ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ብምሃብ ንሓድሕድና ንተሃናነጽ
1 ኣብ እብራውያን 10:24 ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ኣብ ንሓድሕድና ክንነቓቓሕ’ ተማዒድና ኢና። እዚ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ትርጕም ዘለዎ ሓሳባት ብምሃብ ኣብ ንሓድሕድና ምትህንናጽ ዘጠቓልል ኢዩ። ሓሳብ ክንህብ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ ብኸመይከ ኢና ክንህብ እንኽእል፧ እቲ ዝጥቀምከ መን ኢዩ፧
2 ነቲ ካልኦት ዝህብዎ ንፍልጠትካ ዝውስኽን ንመንፈሳውነትካ ዘሐይልን ቀሊልን ንጹርን ሓሳባት ብምስማዕካ እተጠቐምካሉ ብዙሕ እዋናት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንስኻውን ንዓታቶም ዝጠቅም ከምኡ ዝኣመሰለ ሓሳብ ናይ ምሃብ መሰል ኣሎካ። ሓሳብ ክትህብ ከሎኻ: ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ ዘተባብዖም ‘ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክትመቕሎም’ ባህጊ ከም ዘሎካ ኢኻ እትገልጽ።—ሮሜ. 1:11, 12
3 ጽቡቕ ሓሳብ እትህበሉ መገዲ:- ኣብቲ ቝጽሪ ንዘሎ ነጥብታት ብምሉኡ ዝሽፍን ነዊሕ ሓሳብ ኣይትሃብ። ነዊሕ ሓሳባት ምሃብ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ንጹር መልሲ ኣየጕልሖን ኢዩ። ካልኦት ሓሳብ ንኸይህቡ ተስፋ ከም ዝቘርጹ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ። ነቲ ቝጽሪ እቲ ብዝምልከት ዝዋሃብ ናይ መጀመርታ ሓሳብ: ሓጺርን ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ሕቶ ድማ ብቐጥታ ዝምልስን ክኸውን ኣለዎ። ድሕርዚ እቶም ተወሳኺ ሓሳባት ዝህቡ ተግባራዊ ኣወዓዕላ ናይቲ ጽሑፍ ወይ ኣወዓዕላ ጥቕስታት ክገልጹ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብታ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 90-2 ርአ።
4 ሓሳብ ምሃብ ዘጨንቐካ እንተድኣ መሲሉ: ኣቐድም ኣቢልካ ሓጺር ሓሳብ ተዳሎ እሞ እቲ ዝመርሕ ሓው ኣብታ ክትምልስ ዝደለኻላ ቍጽሪ ምስ በጽሐ ኣጋጣሚ ንኽህበካ ሕተቶ። ኣብ ሒደት ኣኼባታት ከምዚ ምስ ገበርካ: ሓሳብ ምሃብ ክቐለካ ኢዩ። ሙሴን ኤርምያስን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ ምዝራብ ክእለት ከም ዘይብሎም ምግላጾም ኣይትረስዕ። (ዘጸ. 4:10፣ ኤር. 1:6 እግረ-ጽሑፍ NW ) የሆዋ ግን ኣብ ክንድኡ ዀይኖም ክዛረቡ ሓገዞም: ንዓኻውን ክሕግዘካ ኢዩ።
5 ካብቲ እትህቦ ሓሳባት ዝጥቀም መን ኢዩ፧ እቲ እትህቦ ሓሳባት ንሓቂ ኣብ ኣእምሮኻን ልብኻን ኣጸቢቑ ከም ዝቕረጽ: ነቲ ሓበሬታ ድማ ካልእ ግዜ ንኽትዝክሮ ዝቐለለ ከም ዝኸውን ስለ ዝገብር: ንስኻ ኢኻ እትጥቀም። ካልኦትውን ነቲ ሃናጺ ሓሳባትካ ብምስማዕ ይጥቀሙ ኢዮም። ኵሎም: ተመክሮ ዘለዎምን መንእሰያትን ሓፋራትን ሓደስትን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እምነቶም ንምግላጽ ጻዕሪ ክገብሩ ነተባብዖም።
6 ኣብ ኣኼባታት ኣብ ንሓድሕድና ንምትህንናጽ ‘ብግዜኡ ዝዝረብ ቃል’ ምስ እንጥቀም: ‘ክንደይ ጽቡቕ’ ኰይኑ ከም እንረኽቦ ርግጸኛታት ኢና!—ምሳ. 15:23