መደብ 8 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
8 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 28ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 11 ¶1-4፡ ኣብ ገጽ 84፡ 86-87 ዘሎ ሳጹናት (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዳንኤል 7-9 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዳንኤል 7:13-22 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ህይወት ንምርካብ ምትንሳእ—td 27ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ የሆዋ እሙን ዝዀነ በየናይ መገድታት እዩ፧ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ሓደ ሰብ፡ ‘ግዜ የብለይን’ ምስ ዚብል። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ ገጽ 11፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ‘ብስራሕ ትሑዝ ኢየ’ ዚብል ርእሰ ነገር፡ (ወይ ከኣ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒንግ ካብ ገጽ 19፡ ሕጡብ ጽሑፍ 5፡ ክሳዕ ገጽ 20፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4) ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንገለ ኻብቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባትን ኣብቲ ኽሊ ውጽኢታዊ ዀይኑ ንእተረኽበ ኻልእ ሓሳባትን ተመያየጡሉ። ክልተ ሕጽር ዝበለ መርኣያታት ድማ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ንመሃር፧ ምይይጥ። ማቴዎስ 21:12-16 ኸምኡውን ሉቃስ 21:1-4 ኣንብብ። ካብዚ ጸብጻባት እዚ እንታይ ትምህርቲ ኸም ዝረኸቡ ድማ ተመያየጡሉ።
10 ደቒቕ፦ “ኣጋ ምሸት ከተገልግል ምኸኣልካዶ፧” ሕቶታትን መልስታት። ንሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ንሰማዕቲ ኣጋ ምሸት ኬገልግሉ ኸለዉ ንዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 47ን ጸሎትን