ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ሎሚ ንጐረባብትና ንበጽሖም ኣለና። መብዛሕትኦም ዘዘራረብናዮም ሰባት፡ ሓደ ኻብቲ ንኽትጻወሮ ኣዝዩ ዝኸበደ ዅነታት፡ ሞት እተፍቅሮ ሰብ ከም ዝዀነ እዮም ገሊጾምልና። ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ እተተባብዕ ኰይና እየ ረኺበያ።” ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 1 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ፡ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅምቲ
“ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኼንብቡ ኢና እነተባብዕ ዘለና። ሓቂ እዩ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ገሊኣቶም ግና ተገዳስነት የብሎምን። ንስኻኸ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ብንጹር እዩ ዚገልጽ። [1 ተሰሎንቄ 2:13 ኣንብብ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኪንበብ ዚግብኦ መጽሓፍ ምዃኑ ኸም እትሰማማዕ ርግጸኛ እየ። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብልን ንዓና ስለምንታይ ኬገድሰና ኸም ዘለዎን ኣሕጽር ኣቢላ ትገልጽ።”
ንቕሑ! ጥቅምቲ
“ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ርእይቶኻ ኽሰምዕ ምደለኹ፦ ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ዘይብልና ኽነሱ፡ ዕጉባት ክንከውን ንኽእልዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እስከ ርአ። [1 ጢሞቴዎስ 6:8 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ተተባብዕን ገንዘብ ኪዕድጎ ብዛዕባ ዘይክእል ሰለስተ ኽቡር ነገራት ትገልጽን እያ።”