ካብቲ ናይ 1996 ቲኣክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተጠቐሙ—ክፍሊ 2
1 እቲ ናይ 1943 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምስ ተጀመረ ብኡንብኡ: ሓንቲ ካብተን ናይ ማሕበር ጨናፍር ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ሃበት:- “እዚ ኣዝዩ ብሉጽ መደብ እዚ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ: ነቶም ፈጺሞም ህዝባዊ ተዛረብቲ ክዀኑ ከም ዘይክእሉ ገይሮም ንገዛእ ርእሶም ዝግምቱ ዝነበሩ ኣሕዋት: ኣብ መድረኽ ኣዝዮም ክኢላታት: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ድማ ዝያዳ ኣስለጥቲ ከም ዝዀኑ ገይርዎም ኢዩ።” እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ: ንዅልና ዘድልየና ብሉጽ ምልምማድ ምሃቡ ይቕጽል ኢዩ ዘሎ።
2 ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ካብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዝጥቀሙ እቶም ናይ ዝርርብ ክፍሊ ዝወሃቡ ጥራይ ኣይኰኑን። ኵልና ሓደ ክፍሊ ኣሎና: ንሱ ኸኣ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ መደብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣየኖት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕራፋት ክንበቡ ከም ዘለዎም ይሕብር ኢዩ። መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሑ ብዙሓት ቅዱስ ጽሑፋዊ መዘኻኸሪታት ኣለዉ። (እያ. 1:8፣ መዝ. 1:2፣ ግብ. 17:11) ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕና ኣድላዪ ኢዩ፣ ንኣእምሮን ንልብን ድማ ዘዐንግል ኢዩ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመዓልቲ ሓሙሽተ ደቒቕ እንተድኣ ኣንቢብና: ምስቲ መደብ ማዕረ ማዕረ ክንስጕም ኢና። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት እቲ ድማ ልዕሊ 150 ምዕራፋት ናይ ቃል ኣምላኽ ኣንቢብና ኣሎና ማለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ግዜ ኣብ ኢድና ንሕዝ እንተድኣ ኰይንና: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ገለ ካብኡ ከነንብብ ክንክእል ኣሎና።
3 ሃናጺ ዝርርብ:- እቲ ሃናጺ ዝርርብ ዘቕርብ ተዛራቢ ነቶም ኣሕዋት: እሙንን ቅንኢ ዘለዎን ኣገልግሎት ክገብሩ ምእንቲ ከለዓዕሎም: ዘረድእ ከምኡውን ንየሆዋን ንቓሉን ንማሕበሩን ሞሳ ከማዕብል ዝኽእል ጽቡቕ ኣገባብ ኣመሃህራ ክጥቀም ይግብኦ። ሽማግለታትን ድያቆናትን ነዚ ክገብርዎ ዝኽእሉ ጽቡቕ ገይሮም ብምድላውን ንዝርርቦም ኣብቲ ኣርእስቲ ከም ዘተኩር ብምግባርን ብዘአምን መገዲ ብምዝራብን ነቲ ጽሑፍ ድማ ህያው ገይርካ ብምቕራብን ኢዩ። (እብ. 4:12) እቲ ተዛራቢ ነቲ እተመደበሉ ግዜ ክሕሉ ኣድላዪ ኢዩ። እቲ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ” ዝብል መጽሓፍ: ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ዝመልአ ኰይኑ ብመስርዕ ናይቲ ዘነቓቕሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ዝመልአ ኢዩ።
4 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት:- እቶም ነዚ ክፍሊ እዚ እተዋህቡ ኣሕዋት: ነታ ጉባኤ ብዝጠቅም ተግባራዊ መገዲ ክውዕል ዝኽእል ፍልይ ዝበለ ጥቕስታት ክመርጹ ይግብኦም። እዚ ድማ ነቲ ምዕራፋት ምንባብ: ምስትንታን: ከምኡውን ንትርጕም ናይቲ ምዕራፋት ከብርህ ዝኽእል ነጥብታት ንምርካብ እተመርጹ ጥቕስታት ምምርማር ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ድሕሪት ናይቲ ዎች ታወር ፓብሊከሽን ኢንደክስ (ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት መሐበሪ): ብዛዕባ ፍሉያት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ሓበሬታ ንምርካብ ክሕግዝ ዝኽእል “ስክሪቸርስ ኢንደክስ” (ናይ ጥቕስታት መሐበሪ) ዝብል ኣሎ። ነዚ ክፍሊ እዚ ዘቕርቡ ኣሕዋት: ምስትውዓል ከርእዩን ዘየገድስ ነጥብታት ካብ ምቕራብ ክሕለዉን ይግባእ። ኣብ ሽዱሽተ ደቒቕ ክውዳእ ዘይክእል ሓሳባት ክዳለዉ የብሎምን።
5 ኵልና ካብ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ክእለት ኣዘራርባናን ኣመሃህራናን ከነመሓይሽ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ካብዚ ምድላው እዚ መሊእካ ምጥቃም: ‘ወሰኽና ኣብ ኵሉ ከም ዝግለጽ’ ንኽንገብር ከም ዝሕግዘና ኣየጠራጥርን ኢዩ።—1 ጢሞ. 4:15