መደብ 15 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
15 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 10ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 11 ¶5-12፡ ኣብ ገጽ 89 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዳንኤል 10-12 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዳንኤል 11:15-27 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ክርስትያናት ሕነ ዘይፈድዩ ስለምንታይ እዮም፧—ሮሜ 12:18-21 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ነፍሲ እንታይ እያ፧—td 28ሀ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ሓደ ሰብ፡ ‘ተገዳስነት የብለይን’ ምስ ዚብል። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ ገጽ 8ን 9ን (ወይ ከኣ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒንግ ካብ ገጽ 16፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ክሳዕ ገጽ 18 ሕጡብ ጽሑፍ 3) ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንገለ ኻብቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባትን ኣብቲ ኽሊ ውጽኢታዊ ዀይኑ ንእተረኽበ ኻልእ ሓሳባትን ተመያየጡሉ። ክልተ ሕጽር ዝበለ መርኣያታት ድማ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ፦ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ትራክትታት ተጠቐም።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 5 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕዳር ዚብርከት ትራክትታት ጥቐስ፡ ሓንቲ መርኣያ ድማ ኣቕርብ። ንሕጡብ ጽሑፍ 7 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ኣብ እዋን ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንትራክትታት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 17ን ጸሎትን