ኣብ ሚያዝያ ንዝግበር ናይ መጽሔት ንጥፈት ተዳለዉሉ
ከምቲ ኣብ ናይ 1996 ዓውደ ኣዋርሕ ተመልኪቱ ዘሎ: ድራር ጐይታ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ 2 ሚያዝያ ኢዩ ዝውዕል። በዚ ዓቢ ኣጋጣሚ እዚ ተተባቢዕና እምበኣር: ኵልና ብሓባር ኣብቲ ኣብ ምልእቲ ሚያዝያ ዝግበር ናይ መጽሔታት ዕደላ ብቅንኢ ንካፈል። ከመይ ዝበሉ እዋናውያን መጽሔታት ኰን ኢና ክንጥቀም! እታ ናይ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ናይ ዝሐለፈ ዓመት ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ህዝባዊ ዝርርብ “ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ወድስዎ!” ኣብ ዝብል እተመርኰሰት ክትከውን ኢያ። እታ ናይ 15 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት “መወዳእታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ” ዘርእስቱ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ከተተኵር ኢያ። ኣብ 21 ሚያዝያ ዝውሰድ “ኣብ ማእከል እዚ ቄናን ወለዶ መንቅብ ዘይብልካ ኴንካ ምጽናሕ” ዘርእስቱ ናይዚ ዓመት እዚ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ድማ ተወሳኺ ምልዕዓል ክገብር ኢዩ። ናይ 22 ሚያዝያ ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ድማ “ፈጺሙ ውግእ ዘይህልወሉ ግዜ” ዝብል ኣርእስቲ እተብርህ ክትከውን ኢያ።
ሚያዝያ ንናይ መጽሔት ዕደላ ፍልይ ዝበለት ወርሒ ክትከውን ኣለዋ። መደባት እንገብረሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ብዙሓት ከም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ክደልዩ ኢዮም። እቲ ድልየት ተራእዩ: ተወሳኺ ቅዳሓት ናይቲ ኣብ ሚያዝያ ዝዕደል መጽሔታት ክእዘዝ ይግብኦ። ምስ ነፍሲ ወከፍ ዝጥዕሞ ሰብ ንግሆ: ቀትሪ: ከምኡውን/ወይከኣ ምሸት ብምክፋል: ንናይ መጽሔት መዓልቲ መደባት ክግበር ይከኣል ኢዩ። ኵልና ‘ገበርቲ ቃል ንኹን’። ከምቲ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ኣብ መዝሙር 69:9 ኣቀዲሙ እተነግረ: ንሕናውን “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ” ክንብል እንኽእል ይግበረና።—ያእ. 1:22፣ ዮሃ. 2:17