ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ህይወት ኣዝያ ሓጻር ምዃና ኸም እትሰማምዓሉ ርግጸኛ እየ። ሓደ መዓልቲ ንሕማም ብምውጋድ ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ።” ነቲ ብዓል ቤት ናይ 1 ጥቅምቲ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ፣ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብን ነቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕስታትን ከኣ ተመያየጡሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ኣብ ዚቕጽል እዋን ተመሊስካ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ኸኣ ቈጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅምቲ
“ንብዙሓት ሰባት፡ ኣብዛ ዓለም ዚርአ ዘሎ መጠን ብልሽውና ስለ ዜተሓሳስቦም ኢና ናብ ቤትካ መጺእና። ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ እንታይ ኪግበር ዚኽእል ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሱስ ንግዳያት ብልሽውና እንታይ ከም ዚገብረሎም ክትገልጽ ከላ እንታይ ከም እትብል እሞ ርአ። [መዝሙር 72:12-14 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብልሽውና ብኸመይ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዜኽትም ትገልጽ።”
Awake! October
“መብዛሕትኦም ወለዲ፡ ውሉዳቶም ጽቡቕ ትምህርቲ ኺረኽቡ እዮም ዚደልዩ። ትምህርቶም ዝወድኡ መንእሰያት፡ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥሞም ጸገማት ኺዋጽኡሉ ዚኽእሉዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍልጠትን ጥበብን ምጥራይ ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት እንታይ ከም ዚብል እስከ ኸርእየካ። [መክብብ 7:12 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ውሉዳት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዕዉታት ንኪዀኑ ኺሕግዞም ዚኽእል ሓሙሽተ ግብራዊ ነጥብታት ትጠቅስ።”