ኣብ ኣገልግሎት ንግዜኻ ብጽቡቕ ተጠቐመሉ
1 ኣብ ኣገልግሎትና ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣሎ: እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ድማ ሓጺር እዩ። (ዮሃ. 4:35፣ 1 ቈረ. 7:29) ብጽቡቕ ኣወዳድባን ኣቐዲምካ መደብ ብምግባርን ነቲ ንኣገልግሎት ዝመደብናዮ ግዜ ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
2 ተዳሎ:- ናብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ቕድሚ ምኻድካ: ዜድልየካ ጽሑፋት ከም እተማላእካን ኣጸቢቕካ እተዳለኻሉ መእተዊ ኸም ዘሎካን ኣረጋግጽ። እቲ ኣኼባ ብጸሎት ምስ ተዛዘመ: ብቐጥታ ውፈር። ከምዚ ምግባር: ንዓኻን ነቶም ምሳኻ ዚወፍሩን ኣብተን ንኣገልግሎት ወፍሪ እተመደባ ግዜ ብዙሕ ንኽትዓሙ ኬኽእለኩም እዩ።
3 ነቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትመርሖ እንተ ደኣ ተመዚዝካ: ኣብ ግዜኻ ጀምር። እቲ ኣኼባ ኻብ 10 ኽሳዕ 15 ደቒቕ ኪነውሕ የብሉን። ነቶም ጕጅለ ቕድሚ ምፍናውካ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣበይ ከም ዜገልግልን ምስ መን ከም እተቛረነን ኣረጋግጽ።
4 ኣብ ኣገልግሎት:- እቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ተዛዘመ: ብዘየድሊ ነገራት ከይተደናጐኻ: ናብቲ እተገልግለሉ ኽሊ ኺድ። ካብቲ ኽሊ ቐልጢፍካ ኽትምለስ እንተ መዲብካ: እቶም ዝተረፉ ኣባላት ጕጅለኻ ምእንታኻ ኺብሉ ቐልጢፎም ምእንቲ ኸይምለሱ: መምለሲ ዝዀነካ መጓዓዝያ ኣቐዲምካ ኣዳሉ። ብጕጅለ ዄንኩም ከተገልግሉ ኸለኹም ብዛዕባ እቶም ዘረባኻ ኽትውድእ ዚጽበዩኻ ዘለዉ መገላግልትኻ ሕሰብ። እዚ: ነቶም ተኸራኸርቲ ብሜላ ምግዳፎም ወይ ነቶም ተገዳስነት ዜርእዩ ንኽትምለሶም ቈጸራ ምሓዝ ዘጠቓለለ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴ. 10:11
5 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: ናብቶም ካልኦት ቅድሚ ምኻድካ ነቶም ኣብቲ እትበጽሖ ዘለኻ ኸባቢ ዘለዉ ብምብጻሕ ዘየድሊ ጕዕዞ ኸተወግድ ትኽእል ኢኻ። ንገሊኦም ድማ ኣብ ገዛ ምህላዎም ንኸተረጋግጽ ክትድውለሎም ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 21:5) ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ንውሕ ዝበለ ግዜ ኸም እትወስድ እንተ ደኣ ፈሊጥካ: እቶም ኣብታ ጕጅለኻ ዘለዉ ኻልኦት ኣብቲ ኸባቢ ኼገልግሉ ወይ ካልእ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።
6 ኣብ እዋን ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ኢና እንነብር ዘለና። (ማቴ. 9:37, 38) እቲ ዕዮ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኺዛዘም እዩ። ስለዚ: ኣብ ኣገልግሎት ንግዜና ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ እዩ ድሌትና።