ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 28 ለካቲት 2011 እትጅምር ሰሙን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 3 ጥሪ ኽሳዕ 28 ለካቲት 2011 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ህዝቅያስ ኣብ መጀመርታ ንግስነቱ እንታይ ገበረ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ (2 ዜና 29:16-18) [w09 15/6 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 13]
2. ካልኣይ ዜና መዋእል 36:21 ንፍጻመ እቲ ኣብ ኤርምያስ 25:8-11 እተመዝገበ ትንቢት እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧ [w06 15/11 ገጽ 32 ሕ.ጽ. 1-4]
3. እዝራ 3:1-6፡ እቲ ን70 ዓመት ዝጸንሐ ምብዳም የሩሳሌም ኣብ ግዜኡ ኸም ዘብቅዐ እትሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ እትዀነና ብኸመይ እያ፧ [w06 15/1 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 2]
4. እዝራ፡ እስራኤላውያን ምስ ህዝቢ እታ ሃገር ከም እተዋሰቡ ምስ ሰምዐ ዝሰንበደ ስለምንታይ እዩ፧ (እዝ. 9:1-3) [w06 15/1 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 1]
5. እቶም “ክቡራት” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም ነይሮም፧ ነየናይ ኣተሓሳስባኦም ኢናኸ ኸነወግድ ዘሎና፧ (ነህ. 3:5) [w06 1/2 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 9፣ w86-E 15/2 ሕ.ጽ. 25]
6. እቲ ምስለኔ ዝነበረ ነህምያ ንክርስትያናት ሓለውቲ ሰናይ ኣብነት ዚዀኖም ብኸመይ እዩ፧ (ነህ. 5:14-19) [bsi06 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 16፣ w06 1/2 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 3]
7. ከምቲ ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝገበርዎ፡ ንሕና እውን ን“ቤት ኣምላኽና” ኸይንሓድግ ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ነህ. 10:32-39) [w98 15/10 ገጽ 21-22 ሕ.ጽ. 12]
8. ንመገድታት ነህምያ ምስ እንምርምሮ፡ ንገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ንኽንሓታ እዩ ዚድርኸና፧ (ነህ. 13:31) [w96 15/9 ገጽ 17 ሕ.ጽ. 3]
9. ኣስቴር ምስ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ ድያ፧ (ኣስ. 2:14-17) [w91-E 1/1 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 6፣ w06 1/3 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 3]
10. ማርዶካይ ንሃማን ምስጋድ ዝኣበየ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣስ. 3:2, 4) [it-2-E ገጽ 431 ሕ.ጽ. 7፣ w06 1/3 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 4]