ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/14 ገጽ 4
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 9/14 ገጽ 4

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦

“ምስ ጐረባብትና ጽቡቕ ምምሕዳር ብዛዕባ ዘለዋ መንግስቲ ንዘራረብ ኣለና። ሰባት ከም ዓመጻን ግፍዕን ንዝኣመሰለ ኸቢድ ጸገማት ንኼወግዱ ኽእለት ዘለዎምዶ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። የሱስ ንሰዓብቱ ኣብታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት፡ ከምዚ ዓይነት ምምሕዳር ዘለዋ መንግስቲ፡ ማለት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ኪጽልዩ ምሂርዎም ከም ዝነበረ ነቲ ብዓል ቤት ኣዘኻኽሮ። ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 1 ጥቅምቲ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅምቲ

“ብዛዕባ ሓንቲ ኣዝያ ፍልጥቲ ዝዀነት የሱስ ንሰዓብቱ ዝመሃሮም ጸሎት፡ ምስ ጐረባብትና ንመያየጥ ኣለና። [ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።] መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን የሱስ ኣብ ትምህርቱ ብዛዕባኣ ስለምንታይ ብዙሕ ከም ዘጕልሐን ሰሚዕካ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ እተመጽኦ ዜደንቕ ረብሓታትን እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”

ንቕሑ! ጥቅምቲ

“ሰባት ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ንኺረኽቡላ ንሕግዞም ኣለና። [ንገበር እታ መጽሔት ኣርእዮ።] ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ንኺረክብ ግድን ሃብታም ኪኸውን ዘለዎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ርእይቶ ይህብ። [ሉቃስ 12:15 ኣንብብ።] ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኪረኽቦ ዚኽእል ነገር እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባኡ ትገልጽ እያ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ