መደብ 28 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
28 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 5ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 1 ሕ.ጽ. 1-7 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኣስቴር 1-5 (10 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ንመልእኽትኻ ኣወንታዊ ግበሮ። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 202 ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። በቲ ኣብ ዚቕጽል ወርሒ ዚዕደል ጽሑፍ ተጠቒምካ፡ ነቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ሓሳብ ብመርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ተጠቐም። ኣብ መቕድም እታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2011 ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ሰማዕቲ መዓልታዊ ጥቕሲ ዕለት ኪምርምሩ ኣተባብዓዮም። ጥቕሲ ዕለት ንምምርማር ዝመደብዎ ግዜን ብምምርማሮም ዝረኸብዎ ጥቕምን ንኺገልጹ እውን ዓድሞም። ብዛዕባ ጥቕሲ ዓመት 2011 ኣሕጽር ኣቢልካ ጥቐስ። ነታ፡ “ድሕሪ ደጊም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ጥቕሲ ዕለት ኣይኪቐርብን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተመያየጡላ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ መጋቢት መጽሔታት ክትዕድል ተዳሎ። ምይይጥ። ንትሕዝቶ እቲ ዚዕደል ዘሎ መጽሔታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ደቒቕ ግለጾ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዓንቀጻት መሪጽካ፡ ሰማዕቲ ኣብ ኣቀራርባ ኺጥቀሙሉ ዚኽእሉ ሕቶታትን ጥቕስታትን ኪጠቕሱ ዓድሞም። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 33ን ጸሎትን