ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/00 ገጽ 4
  • ዝርርብ ንምጅማር ትራክትታት ተጠቐም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝርርብ ንምጅማር ትራክትታት ተጠቐም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ትራክትታት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንቓል ኣምላኽ ተጠቐመሉ—ህያው እዩ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ብሓድሽ መልክዕ እተዳለዋ ትራክትታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 1/00 ገጽ 4

ዝርርብ ንምጅማር ትራክትታት ተጠቐም

 1 ኣስላጢ ምስክርነት ምሃብ ኣብቲ ንስኻ ዝርርብ ንምጅማር እትወስዶ ተበግሶ ከም ዝምርኰስ ኣይትሰማምዓሉንዶ ኢኻ፧ እቲ በዳሂ ነገር ናይ ሰብ ተገዳስነት ዝስሕብን ኣብቲ ምይይጥ ከም ዝካፈል ክገብሮ ዝኽእልን ነጥቢ ምዝራብ ኢዩ። እዚ ግን ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ክግበር ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

 2 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ሒደትን ብግቡእ እተመርጸን ቃላት ገይርካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትራክት ምዕዳል ዝርርብ ንምጅማር ዘኽእል መገዲ ኰይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። ኣርእስቲ ናይዚ ትራክትታት እዚ ዝምስጥ ኢዩ: ኣብኡ ዘሎ ስእልታት እውን ሰሓብን ማራኽን ኢዩ። ሓንቲ ትራክት ንእሽቶ ስለ ዝዀነት ንሓደ ሰብ ከንብባ ኣይትኸብዶን ኢያ። ገና ግን ኣብቲ ትራክትታት ዘሎ ሓጺርን ብሩህን መልእኽትታት ዝምስጥን ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ዝኽእልን ኢዩ።

 3 ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ልክዕ ከምዚ ኢዩ እተሰምዓ: ከምዚ ድማ በለት:- “ኣብዛ ጕያ ዝመልኣ ዓለም መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ግዜኦም ኣብ ንባብ ከጥፍኡ ኣይደልዩን ኢዮም። እዚ ትራክትታት እዚ ግን ኣገዳሲ መልእኽትታት ዝሓዘ እኳ እንተዀነ: ሓጺር ብምዃኑ ሰባት ከየንበቡ ዝነጽግዎ ዓይነት ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ትራክትታት ምስ ኣንበብኩዎ ኣብ መወዳእታ ሓቂ ክፈልጥ ከኣልኩ።” ብሕጽር ዝበለ እተጻሕፈ መልእኽትታት እኳ እንተዀነ እቲ ኣብኡ ዘሎ ናይ ቃል ኣምላኽ ሓይሊ ፈጺምካ ኣቕሊልካ ኣይትርኣዮ።​—⁠እብ. 4:⁠12

 4 ኣርባዕተ ቀለልቲ መገድታት:- ብዙሓት ቀሊል ኣቀራርባ ብምጥቃም ዓወት ረኺቦም ኢዮም። (1) ነቲ ሰብ ገለ ትራክትታት ኣርእዮ እሞ ኣየነይቲ ከም እተገድሶ ሕተቶ። (2) እቲ ሰብ ሓንቲ ምስ መረጸ: ናይታ ትራክት ቀንዲ ነጥቢ ከተጕልሕ እትኽእል ብግቡእ እተዳለኻላ ሕቶ ሕተቶ። (3) ነታ ሕቶ ንምምላስ ካብታ ትራክት ምስቲ ሕቶ እትሰማማዕ ሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ ወይ ጥቕሲ ኣንብበሉ። (4) ኣወንታዊ መልሲ እንተድኣ ረኺብካ ኣብታ ትራክት ብዝርከብ ትሕዝቶ: ወይ ከኣ ካብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣብ ሓንቲ ትምህርቲ ወይ ካብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ሓንቲ ምዕራፍ ብዝርከብ ተወሳኺ ሓሳባት ገይርካ ምይይጥ ቀጽል። በዚ ኸምዚ ብቐጥታ ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሖ ትኽእል ኢኻ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ሓሳባት ሰለስተ ካብተን ትራክትታት ክትጥቀም ከለኻ እንታይ ከም እትብል ንኽትዳሎ ክሕግዘካ ኢዩ።

 5 እታ “ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧” ዘርእስታ ትራክት ተገዳስነት ከተለዓዕል ትኽእል ኢያ። ከምዚ ኢልካ ብምሕታት ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንደገና ንርእዮምዶ ይመስለካ፧” መልሲ ምስ ሃበካ: ካብታ ትራክት ኣብ ገጽ 4 ዝርከብ ካልኣይ ሕጡብ ጽሑፍ ኣርእዮ: ካብኡ ዮሃንስ 5:⁠28, 29 ኣንብብ። ድሕርዚ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነቲ ኣብታ ትራክት ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓበሬታ ንኽርድኦ ከም እትሕግዞ ንገሮ። ብሓባር ኴንኩም ንኽትመያየጡሉ ዓድሞ።

 6 እታ “ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ” ዘርእስታ ትራክት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ስድራቤታት እትውዕል ኢያ። ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ሎሚ ስድራቤታት ሽግር የጋጥመን ከም ዘሎ ትሰማምዓሉ ኢኻ። ኣብ ስድራቤት ዘሎ ማእሰር ንኽድልድል እንታይ ክግበር ዝከኣል ይመስለካ፧” እቲ ሰብ ሓሳብ ምስ ሃበ: ናብቲ ኣብ ገጽ 6 ዝርከብ ቀዳማይ ሕጡብ ጽሑፍ ከም ዘቕልብ ግበር። ኣብ ገጽ 4ን 5ን ናይታ ትራክት ካብ ዝርከባ ጥቕስታት ሓንቲ ኣንብብ እሞ እንታይ ማለት ምዃና ግለጽ። ድሕሪኡ ብናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብረሉ ዓድሞ።

 7 እታ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት” ዘርእስታ ትራክት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ገይርካ ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ ቃየልን ኣቤልን ታሪኽ ይፈልጥዎ ኢዮም። እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዝርከብ ጸብጻብ ንሰበይቲ ቃየል እውን ይጠቅስ ኢዩ። ሰበይቲ ቃየል ካበይ ኢያ መጺኣ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” ነዚ ንምምላስ ኣብ ገጽ 2 ናይታ ትራክት ዝርከብ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ተጠቐም። እታ ትራክት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ኣገዳሲ ሓሳባት ከም እትገልጽ ንገሮ። ካብታ ኣብ ገጽ 5 እትርከብ ሳልሰይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ጀሚርካ ኣብኡ ብዝርከብ ሓጋዚ ጥቕስታት ገይርካ ምይይጥካ ቀጽል።

 8 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትራክትታት ምዕዳል ነቲ ብስራት ብኣስላጢ መገዲ ኣብ ምቕራብ ጽቡቕ ፍረ ከም ዘለዎ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ እተረጋገጸ ኢዩ። ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ብቐሊሉ ትራክትታት ሒዝካ ክትከይድ ስለ እትኽእል: ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት: ኣብ ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት: ከምኡውን ብፍላይ ኣብ መገዲ ኣብ ዝግበር ምስክርነት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ትራክትታት ንኣገልግሎትና ኣድላዪ ኢዩ። እተፈላለየ ዓይነት ትራክትታት ካባኻ ኣይትፍለ: ዝርርብ ንምጅማር ከኣ ድሕር ምሕር ከይበልካ ተጠቐመሉ።​— ቈሎ. 4:⁠17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ