ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ትራክትታት ተጠቐም
1. ህዝቢ ኣምላኽ ንትራክትታት ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙሉ ጸኒሖም፧
1 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ነዊሕ እዋን እትሒዞም ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትራክትታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ኪጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም። ብ1880 ሲ. ቲ. ራስልን ብጾቱን ትራክትታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኬሕትሙ ጀመሩ፣ ኣንበብቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንህዝቢ ምእንቲ ኺዝርግሕዎ ድማ እዩ ዚዳሎ ነይሩ። ብ1884 ሲ. ቲ. ራስል ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ መኽሰብ ዘይብሉ ሕጋዊ ትካል ከም ዚምዝገብ ምስ ገበረ፡ እታ “ትራክት” እትብል ቃል ኣብቲ ዛዮንስ ዎች ታወር ትራክት ሶሳይቲ፡ ሕጂ ዎች ታወር ባይብል ኤንድ ትራክት ሶሳይቲ ኦቭ ፐንስልቨንያ (ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንስልቨንያ) ዚብሃል ዘሎ ተጸምበረት። ብ1918 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 300 ሚልዮን ትራክት ዘርጊሖም እዮም። ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ፡ ትራክትታት ውጽኢታዊ መሳርሒ ስብከት ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
2. ትራክትታት ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
2 ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ምኽንያት፦ ትራክትታት ሕብራውን ማራኽን እዩ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓጺር መልእኽቲ መሳጥን ኣስተምህሮኣውን እዩ። ነቶም መጽሔት ወይ መጽሓፍ ምንባብ ዜሰልኪ ዀይኑ ዚስምዖም ሰባት ኪስሕቦም ይኽእል እዩ። ትራክትታት ንኸተበርክቶ ቐሊል እዩ፣ ሓደስቲ ኣስፋሕትን ቈልዑን እውን እንተ ዀኑ ኼበርክትዎ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ንእሽቶ ብምዃኑ ንኽትሕዞ ኣይከብድን እዩ።
3. ትራክትታት ዘለዎ ሓይሊ ዜጕልሕ ናይ ብሕትኻ ወይ ኣብ ጽሑፍ ዝረኸብካዮ ተመክሮ ኣዘንቱ።
3 ሓያሎ ኣስፋሕቲ መጀመርታ ሓቂ ዝፈለጡ ብትራክት እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሀይቲ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ መገዲ ሓንቲ ትራክት ረኣየት እሞ ኣልዒላ ኣንበበታ። ሽዑ “ሓቂ ረኸብኩ” በለት። ድሕሪኡ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከደት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት፡ ጸኒሓ ኸኣ ተጠምቀት። እዚ ተመክሮ እዚ፡ ሳላ እቲ ኣብ ትራክት ሰፊሩ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ሒዝዎ ዘለዎ ሓይሊ እተረኽበ እዩ።
4. ኣብቲ ትራክትታት ዚብርከተሉ ወርሒ፡ ሸቶና እንታይ እዩ፧
4 ካብ ቤት ናብ ቤት፦ ትራክትታት ምስክርነት ንምሃብ ውጽኢታዊ መሳርሒ ብምዃኑ፡ ካብ ሕዳር ጀሚሩ በብግዜኡ ኣብ ወርሒ ዚብርከት ጽሑፍ ኪኸውን እዩ። ሸቶና ትራክት ምዕዳል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝርርብ ንኸነጀምር እውን እዩ። ሓደ ሰብ ፈለማ ወይ ተመሊስና ምስ በጻሕናዮ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ወይ ካልእ ንመጽናዕቲ እተዳለወ ጽሑፍ ጌርና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምሮ ንኽእል ኢና። ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና ትራክትታት ከነበርክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነፍሲ ወከፍ ትራክት ፍልይቲ ብምዃና፡ ነቲ እነበርክቶ ትራክትታት ክንፈልጦ ኣሎና።
5. ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና፡ ትራክትታት ብኸመይ ኢና ኸነበርክት እንኽእል፧
5 ኣቀራርባና ምስ ክልናን ምስታ እንጥቀመላ ትራክትን ዚኸይድ ኪኸውን ኣለዎ። ነታ ትራክት ነቲ ብዓል ቤት ብምሃብ ዝርርብና ኽንጅምር ንኽእል ኢና። እቲ ዚማርኽ ገበር እታ ትራክት ነቲ ብዓል ቤት ተገዳስነቱ ኼለዓዕለሉ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ፡ ነቲ ብዓል ቤት እተፈላለየ ትራክትታት ኣርኢና፡ ከነምርጾ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ሰብ ቤት ማዕጾኦም ኪኸፍቱ ፍቓደኛታት ዘይኰኑሉ ኽልታት ከነገልግል ከለና፡ ንገበር እታ ትራክት ብማዕዶ ኸነርእዮ ንኽእል ወይ ከኣ ርእይቶኡ ንኺህበና ሓደ ነገር ብትሕቲ ማዕጾኡ ኸነስልዀሉ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። ኣርእስቲ እታ ትራክት ሕቶ እንተ ዀይኑ፡ ነታ ሕቶ እቲኣ ብኸመይ ከም ዚምልሳ ርእይቶኡ ኺህበና ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ባዕልና፡ ተገዳስነት ኬለዓዕል ወይ ዝርርብ ኪኸፍት ዚኽእል ሕቶ ኣዳሊና ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ፡ ንገለ ኽፋል እታ ትራክት ምስቲ ብዓል ቤት ኴንና ብምንባብ፡ ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ሕቶታት ምስ በጻሕና ኸኣ ኣዕርፍ ብምባል፡ ነቲ ብዓል ቤት ርእይቶኡ ኺህበና ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። ነቲ ቐንዲ ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብበሉ ንኽእል ኢና። ካብታ ትራክት ሒደት ሓሳባት ምስ ተመያየጥና፡ ዝርርብና ብምድምዳም ተመሊስና ንኽንመያየጥ ክንቋጸር ንኽእል ኢና። ኣብ ጉባኤና ኣብ ቤቶም ንዘይተረኽቡ ሰባት ጽሑፋት ክንገድፈሎም ንቡር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቲ ብዓል ቤት ኣብ ቤቱ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ትራክት ብትሕቲ ማዕጾ ኣስሊዅና ኽንገድፈሉ ንኽእል ኢና።
6. ንትራክትታት ኣብ ምስክርነት መገዲ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
6 ምስክርነት መገዲ፦ ኣብ መገዲ ኸተገልግል ከለኻ ትራክትታት ትጥቀም ዲኻ፧ ገሊኦም ሓለፍቲ መገዲ ስለ ዚህወኹ፡ ደው ኢሎም ከዘራርቡና ኣይደልዩን እዮም። ኣብዚ ዅነታት እዚ ተገዳስነት እንተ ኣሊዎም ክትፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ። ዜንብብዎ እንተ ዀይኖም ከይፈለጥካ እዋናዊ መጽሔታት ኣብ ክንዲ እትህቦም፡ ንምንታይ ትራክት ዘይትህቦም፧ ገበር እታ ትራክት ማራኺ፡ መልእኽታ ኸኣ ሓጺር ብምዃኑ፡ ንሰባት ነታ ትራክት ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ንኼንብብዋ ሃንቀውታ ኼለዓዕለሎም ይኽእል እዩ። እቶም ሰባት እንታይ ዘይተሃዊኾም ግና፡ ንገሊኡ ትሕዝቶ እታ ትራክት ከነመያይጦም ንኽእል ኢና።
7. ምስክርነት መገዲ ኽንገብር ከለና፡ ብኸመይ ትራክትታት ክንጥቀም ከም እንኽእል ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።
7 ዘይወግዓዊ ምስክርነት፦ ብትራክትታት ጌርካ ኽትምስክር ቀሊል እዩ። ሓደ ሓው ካብ ገዛኡ ኺወጽእ ከሎ፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ጁባኡ ትራክት ይሕዝ እዩ። ምስ ሓደ ሰብ፡ ንኣብነት ምስ ብዓል ድኳን ምስ ተራኸበ፡ ዚንበብ ኪህቦ ኸም ዚደሊ ብምሕባር ትራክት ይህቦ። ሰብ ሓዳር ዝዀኑ መጻምድቲ ኺዘናግዑ ናብ ከተማ ኒው ዮርክ ምስ ከዱ፡ ካብ እተፈላለየ ሃገራት ምስ ዝመጹ ሰባት ከም ዝራኸቡ ኣስተውዓሉ። ስለዚ፡ ነታ ጉድ ኒውስ ፎር ፒፕል ኦቭ ኦል ኔሽንስ (ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኸምኡውን እተፈላለየ ትራክትታት ብእተፈለለየ ቋንቋታት ተማልኡ። ስለዚ፡ ኣብ መገዲ እተፈላለየ ነገራት ዚሸይጥ ሰብ ወይ ከኣ ኣብ መናፈሻ ወይ ኣብ ቤት ምግቢ ኣብ ጥቓኦም ኮፍ ዝበለ ሰብ ቋንቋ ወጻኢ ኺዛረብ ምስ ዚሰምዕዎ፡ ብቛንቋኡ ትራክት ይህብዎ።
8. ትራክትታት ከም ዘርኢ ዚኸውን በየናይ መገድታት እዩ፧
8 ‘ዘርእኻ ዝራእ’፦ ትራክትታት ምስ ዘርኢ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ሓደ ሓረስታይ ዘርኢ ኺዘርእ ከሎ፡ ኣየናይ ከም ዚበቍል ስለ ዘይፈልጥ ኣብዚሑ እዩ ዚዘሩ። መክብብ 11:6፡ “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል፡ እዚ ወይስ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” ትብል። ስለዚ እምበኣር፡ በዚ ኣስላጢ መሳርሒ እዚ ጌርና ‘ፍልጠት ንዘርግሕ።’—ምሳ. 15:7።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ትራክትታት ምስክርነት ንምሃብ ውጽኢታዊ መሳርሒ ብምዃኑ፡ ካብ ሕዳር ጀሚሩ በብግዜኡ ኣብ ወርሒ ዚብርከት ጽሑፍ ኪኸውን እዩ።