ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/00 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 12 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • 19 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • 26 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • 3 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 6/00 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

12 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 136

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ጻዕርኹም ከንቱ ኣይኰነን።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ 15 ሰነ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 ተዘንትዩ ዘሎ ተመክሮ ሓሳብ ሃብ።

22 ደቒቕ:- በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ገይርካ ጽንዓት ምጅማር። ኣብታ ናይ ጥሪ 1999 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4 ዘላ ዓንቀጽ ተመርኲስካ ዝቐርብ ዝርርብ። ነቲ ኣብ ቍጽሪ 6 ዘሎ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ። ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ብኸመይ ጽንዓት ከም ዘጀመሩ ከምኡውን ብኸመይ ቀጻሊ ከም ዝኸውን ከም ዝገበርዎ ብምግላጽ ዝረኸብዎ ዓወት ከም ዘዘንትዉ ግበር።

መዝሙር 209ን መዕጸዊ ጸሎትን

19 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 14

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ምልክታ ናይ ርብዒ ዓመት ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ምርመራን። እታ ጉባኤ ያንግ ፒፕል ኣስክ ወይ ዩዝ ዝበሃላ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) እንተ ሃልዩዋ: ቤት ትምህርቲ ክዕጾ ኸሎ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘለዉ መንእሰያት ኣብ ቤት ስለ ዝርከቡ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎት ብግቡእ ከም እንጥቀመለን መርኣያ ኣቕርብ።

8 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ።

25 ደቒቕ:- “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ብሕቶን መልስን ዝቐርብ ምይይጥ። ነፍሲ ወከፍ ቍጽርን ኣብ ቍጽሪ 3, 4, ከምኡውን 7 ዘሎ ጥቕስታትን ከም ዝንበብ ግበር። ቍጽሪ 6 ክትሽፍና ከሎኻ: እተጠምቀ ሓው ብብሕቱ ጽንዓት ክግበረሉ ከም ዘለዎ ወይ ከም ዘይብሉ ኣብ ምውሳን ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ እንታይ ግደ ከም ዘለዎ ግለጽ።​—⁠ኣብ ናይ ሕዳር 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘላ ሕቶ ሳጹን ርአ።

መዝሙር 89ን መዕጸዊ ጸሎትን

26 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 39

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሰነ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ሓምለ ዝዕደል ጽሑፍ ጥቐስ። ኣብታ ጉባኤ ዝርከብ ናይ ቀደም ብሮሹራት ኣርኢ: ዕላማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ብሮሹር ከኣ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ንሓንቲ ካባታተን ብኸመይ ከም እተበርክት ዘርኢ ብግቡእ እተዳለወ መርኣያ ኣቕርብ።

17 ደቒቕ:- “ለጋሳትን መማቐልትን ኩኑ።” ሕቶን መልስን። “ስለምንታይ ከም እንህብ” ዘረድእ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 29-30 ዝርከብ ኣርባዕተ ምኽንያታት ወሲኽካ ኣቕርብ።

18 ደቒቕ:- ከመይ ገይርኩም ከም እትምልሱ ፍለጡ። (ቈሎ. 4:⁠6) ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ መጎተ ዘበግስ ውልቀ⁠-​ሰብ ምስ ዘጓንፈካ እንታይ ትገብር፧ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ብኸመይ ብሜላ ከም እንምልስ ተግባራዊ ሓሳባት ብምሃብ ትሕግዘና ኢያ። ንኣብነት: ንሞት ብበጅነት ክርስቶስ ዝሰዓር ጸላኢ ገይርና እኳ ንርእዮ እንተ ዀንና: ካልኦት ሰባት ግን ንሞት ዋላ ሓደ ከወግዶ ከም ዘይክእል ይኣምኑ: አረ ኣብ ናይ ሪኢንካርነሽን ሓሶት ሓሳባት እውን እምነት የሕድሩ ኢዮም። ኣብ መጽሓፍ ምምርማር ኣብ ገጽ 103-4 ከምኡውን 321 ዝርከብ “ሓደ ሰብ ከምዚ እንተ ዝብለካ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘሎ መልስታት ተመያየጠሉ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ነታ መጽሓፍ ናብ ግራት ኣገልግሎት ክማልኣ ኣተባብዕ።

መዝሙር 44ን መዕጸዊ ጸሎትን

3 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 213

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠመ ተመክሮታትን። ከምኡውን “ብዅሉ ቋንቋታት ብስራት ኣካፍል።”

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

20 ደቒቕ:- ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ንናብራ ስድራ​ቤት የደልድሎ። ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 253-4 ተዘርዚሩ ዘሎ ሸሞንተ ነጥብታት ብምምርኳስ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ዝግበር ምይይጥ። ነቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሎም ሰባት መፍትሕ ሓጐስ ስድራ​ቤት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ስርዓታት ብምርዳእን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ከም ዝርከብ ንኽርድኡ ምሕጋዞም ኣድላዪ ምዃኑ ግለጽ። ኣብ ብሮሹር ብቕዓት ኣብ ትምህርቲ 8 ዘሎ ገይርካ: ብኸመይ ነዚ ክትፍጽሞ ከም እትኽእል መርኣያ ኣቕርብ። እተን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ዘውዕላ ስድራ​ቤታት ኣብ መንጎ ኣባላተን ስምረት ዘለወን ይዀና: ማእሰር ፍቕርን ሕብረትን ስለ ዘለወን ድማ ዝያዳ ሓጐስ ይረኽባ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሓጐስ ስድራ​ቤት ምዕራፍ 13 ቍጽሪ 1, 21-2 ዝርከብ ተመክሮ ኣዘንቱ።

መዝሙር 51ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ