ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/12 ገጽ 4
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 9/12 ገጽ 4

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረምን ጥቅምትን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላሊ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር። ሕዳርን ታሕሳስን፦ ኣስፋሕቲ ንሓንቲ ኻብዘን ዚስዕባ ትራክትታት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም፦ እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ! ወይ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧። እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ወይ ከኣ ንሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ተጠቒምካ፡ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚግበር ኣርእዮ።

◼ እቲ ናይ 2013 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ፡ 1 ሚያዝያ ኣብ እትጅምር ሰሙን ኪቐርብ እዩ። ኣርእስቲ እቲ መደረ ኣብ ዚመጽእ ኪንገር እዩ። እተን ኣብ ቀዳመ ሰንበት እታ ሰሙን እቲኣ ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ወይ ዓብዪ ኣኼባ ዘለወን ጉባኤታት፡ እቲ ፍሉይ መደረ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ሰሙን ኪውሃበን እዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ መደረ እዚ ቕድሚ 1 ሚያዝያ ኽትወስዶ ኣይግባእን እዩ።

◼ ካብ 15 ጥሪ 2013 ጀሚሩ፡ እቲ ብቕልል ዝበለ መገዲ ዚዳሎ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብፈረንሳይኛ እውን ኪወጽእ ኪጅምር እዩ።

◼ ኣብ መኽዘን ዚርከብ፦ ሲዳምኛ፦ ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲንግ ኤንድ ራይቲንግ፡ ‘ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ (ሕቶታት ጥምቀት ዝሓዘት ንእሽቶ ጽሕፍቲ)፣ ሶማልኛ፦ ትራክት፦ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧፣ ኣምሓርኛ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኢትዮጵያ—ኣፍቀርቲ ናጽነት (እንደገና እተሓትመ፣ ካብ መጽሓፍ ዓመት እተወስደ)፣ እንግሊዝኛ፦ ንየሆዋ ዘምሩሉ—ብድምጺ ቍ. 5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ