ኣጋ ምሸት ከተገልግል ምኸኣልካዶ፧
1. ሓደ ምሁር ብዝበሎ መሰረት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ መዓስ እዩ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚኸይድ ነይሩ፧
1 ብመሰረት እታ ደይሊ ላይፍ ኢን ባይብል ታይምስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ “ካብ ሰዓት 4 ድ.ቀ. ክሳዕ ለይቲ” ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ የገልግል ነበረ። እዚ ስሩዕ መደብ ጳውሎስ እንተ ነይሩ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ “ምእንቲ ወንጌል” ኢሉ “ኵሉ” ኺገብር ፍቓደኛ ኸም ዝነበረ ግና ንፈልጥ ኢና። (1 ቈረ. 9:19-23) ስለዚ፡ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ መደባቱ ኣተዓራርዩ ኻብ ቤት ናብ ቤት ይኸይድ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
2. ኣጋ ምሸት ንኣገልግሎት ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
2 ኣብ ሓያሎ ቦታታት ዚነብሩ ኣስፋሕቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንግሆ እዮም ካብ ቤት ናብ ቤት ዚኸዱ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ከባቢኹም እዚ እዋን እዚ ብሓቂ ውጽኢታዊ ድዩ፧ ሓደ ፈላሚ ብዛዕባ ኽሉ፡ “ቀትሪ ኣብ ቤቱ ዚርከብ ሰብ ዳርጋ የለን። ምሸት ግና መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ቤቶም ይርከቡ እዮም” በለ። ናይ ኣጋ ምሸት ምስክርነት ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብከሎም ምሹእ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሰብ ቤት ዝያዳ ፍዅስ ኢልዎም ንኼዘራርቡና ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣጋ ምሸት ምግልጋል ግብራዊ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ሽማግለታት ኣብዚ እዋን እዚ መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።
3. ኣጋ ምሸት ከነገልግል ከለና፡ መስተውዓልቲ ኽንከውን ዘሎና ብኸመይ ኢና፧
3 ኣስተውዕል፦ ኣጋ ምሸት ከተገልግል ከለኻ፡ ከተስተውዕል ኣሎካ። ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ዘይምሹእ እዋን ከም ዝኸድካዮ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካልእ መዓልቲ ኸም እትምለሶ ምንጋሩ ዝሓሸ እዩ። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ዚርእየካ ቦታ ደው ኢልካ መንነትካን ዕላማ መምጽኢኻን ንገሮ። ብዘይካዚ፡ በብኽልተ ወይ ብጕጅለ ዄንካ ኽትዓዪ ጥበባዊ እዩ፡ ኣብ ጐደናታት ድማ በይንኻ ኣይትኹን። (2 ቈረ. 6:3) ጽልግልግ ምስ በለ ኣብቲ ኸባቢ ምግልጋል ሓደገኛ እንተ ዀይኑ፡ ብእዋኑ ኣገልግል።—ምሳ. 22:3።
4. ኣጋ ምሸት ምግልጋል እንታይ በረኸት ኣለዎ፧
4 በረኸት፦ ኣገልግሎት ዝያዳ ሓጐስ ዜምጽእ፡ ንሰባት ከነዘራርብ ከለና እዩ። ከነዘራርቦም እንተ ኽኢልና ኸኣ፡ ‘ንኺድሕኑን ናብ ፍልጠት ሓቂ ንኺመጹን’ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ስለዚ እምበኣር፡ መደባትካ ኣተዓራሪኻ ኣብ ኣጋ ምሸት ከተገልግል ምኸኣልካዶ፧