ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/96 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንለካቲት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንለካቲት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 2/96 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንለካቲት

ለካቲት 5 እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 96

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጸ ምልክታታት። ቲኦክራቲካዊ ዜና።

15 ደቒቕ:- “ንየሱስ ብምምሳል ነቲ ብስራት ኣብ ጸጽባሕ ምእዋጅ።” ሕቶን መልስን። ቍጽሪ 5 ኣንብብ።

20 ደቒቕ:- “ራእይ ዮሃንስ​—⁠መፍትሕ ናይ ሓቂ ሓጐስ።” ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣቀራርባታት ተመያየጠሉ: ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ድማ ኣቕርብ።

መዝሙር 14ን መዕጸዊ ጸሎትን

12 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 191

12 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። “ኣብ ሚያዝያ ንዝግበር ናይ መጽሔት ንጥፈት ተዳለዉሉ።” እቲ ብስራት ከተፍ⁠ልጥ ከሎኻ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ከኣ ንቕሑ! ክሳዕ ክንደይ ቁም ነገር ከም ዘለዎ ኣጕልሓዮ። ነቲ ዓንቀጽ ኣንብቦ ናይቲ ከባቢ ጉባኤ ንሚያዝያ ፍልይቲ ናይ መጽሔታት ወርሒ ንኽገብርዋ እንታይ ክትገብር ምዃና ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።

13 ደቒቕ:- “ሰማዒት እዝኒ ከመይ ገይረ ክረ​ክብ እኽእል፧” ሕቶን መልስን። ክልተ ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ መምርሒ ገጽ 165-7 ሕጡብ ጽሑፍ 10-21 ቀሪቡ ዘሎ ገለ ሓሳባት ብምጥቃም ኣብ ኣባይቲ ክዛረቡ ከለዉ ዝያዳ ሙቐት ንምግላጽ ከመይ ገይሮም ከም ዝፍትኑ: ከም ዝመያየጡ ግበር።

20 ደቒቕ:- ካብ ኣገልግሎትና ገጽ 127⁠-​132 “ናብቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ምጥባቕ”። ካብ ገጽ 127⁠-​130 ናይ 10 ደቒቕ ዝርርብ ምስ ሃብካ: ብዛዕባ “ኣካላዊ ንጽህና”ን “ምዝንጋዕ”ን ዝምልከት ሕቶን መልስን ግበር። ብፍላይ ስርዓታዊ ኴንካ ነብስኻ ምሕጻብ: ክዳውንትና ክንሓጽብን ከከምቲ ዘድሊ ገይርና ከነስታርሮምን: መንደቕ: ኣቝሑ: ናይ መሕጸቢ ነብሲ ቀዋሚ መሳርሒታት: ልዳት: መወልዕን መጥፍእን: ኣብ ኣባይትና ዘሎ መሳኹትን ምድሪቤትን ክንነግፎን ክንሓጽቦን ከምኡውን ኣብ ኣባይትናን ቀጽርናን ዝወደቐ ነገራትን ጐሓፍን ከነወግድ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሓዮ። ከምኡውን ብሓቂ ‘ክፍሊ ናይ ዓለም ዘይምዃንካ’ ንምርኣይ ኣብ ተለቪዥን ዝርአ ነገራትን ከምኡውን ምስ ዓለማውያን ኣዝማድን እትፋለጦም ሰባትን እትገብሮ ርክብ ክሳዕ ክንደይ ክትጥንቀቐሉ ከም ዘድሊ ኣርኢ።

መዝሙር 133ን መዕጸዊ ጸሎትን

ለካቲት 19 እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 72

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታት

15 ደቒቕ:- “ካብቲ ናይ 1996 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተጠቐሙ​—⁠ክፍሊ 2።” ብናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝወሃብ ዝርርብ። ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ናይ ምንባብ ኣድላይነት ኣጕልሓዮ።

20 ደቒቕ:- “ንኽርድኡ ደግፍዎም።” ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዝሕግዙ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣቀራርባታት ድገሞም። ብትራክት: በተን ብምንባር ተሓጐሱ ወይ ከኣ ኣምላኽ ይግደስዶ ኢዩ፧ ዝብላ ብሮሹራት: በተን ፍልጠት ወይ ከኣ ንዘለኣለም ምንባር ዝብላ መጻሕፍቲ ተጠቒምካ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጅማር ሸቶ ኣጕልሓዮ። ድሕርዚ ኣብ ጉባኤኻ ክንደይ ዝኣኽሉ ጽንዓታት ብብሮሹራት ይምርሓሎም ከም ዘሎ እቲ ልክዕ ቁጽሪ ንገር። እቲ ቁጽሪ ሒደት እንተድኣ ዀይኑ: ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ናይ ምድሪ ፍርቂ ወይ ከኣ ዝያዳ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ከም እኒ ብምንባር ተሓጐሱ ዝብላ ብሮሹራት ይምራሓሎም ከም ዘሎ ኣጕልሓዮ። ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባታት ኣርኢ።

መዝሙር 53ን መዕጸዊ ጸሎትን

26 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 28

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት

15 ደቒቕ:- ዝስሕብ ኣቀራርባታት ምድላው። ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ወይ ከኣ ካልእ ሽማግለ ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ኰይኑ: ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘገድስ ከም እኒ ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ግድላት: ናይ ቈልዑ ስድነት: ወይ ድማ ስራሕ ንምርካብ ዘጋጥም ጸገማት: ዝምልከት ኣቀራርባታት ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ይመያየጥ። ገለ ኣብቲ ማሕበረሰብካ እተፈጸመ እዋናዊ ዜና ጥቐስ እሞ: ዝርርብ ንምኽፋት ብኸመይ ክትጥቀመሎም ከም እትኽእል ተመያየጠሉ።

20 ደቒቕ:- ኣብ መጋቢት ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ምዕዳል። ገለ ካብቲ ዝርርብ ንምጅማር ክሕግዝ ዝኽእል ናይታ መጽሓፍ ኣገዳሲ ሓሳባት ጥቐስ። (1) ናብቲ ኣብ ገጽ 4-5, 86, 124-5, 188-9 ዘሎ ዝምስጥ ስእላዊ መግለጺታት ከም ዘተኵሩ ግበር። (2) ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ከመይ ገይራ ብዝርዝር ናይ ድግማ ሕቶታት ከም እትዓጹን እዚ ድማ ከመይ ገይርካ ንመሰረት ናይ ኣቀራርባኻ ከም እትጥቀመሉን ግለጽ። በዓልቤት ነቲ መልሲ ክፈልጥ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ ክሕተት ይከኣል ኢዩ። ካብቲ ኣብ ገጽ 11, 22, 61, 149 ቀሪቡ ዘሎ ሕቶታት ገለ ኣልዕል። (3) ነቲ ኣብ ገጽ 102 ዘሎ ሳጹን ኣመልኪትካ “ገለ ናይተን ዳሕሮት መዓልትታት መልክዓት” ተገዳስነት ንምልዕዓል ክሳዕ ክንደይ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ብምግላጽ ርእይቶታት ሃብ። (4) እታ መጽሓፍ ብፍላይ ምዕቡል ጽንዓታት ንምምራሕ ብኸመይ ተዳልያ ከም ዘላ ጽቐጠሉ። ምዕራፋት ሓጺር ኢዩ: እቲ ጽሑፍ ንምርድኡ ቀሊል ኢዩ: ሓይሊ ዝመልኦም ጥቕስታት ተጠቒሶም ኣለዉ: መርመርቲ ሕቶታት ኣብቲ ቀንዲ ነጥብታት ኢዮም ዘተኵሩ። ጽንዓታት ንምጅማር ብዝብል ሸቶ ነታ መጽሓፍ ክዕድልዋ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 151ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ