‘እዚ ወንጌል ኪስበኽ እዩ’
1. ንዕዮ ስብከት ኪዓግቶ ዚኽእል ከም ዘየልቦ እንፈልጥ ብኸመይ ኢና፧
1 ንየሆዋ ፍቓዱ ኸይፍጽም ኪዓግቶ ዚኽእል የልቦን። (ኢሳ. 14:24) ጊዴዎንን ምስኡ ዝነበሩ 300 ሰብኡትን ነቶም 135,000 ዝዀኑ ሰራዊት ሚድያን ኪስዕርዎም ዘይከኣል ይመስል እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ግን ንጊዴዎን፡ “ልኢኸካዶ ኣይኰንኩን፧ በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖም” በሎ። (መሳ. 6:14) ሎሚ የሆዋ ነየናይ ዕዮ እዩ ዚድግፎ፧ የሱስ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” በለ። (ማቴ. 24:14) ነዚ ዕዮ እዚ ኸይፍጸም ኪዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን።
2. የሆዋ ኣብ ኣገልግሎት ብብሕቲ ንኺሕግዘና ኽንጽበ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
2 የሆዋ ብብሕቲ ይሕግዘና፦ የሆዋ ንመሰኻኽሩ ብደረጃ ጕጅለ ንኺዕወቱ ኸም ዚሕግዞም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ብብሕቲ ንኺሕግዘና ኽንጽበዮ ንኽእል ዲና፧ የሆዋ ብወዱ የሱስ ኣቢሉ፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ደጊፍዎ እዩ። (2 ጢሞ. 4:17) ንዓና እውን፡ ነቲ ፍቓዱ ንምፍጻም ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ዮሃ. 5:14።
3. የሆዋ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ዚሕግዘና፧
3 መዓልታዊ ንጥፈታትካ ነቲ ንኣገልግሎት ዚኸውን ሓይልኻ ይጽንቅቖ ድዩ፧ የሆዋ “ንድኹም ሓይሊ ይህብ።” (ኢሳ. 40:29-31) መስጐጕቲ ወይ ምጽራር የጋጥመካዶ ኣሎ፧ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ።” (መዝ. 55:22) ሓድሓደ ግዜ ኣብ ርእስኻ ዘሎካ ምትእምማን ይጐድል ድዩ፧ “ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኽምህረካ እየ።” (ዘጸ. 4:11, 12) ኣብ ኣገልግሎት ከም ድላይካ ንኸይትካፈል ዚዓግተካ ጸገማት ጥዕና ኣሎካዶ፧ የሆዋ ነቲ ብምሉእ ነፍሲ ዚግበር ጻዕርታት፡ ዓሰርተ ሳዕ ይንኣስ ብዘየገድስ፡ ኣኽቢሩ ይርእዮን ይጥቀመሉን እዩ።—1 ቈረ. 3:6, 9።
4. ኣብ የሆዋ ዘሎና ምትእምማን ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧
4 ኢድ የሆዋ “ተዘርጊሓ አላ፡ መንከ ይመልሳ፧” (ኢሳ. 14:27) ኣብ ኣገልግሎትና በረኸት የሆዋ ኸም እንረክብ ብምትእምማን፡ ‘ብየሆዋ ተኣሚንና፡’ ከየባተኽና “ብትብዓት” ንስበኽ።—ግብ. 14:3።