ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/05 ገጽ 2-5
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 11 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 18 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 25 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 2 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 4/05 ገጽ 2-5

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

11 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 2 (15)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ለካቲት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: እቲ ኣስፋሒ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ተጸሚዱ ኸሎ ኣርኢ።

15 ደቒቕ:- “ከይተሓለልካ ስበኽ።”* ግዜ ኸም ዜፍቅደልካ: ነቶም ተኣከብቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳብ ኪህቡሉ ዓድሞም።

15 ደቒቕ:- “ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዕ።”* ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ንኻልኦት ክንድግፈሉ እንኽእል መገድታት ብምጥቃስ: ምስቲ ኸባቢኹም ከም ዚሰማማዕ ጌርካ ኣቕርቦ።

መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

20 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ—8ይ ክፋል።”* ሓደ ኣስፋሒ ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ እንታይከ እዮም ዚኣምኑ፧ ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ንሓደ ሓድሽ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኬበርክተሉ ኸሎ ዜርኢ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ። እቲ ኣስፋሒ ኣብቲ ኣብ ገጽ 20 እታ ብሮሹር ዚርከብ ስእሊ የተኵር: ንህዝባዊ ኣኼባ ኸኣ ኣሕጽር ኣቢሉ ይገልጾ። እቲ ኣብ ዚቐጽል ዚቐርብ ህዝባዊ ዝርርብ እንታይ ምዃኑ ጠቒሱ ነቲ ተመሃራይ ኪመጽእ ይዕድሞ።

15 ደቒቕ:- ኣብዚ ኤለክትሮኒካዊ ነገራት ኣስፋሕፊሑሉ ዘሎ እዋን ብጥንቃቐ ንመላለስ። (ቲቶ. 2:11, 12) ኣብ ናይ መስከረም 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8: ቍጽሪ 1-6adj. ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብ።

መዝሙር 17 (187)ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 16 (143)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ምስጋናን ኣንብብ። ኣስፋሕቲ ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። እቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 15 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ለካቲት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት: “ተገዳስነት የብለይን” ንዚብል ኰላፊ ዘረባ ኸመይ ጌርካ ኸም እትምልሰሉ ዜርኢ መርኣያ ይቕረብ። (ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 8 ርአ።) ኣብ ዞባኹም ንዘለዉ ሰባት ብዝያዳ ዚስሕቦም ዓንቀጻት ጥቐስ።

30 ደቒቕ:- እታ ኻብ ናይ 2005 ዓመት መጽሓፍ እተወስደት “ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ብዚግበር ምይይጥን ትቐርብ።

መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን

2 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 20 (93)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ሓደ ሽማግለ ነታ ኻብ ናይ 15 መጋቢት 1982 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” እተወስደት “ሕቶ ሳጹን” የቕርባ። ግዜ ኸም ዘፍቅዶ: ቍጽሪ 1, 2, 4, 5, 6 ይነበብ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምጥቃም ይከኣል እዩ:- (1) እቲ ኣብ 1 ቈረ. 7:39 ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ ኪርአ ኣለዎ፧ (2) ኣብርሃም: ይስሃቅ ንየሆዋ እተኽብር ሰበይቲ ኺምርዖ ኢሉ ብዙሕ ዝጸዓረ ስለምንታይ እዩ፧ (3) ናይ መን ተመክሮ እዩ ኸም መጠንቀቕታ ኪዀነና ዚኽእል፧ (4) ኣብ ዘዳ. 7:2-4 እንታይ መጠንቀቕታ ኢና እንረክብ፧ (5) ቀዳሞት ክርስትያናት ተመሳሳሊ ማዕዳ እተዋህቦም ብኸመይ እዩ፧ (6, 7) (ሀ) ኵሎም ኣባላት ጉባኤ: ብፍላይ ከኣ እቶም ናይ ኣገልግሎት ፍሉይ መሰላት ዘለዎም: ሓደ ሰብ ነቲ ንዘይተጠምቀ ብዛዕባ ምምርዓው እተዋህበ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኺጥሕሶ ኸሎ ክርስትያናዊ ተኣማንነት ብኸመይ ኬርእዩ ኣለዎም፧ (ለ) ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ወዱ ወይ ዘመዱ ምስ ዘይኣማኒ ኺምርዖ ኸሎ ውራይ ኪገብር ኰነ ነሕዋት ኪዕድሞም ግቡእ ድዩ፧ ኣሕዋትከ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕድመ ኪቕበሉ ግቡእ ድዩ፧

20 ደቒቕ:- “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ይኽእል እዩ።”* ነቲ ትምህርቲ ኣብቲ ዓዲ ግብራዊ ኪኸውን ብዚኽእል መገዲ ኣቕርቦ።

መዝሙር 12 (113)ን መዕጸዊ ጸሎትን

[እግረ-ጽሑፍ]

ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ