ኵሎም ‘ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ክቕበልዎ’ ኣለዎም!
1 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ኣለዉ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ብቑዓት ምእንቲ ክዀኑ ኸኣ: ከምቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እተናስሑን እተጠመቑን 3,000 ሰባት ዝገበርዎ ነቲ ‘ቓል ብምሉእ ልቦም ክቕበልዎ’ ኣለዎም። (ግብ. 2:41 NW ) ሎሚ እዚ ንዓና ከመይ ዝበለ ሓላፍነት ኢዩ ዘሰክመና፧
2 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ኣብ የሆዋ ተወፋይነት ከማዕብሉ ክንሕግዞም የድልየና ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:7-10) ከምዚ ንምግባር ድማ: እታ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ኣብ ቍጽሪ 20 እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ትህብ:- “እቲ መጽናዕቲ እናተኻየደ ከሎ: ንባህርያት የሆዋ ሞሳ ዘዕብየሉ ኣጋጣሚታት ድለ። ንኣምላኽ ዘሎካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዓሚቝ ስምዒት ግለጽ። ምስ የሆዋ ምዉቕን ብሕታውን ርክብ ብምግባር ዝመጸ ክሓስበሉ ነቲ ተማሃራይ ሓግዞ።”
3 ዘጋጥመና ብድሆ:- ብዙሓት ብናይ ሓሶት ሃይማኖት እተጸልዉ ሰባት: በቲ ኣብ ኣነባብርኦም ናይ ሓቂ ለውጢ ክገብሩ ዘይሓቶም ሒደት ግዜን ጻዕርን ጥራይ ዘጠቓልል ኣገባብ ኣምልኾ ዕጉባት ኢዮም። (2 ጢሞ. 3:5) እቲ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆ ሓቀኛ ኣምልኾ ክበሃል ከሎ ሰማዒ ቃል ኣምላኽ ምዃን ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ዘጠቓልል ምዃኑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ንኽርድኡ ምሕጋዝ ኢዩ። ነቲ ዝማሃርዎ ነገር ኣብ ናብርኦም ከውዕልዎ ኣለዎም። (ያእ. 1:22-25) ገለ ካብቲ ብሕታዊ ጠባያቶም ኣምላኽ ዘይቅበሎ እንተድኣ ዀይኑ: ‘ክምለሱን’ ንዕኡ ንኸሐጕስዎ ቅኑዕ ዘበለ ክገብሩን ግዴታ ከም ዘለዎም ክግንዘቡ የድልዮም። (ግብ. 3:20text adjusted) ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡ: ‘ክጋደሉን’ ኣብ ሓቂ ድማ ጽኑዕ ኣቕዋም ክወስዱን ኣለዎም።—ሉቃ. 13:24, 25
4 ብዛዕባ እተፈላለየ መዳያት ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ትመያየጡ እንተድኣ ኣሊኹም: ነዚ ጕዳይ እዚ ብሓቂ ብኸመይ ከም ዝምልከቶ ከምኡውን ኣብ ህይወቱ ለውጢ ክገብር ኣድላዪ ምዃኑ እንተድኣ ተረዲኡ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃራይኩም ሕተትዎ። ኣቓልብኡ ናብታ ብእኣ ኣቢሉ ሓቂ ዝመሃረላ ዘሎ ማሕበር ከም ዘቃንዕ ግበርዎ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዀይኑ ንኽካፈል ድማ ኣተባብዕዎ።—እብ. 10:25
5 ብትምህርትና ኣቢልና ንልቢ ተማሃራይና ምትንካፍ ሸቶና ንግበሮ። ሓደስቲ ሰባት ንቓል ኣምላኽ ብምሉእ ልቦም ንኽቕበልዎን ንኽጥመቑን ምስ እንድርኾም: ክንሕጐስ ኢና!—1 ተሰ. 2:13