ድሕሪ ደጊም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ጥቕሲ ዕለት ኣይኪቐርብን እዩ
ቅድሚ ሕጂ፡ ጥቕሲ ዕለት ምስ ኣገልግሎት ዚኸይድ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ ኣኼባታት ወፍሪ ኣገልግሎት ምይይጥ ዚግበረሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን ምትዕርራይ ተገይሩ ኣሎ። ድሕሪ ደጊም ኣብ ኣኼባታት ወፍሪ ኣገልግሎት፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ንምይይጥ ኣይኪቐርብን እዩ። እቶም ኪመርሑ እተመደቡ ኣሕዋት ከም ቀደሞም፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ መጽሓፍ ሪዝኒንግ፡ ከምኡውን ምስ ኣገልግሎት ዚተሓሓዝ ካልእ ጽሑፍ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ነቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣገልግሎት ዚኸዱ ዚሕግዝ ግብራዊ ሓሳባት ንምሃብ ከኣ ኪዳለዉ ይግባእ። ንውሓት እቲ ኣኼባ ኸም ቀደሙ ኻብ 10 ኽሳዕ 15 ደቒቕ ኪሓልፍ የብሉን፡ ደድሕሪ ኣኼባ ጉባኤ እንተ ተገይሩ ኸኣ ካብዚ ኺሓጽር ኣለዎ።