ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብ ጥቅምቲ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ኣብዚ ዘለናሉ ኣጸጋሚ እዋን፡ ኣብ ስድራ ቤትና ውጥረት ኬስፍን ዚኽእል ብድሆታት የጋጥመና እዩ። ንናብራ ስድራ ቤትና ሕጉስ ኪገብሮ ዚኽእል ዜተኣማምን መምርሒ ኻበይ ክንረክብ እንኽእል ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ ናይ 1 ጥቅምቲ ቕዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ እሞ፡ ንሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 16ን 17ን ዚርከብ ንኡስ ኣርእስቲ ተመያየጡሉ፣ ንሓንቲ ካብተን ኣብኡ እተጠቕሳ ጥቕስታት እውን ኣንብቡ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፡ ተመሊስካ መጺእካ ብዛዕባ ኻልእ ኣብታ መጽሔት እትርከብ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡ ኸኣ ቈጸራ ግበር።
The Watchtower 1 ጥቅምቲ
ንገበር እታ መጽሔት ኣርኢ እሞ፡ ድሕሪኡ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ “ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ሓሶት ከም እተነግረካ ምስ እትፈልጥ፡ እንታይ ምተሰምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ፡ ንሓቂ ኻብ ሓሶት ብኸመይ ክንፈልዮ ኸም እንኽእል ኪገልጽ ከሎ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ርአ። [ዮሃንስ 17:17 ኣንብብ።] ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺነግረና ዚኽእል። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እተነዝሐ ሓሙሽተ ሓሶትን መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዜቃልዖን ትገልጽ።”
Awake! October
“ንስድራ ቤታት ኣብ ዚጠቅም ህዝባዊ ኣገልግሎት ንካፈል ስለ ዘለና ኢና ናብ ቤትካ መጺእና። ሎሚ ወለዲ ንደቆም ኬዕብዩ ኸለዉ ኻብ ዜጋጥሞም ብድሆታት፡ እቲ ዝዓበየ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ወለዲ፡ ምኽሪ ንምርካብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚውከሉ። ንኣብነት፡ ንቘልዑ ኽትቀጽዕ ከለኻ፡ እዚ ዚስዕብ ምኽሪ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። [ኤፌሶን 4:31 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ፡ ወለዲ ንደቆም ካብ ሕጻንነት ክሳዕ ብጽሕና/ጕርዝውና ኣብ ዜዕብዩሉ እዋን ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ትገልጽ።”