ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/96 ገጽ 3
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 2/96 ገጽ 3

ምልክታታት

◼ እንጥቀመሎም ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ራእይ ፍጻሜኡ ወይ ከኣ ናብራ ስድራቤን/ንእስነትካ (ናይ ኣምሓርኛ ሕታም ንነፍሲ ወከፍ ብ3.00 ብር።) መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ሚያዝያን ግንቦትን:- ንጽል ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ከኣ ንቕሑ! ኣብቲ ተገዳስነት እተራእየሉ ምዝገባ ክግበር ይከኣል ኢዩ። መተሓሳሰቢ:- በጃኹም ዘድልየኩም ሕጂ ኣዝዙ።

◼ እቲ ጸሓፍን እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ንንጥፈታት ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ክምርምርዎ ኣለዎም። ገለ ካብኣቶም እቲ ዝድለ ሰዓታት ንምምጻእ ጸገም ዘጋጥሞም እንተድኣ ኰይኑ: እቶም ሽማግለታት ሓገዝ ንኽወሃቦም መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ነቲ ናይ 1986 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እታው ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 12-20 ዘሎ ነጥብታት ድገሞ።

◼ በዓል ዝኽሪ ሰሉስ 2 ሚያዝያ 1996 ክውዕል ኢዩ። እቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ ክጅምር ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ምዛር ናይ ዝኽሪ ቅጫን ወይንን ግን ጸሓይ ከይዓረበት ክጅምር ከም ዘይብሉ በጃኹም ዘክርዎ። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓት ንምፍላጥ ናይ ከባቢ ምንጭታት ተጠቐሙ። ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ እንተዘይኰይኑ ኣብታ ዕለት እቲኣ ዝዀነ ይኹን ኣኼባ ክግበር የብሉን። ጉባኤኹም ሰሉስ ኣኼባታት እንተድኣ ኣለዋ ኰይኑ መንግስቲ ኣዳራሽ ናጻ ኣብ ዝዀነሉ ካልእ መዓልቲ ናይታ ሰሙን እቲኣ ክትቅይርዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዝኽሪ ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ንኽካፈሉ ምእንቲ ከይጽግሞም ኣዝዩ ደንጕዩ ክጅምር የብሉን። ብተወሳኺ: እቲ መደብ ቅድሚ እቲ በዓል ወይ ድሕሪኡ ንበጻሕቲ ሰላም ንምባል: ንገሊኦም ቀጻሊ መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃቦም መደብ ንምግባር: ወይ ድማ ሓፈሻዊ ምትብባዕ ንምውህሃብ ክሳዕ ዝጽግም ኣዝዩ እተጻበበ ክኸውን የብሉን።

◼ ናይ 1997 በዓል ዝኽሪ ሰንበት 23 መጋቢት 1997 ክውዕል ኢዩ።

◼ እቶም ኣብ መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዝደልዩ ኣስፋሕቲ መደባቶም ሕጂ ክገብሩ ቀልጢፎም ድማ ከመልክቱ ኣለዎም። እዚ ነቶም ሽማግለታት እቲ ዘድሊ ናይ ግራት ኣገልግሎት መደባት ከምኡውን እኹል መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ከም ዝህልዎም ንኽገብሩ ክሕግዝ ኢዩ።

◼ ሕጂ ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ዝወጽእ ናይ ትግርኛ ግምቢ ዘብዐኛ ክትምዝገብን ናይ ዓደልቲ ትእዛዝ ክትልእኽን ይከኣል ኢዩ።

◼ ናይ እንግሊዝኛን ፈረንሳይን ምዝገባ እውን ካብ ሕጂ ብናይ ኢጣልያ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክካየድ ኢዩ። እዚ ለውጢ እዚ እተገብረሉ ምኽንያት ካብ እስጳኛ ናይ ምልኣኽ ጸገማት ከም ዘሎ ስለ ዝሓበርኩምልና ኢዩ። በዚ ምምሕያሽ ክግበር ምዃኑ ተስፋ ኣሎና: ይኹን እምበር ተመዝገብቲ እዚ ለውጢ እዚ ኣብ ተግባር ውዒሉ ክሳዕ ዝርእዩ ብትዕግስቲ ክጽበዩ ንሓቶም። ኣብ ፍርቂ መጋቢት ዝዀነ ይኹን ተመዝጋቢ: ጌና ጸገማት እንተድኣ ኣጋጢምዎ: በጃኹም እንደገና ስሙ: ዕለት ናይቲ እተመዝገበሉ: ከምኡውን ኣየናይ መጽሔትን ኣየናይ ቋንቋን ምዃኑ ብምግላጽ ጽሓፉልና።

◼ እቲ ኣብ እዋን ዝኽሪ ዝወሃብ ፍሉይ ዝርርብ ሰንበት 21 ሚያዝያ ክዋሃብ ኢዩ። ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ “ኣብ ማእከል እዚ ቄናን ወለዶ መንቅብ ዘይብልካ ኴንካ ምጽናሕ” ዝብል ኢዩ። ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ንጉባኤኻ ዝበጽሓ: በታ ዕለት እቲኣ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ፍሉይ ዝርርብ ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ሰሙን ክወሃብ ኣለዎ።

◼ ኣብ መጋቢት ብናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ዘላ እምንቲ ጉባኤ” ዝብል ኢዩ።

◼ ካብ ሎሚ ንንዮ ብኵነታት እተላዕለ ናይ ቤትኤል ምብጻሕ ንኣስፋሕትን ነቶም ኣብነት ዝዀኑ ደቆምን ጥራይ ኢዩ ዝፍቀድ።

◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን:- ቪድዮካሴት ክሳዕ ወሰን ምድሪ (እንግሊዝኛ): ናይ ባጅ ካርድ መትሓዚ ፕላስቲክ (50 ሳንቲም): ናይ ዞባ ካርድታት መትሓዚ ሰታሪት ፕላስቲክ (50 ሳንቲም)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ