድራቤት ዝብላ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ክጥቀሙ ኢዮም። እዚ ዝስዕብ ርእይቶታት ሓጋዚ ኰይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ።
2 ነታ “ናብራ ስድራቤት” እትበሃል መጽሓፍ ክትጥቀም ከሎኻ ነዚ ዝስዕብ ዝመስል ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ዘሎ ስድራቤት ኣብቶም ናይ ቅድም ወለዶታት ዘይፍለጥ ዝነበረ ብድሆ ይገጥሞ ከም ዘሎስ ትሰማምዓሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብናትካ ርእይቶ እዚ ዝፍጸመሉ ዘሎ ምኽንያትሲ እንታይ ኢዩ ምበልካ፧ [ንዝህቦ መልሲ ኣመስግን። 2 ጢሞቴዎስ 3:1-3 ገንጺልካ ኣንብብ።] እተን ‘ንወለዶም ዘይእዘዙ’ ‘ፍቕሪ ንስድራቤቶም እኳ ዘይብሎም’ ዝብላ ሓረጋት ንብዙሓት ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰባት ብልክዕ ኢየን ዝገልጻኦም። ይኹን እምበር: እቲ ነዚ ግድላት እዚ እተነበየ ኣምላኽ ንስድራቤት ብኸመይ ሕብርቲ ክንገብራ ከም እንኽእልውን ጥቁው መምርሒ ሂቡና ኣሎ። ” ነቲ ኣብ ገጽ 2 ዘሎ “ሓተምቲ” ዝብል ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብቦ።
3 ነታ “ዘለኣለማዊ ዕላማ ኣምላኽ ንጥቕሚ ሰብ ሕጂ ይዕወት” እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ትጥቀም እንተድኣ ኣሊኻ: ብዛዕባ ገለ ዘየተፈትሐ ማሕበራዊ ግድላት ዝጠቅስ እዋናዊ ዜና ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ: ድሓር ከምዚ ኢልካ ትሓትት:-
◼ “ሓደ መዓልቲ ሰባት ነዚ ግድል እዚ ክፈትሕዎ ኢዮም ኢልካዶ ትሓስብ፧ [በዓል ቤት መልሲ ክህበካ ተጸበ: ኣመሰግኖ ድማ።] ኵልና ኣብ ሓንቲ እዚ ዓይነት ግድል እዚ ዘይብላ ዓለም ክንነብር ንብህግ ኢና። እዚ ኣብቲ እንጽልየሉ ዘሎና ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብርግጽ ክፍጸም ኢዩ።” ሰላምን ደሓንን ኣብ መወዳእታ ከመይ ኢሉ ከም ዝርከብ ንምግላጽ ኢሳይያስ 32:17, 18 ኣንብብ። ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ገጽ 4 ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ ዘሎ ናይ መእተዊ ሓሳባት ኣንብቦ እሞ: እታ መጽሓፍ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ እተመባጽዖ ነገራት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክፍጸም ምዃኑ ዘረጋግጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ከም እትህብ ግለጽ። እቲ ሰብ ነቲ ትምህርቲ ሞሳ እንተድኣ ሂቡሉ: ነታ መጽሐፍ ኣበርክተሉ።
4 ጽቡቕ ዝዀነ ምስትውዓል: ነቶም እንረኽቦም ሰባት ድልየቶምን ዘገድሶም ነገራትን ንኽንርድኣሎም ክድግፈና ኢዩ። ምሳሌ 16:23 ብዛዕባ እዚ “ልቢ እቲ ጥበበኛ ንአፉ መስተውዓሊ ይገብሮ: ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን” ብምባል የረጋግጸልና።