ካልኦት ካባኻ እንታይ ይመሃሩ፧
1. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንዕኡ ብምርኣይ እንታይ እዮም ተማሂሮም፧
1 የሱስ፡ “ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ” በለ። (ማቴ. 11:29) ብቓላቱ ጥራይ ዘይኰነስ ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን እውን ከም ዝመሃረ ንጹር እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ንዕኡ ብምርኣይ እንታይ ከም እተማህሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ለዋህን ሕያዋይን ፈቃርን እዩ ነይሩ። (ማቴ. 8:1-3፣ ማር. 6:30-34) ብሓቂ ትሑት ከኣ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 13:2-5) ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ኣገልግሎት ኪኸዱ ኸለዉ፡ ደኺመ ኸይበለ ንኻልኦት ብዛዕባ እታ ሓቂ ዚምህር ውጽኢታዊ ኣገልጋሊ ምንባሩ ርእዮምዎ እዮም። (ሉቃ. 8:1፣ 21:37, 38) ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ኪርእዩና ኸለዉ ብኸመይ እዮም ዚትንከፉ፧
2. ትርኢትና ዀነ ጠባይና ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ኪትንክፎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
2 ሰብ ቤት፦ ግቡእ ኣከዳድና፡ ጽቡቕ ጠባይ፡ ከምኡውን ኣብ ሰባት ልባዊ ተገዳስነት ምርኣይ፡ ኣብ ሰብ ቤት ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 6:3፣ ፊል. 1:27) ንመጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊምና ምስ እንጥቀመሉ የስተብህልሉ እዮም። ኪዛረቡ ኸለዉ ብኣኽብሮት ምስ እንሰምዖም ይትንክፎም እዩ። በዚ መዳያት እዚ ጽቡቕ ኣብነት ምዃን ንሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪቕበሉ ኺድርኾም ስለ ዚኽእል ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ።
3. ኣብ ኣሕዋትና እንታይ ኣወንታዊ ጽልዋ ኢና ኸነሕድር እንኽእል፧
3 ኣሕዋትና፦ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣሕዋትና ኸነሕድሮ እንኽእል ኣወንታዊ ጽልዋ እውን ሕስብ ኣብል። ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ናብ ካልኦት ይመሓላለፍ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዚስሕሎ፡ እቲ ብግቡእ እተዳለናሉ ኣቀራርባ፡ ንኻልኦት ናይ ምስባኽ ክእለቶም ንኼመሓይሹ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። (ምሳ. 27:17) ብዛዕባ እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ቅኑዕ ጸብጻብ ብምሓዝ ቀልጢፍና ምስ እንምለሶም፡ ካልኦት እውን ከምኡ ንኺገብሩ ኺድረኹ እዮም። በዚ ኸምዚ ኣገልግሎትና ንምልእ እንተ ዄንና፡ ንመዓይይትና ጽቡቕ ጽልዋ ኼነሕድረሎም ኢና።—2 ጢሞ. 4:5።
4. ነቲ ንኻልኦት ክንሓድገሎም እንኽእል ኣብነት በብግዜኡ ኽንምርምሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 እንታይ ከም ዝገበርካን ከም ዝበልካን ንኻልኦት ብኣብነትካ ብኸመይ ከም ዝተንከፍካዮምን ንምንታይ ብብግዜኡ ዘይትምርምር፧ እቲ ጽቡቕ ኣብነትና ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ፣ ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ንኽንብል እውን የኽእለና።—1 ቈረ. 11:1።