ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/10 ገጽ 1
  • ‘እዚ ወንጌል ኪስበኽ እዩ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘እዚ ወንጌል ኪስበኽ እዩ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ጊዴዎን ንሚድያናውያን ሰዓሮም
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ነቲ ኣብ ጽድቂ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ ምሕያል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 5/10 ገጽ 1

‘እዚ ወንጌል ኪስበኽ እዩ’

1. ንዕዮ ስብከት ኪዓግቶ ዚኽእል ከም ዘየልቦ እንፈልጥ ብኸመይ ኢና፧

1 ንየሆዋ ፍቓዱ ኸይፍጽም ኪዓግቶ ዚኽእል የልቦን። (ኢሳ. 14:24) ጊዴዎንን ምስኡ ዝነበሩ 300 ሰብኡትን ነቶም 135,000 ዝዀኑ ሰራዊት ሚድያን ኪስዕርዎም ዘይከኣል ይመስል እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ግን ንጊዴዎን፡ “ልኢኸካዶ ኣይኰንኩን፧ በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖም” በሎ። (መሳ. 6:14) ሎሚ የሆዋ ነየናይ ዕዮ እዩ ዚድግፎ፧ የሱስ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” በለ። (ማቴ. 24:14) ነዚ ዕዮ እዚ ኸይፍጸም ኪዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን።

2. የሆዋ ኣብ ኣገልግሎት ብብሕቲ ንኺሕግዘና ኽንጽበ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

2 የሆዋ ብብሕቲ ይሕግዘና፦ የሆዋ ንመሰኻኽሩ ብደረጃ ጕጅለ ንኺዕወቱ ኸም ዚሕግዞም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ብብሕቲ ንኺሕግዘና ኽንጽበዮ ንኽእል ዲና፧ የሆዋ ብወዱ የሱስ ኣቢሉ፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ደጊፍዎ እዩ። (2 ጢሞ. 4:17) ንዓና እውን፡ ነቲ ፍቓዱ ንምፍጻም ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ዮሃ. 5:14።

3. የሆዋ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ዚሕግዘና፧

3 መዓልታዊ ንጥፈታትካ ነቲ ንኣገልግሎት ዚኸውን ሓይልኻ ይጽንቅቖ ድዩ፧ የሆዋ “ንድኹም ሓይሊ ይህብ።” (ኢሳ. 40:29-31) መስጐጕቲ ወይ ምጽራር የጋጥመካዶ ኣሎ፧ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ።” (መዝ. 55:22) ሓድሓደ ግዜ ኣብ ርእስኻ ዘሎካ ምትእምማን ይጐድል ድዩ፧ “ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኽምህረካ እየ።” (ዘጸ. 4:11, 12) ኣብ ኣገልግሎት ከም ድላይካ ንኸይትካፈል ዚዓግተካ ጸገማት ጥዕና ኣሎካዶ፧ የሆዋ ነቲ ብምሉእ ነፍሲ ዚግበር ጻዕርታት፡ ዓሰርተ ሳዕ ይንኣስ ብዘየገድስ፡ ኣኽቢሩ ይርእዮን ይጥቀመሉን እዩ።—1 ቈረ. 3:6, 9።

4. ኣብ የሆዋ ዘሎና ምትእምማን ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧

4 ኢድ የሆዋ “ተዘርጊሓ አላ፡ መንከ ይመልሳ፧” (ኢሳ. 14:27) ኣብ ኣገልግሎትና በረኸት የሆዋ ኸም እንረክብ ብምትእምማን፡ ‘ብየሆዋ ተኣሚንና፡’ ከየባተኽና “ብትብዓት” ንስበኽ።—ግብ. 14:3።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ