ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን፦ መጽሔታት፣ ሰነ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ሓምለ፦ ብሮሹራት።
◼ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ኣኼባ ወረዳ፡ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ዚግበረሉ ሰሙን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡውን ኣኼባ ኣገልግሎት ኣይኪህሉን እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብዘን ሰለስተ ኣኼባታት ዚውሰድ ክፍልታት፡ ኣብ ከም ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩሉ ምሸት ብውልቅኹም ክትወስድዎ ነተባብዓኩም።
◼ በዓል ዝኽሪ 2010 ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚወሃብ ፍሉይ መደረ፡ “ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን—መዓስ፧” ዚብል እዩ።