ጽሑፋትና ብጥበብ ንጠቐመሉ
1 ጽሑፋትና ብእተመሓደረ መገዲ ክዝርጋሕ ዝጀመረ ካብቲ 6,000 ቅዳሓት ናይ 1 ሓምለ 1879 ሕታም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዝዓደልናሉ ግዜ ኣትሒዙ ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እተፈላለየ ዓይነት ጽሑፋት ብብዝሒ ተሓቲሙን ተዘርጊሑን ኢዩ።
ምሉእ ብምሉእ ብወፈያ ዝሽፈን ኣሰራርሓ
2 መጽሔታትን ጽሑፋትን ንኣስፋሕቲ ይኹን ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ክወሃብ ከሎ ምሉእ ብምሉእ ብወፈያ ብዝሽፈን ኣሰራርሓ ከም ዝኸውን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ተገሊጹ ነይሩ። እዚ ኸኣ ጽሑፋት ቅድሚ ምውሳድና እተወሰነ ውጽኢት ክንገብር ኣይንሕተትን ኢና ማለት ኢዩ። ጽሑፍ ከነበርክት ከሎና ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር ዕዮ ስብከት ናይቲ ብስራት ንምድጋፍ ብወለንታ ዝግበር ወፈያ ክንቅበል ኢና። የሆዋ ነዚ ምድላው እዚ ከም ዝባርኾ እምነት ኣሎና።— ምስ ማቴዎስ 6:33 ኣረኣእዮ።
ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዝዕየየሉ
3 ናይ ሰባት ተገዳስነት ንምልዕዓል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣርእስትታት ምጥቃም ክንቅጽል ኢና። እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተ ዘየርእዩ ጽሑፍ ክወሃቦ የብሉን። ጽሑፋትና ነቶም ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት ብምሃብ ከነባኽኖ ኣይንደልን ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ በዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ ከምኡውን ነቲ ጽሑፍ ከም ዘንብቦ እንተ ገሊጹ ከነበርክተሉ ንኽእል ኢና። ጽሑፋትና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኢና እንደሊ።
4 መጽሔት ክትዕድል ከሎኻ ንሓንቲ ዓንቀጽ ዝምልከት ሕቶ ብምሕታት ከምዚ በል:- “ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ዝርዝር ነጥብታት ክትርእዮ ምደለኹ። ነዘን ክልተ መጽሔታት ከተንብበን እንተድኣ ደሊኻ ክገድፈልካ እኽእል ኢየ።” እንተ ተቐቢሉካ: ወሲኽካ ከምዚ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ:- “እዚ ፍልጠት እዚ ከም እትረኽቦ ምግባረይ የሐጕሰኒ ኢዩ። እቲ ኣርእስቲ ብሓቂ ማሃሪ ኰይኑ ከም እትረኽቦ ተስፋ እገብር። ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ርእይቶኻ ክሰምዕ ክመጽእ ምደለኹ። ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ መላእ ዓለም ብልዕሊ 130 ቋንቋታት ከም ዝሕተምን ካብ 22,000,000 ብዝበዝሕ ቅዳሓት ከም ዝዝርጋሕን ክትርዳእ ኢኻ። እዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ፈቲኻ ብዝግበር ወፈያ ኢዩ ዝድገፍ። ነዚ ትምህርታዊ ዕዮ ዝኸውን ወፈያ ክትገብር እንተ ደሊኻ ደስ ይብለና።”
ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣለዎዶ ኢዩ፧
5 ጽሑፋት ስቕ ኢልና ኣብ ጥራይ ጐልጐል ክንዕድሎ ዕላማና ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ጽሑፋት ዕላምኡ ክወቅዕ ንደሊ ኢና: እዚ ኸኣ ቅኑዓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ ዕላማታት የሆዋ ብዝያዳ ንኽርድኡ ምሕጋዝ ኢዩ። ንሓደ ንመንፈሳዊ ነገራት ሞሳ ዘይብሉ ሰብ ጽሑፍ እንተ ሂብናዮ ነቲ ጽሑፍ ጕሒፍናዮ ማለት ኢዩ። (እብ. 12:16 NW ) ናይቲ እንገብሮ ምዕዳል ጽሑፋት ፍረ ዘለዎ ምዃንን ዘይምዃንን: ኣብቲ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ምልላይ ዘሎና ክእለት እተመርኰሰ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ይፍለጡ፧ ብሕያውነት ምሳኻ ንምዝርራብ ፍቓደኛታት ምዃኖም ሓደ ጽቡቕ ምልክት ኢዩ። ወይ ከኣ ክትዛረብ ከሎኻ ዘቕልቡልካ: ንእትሓቶ ሕቶታት ዝምልሱ: ከምኡውን ሓሳባቶም ብምግላጽ ኣብቲ ምይይጥ ዝካፈሉ ምስ ዝዀኑ እውን ተገዳስነት ከም ዘለዎም ዘርኢ ኢዩ። ብኣኽብሮትን ምቕልል ኢሎምን ምስ ዘዘራርቡኻ ሕያዎት ምዃኖም የርኢ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ ዝከታተሉኻ እንተ ዀይኖም ከኣ ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ከም ዘለዎም ይሕብር። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ እተበርክተሎም ጽሑፍ ዘንብብዎ እንተ ዀይኖም ምሕታት ሓጋዚ ኢዩ። ነቲ ዝርርብ ንምቕጻል ተመሊስካ ንኽትበጽሖም ሓሳብ ከተቕርበሎም ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣወንታዊ መልሲ ምስ ዝህቡኻ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ዘርኢ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ። ኣብ ሓደ ውልቀ-ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከም ዘሎ ዝሕብር መርትዖታት ምስ እትርኢ: መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዘበርከትካሉ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ብግቡእ ይጥቀመሉ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
(ናብ 4ይ ገጽ 1ይ ዓምዲ ይቕጽል
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ጽሑፋትና . . . (ካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ)