ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/14 ገጽ 6-7
  • ብሓድሽ መልክዕ እተዳለዋ ትራክትታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሓድሽ መልክዕ እተዳለዋ ትራክትታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ትራክትታት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ብትራክትታት ጌርካ ብኸመይ ዝርርብ ከም እትጅምር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ንቓል ኣምላኽ ተጠቐመሉ—ህያው እዩ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ዝርርብ ንምጅማር ትራክትታት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 4/14 ገጽ 6-7

ብሓድሽ መልክዕ እተዳለዋ ትራክትታት

1. ኣብ ኣገልግሎት እንታይ ብሓድሽ መልክዕ ዝቐረበ ንዋት እዩ ተዳልዩልና ዘሎ፧

ኣብቲ “ቃል ኣምላኽ ሓቂ እዩ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ 2013፡ ሓሙሽተ ሓደስቲ ትራክት ወጺአን እየን። ብተወሳኺ፡ “ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧” ዘርእስታ ዜና መንግስቲ ቝ. 38 እውን ኣብዘን ትራክትታት እዚአን ተወሲኻ እያ። እዘን ሽዱሽተ ትራክት፡ ብሓድሽ መልክዕ እየን ተዳልየን። ብሓድሽ መልክዕ ከም ዚወጻ እተገብረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ኽንዕድለን ከለና፡ ነቲ ሓድሽ ኣቀራርባአን ከመይ ጌርና ኢና ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧

2. እተን ትራክትታት ብሓድሽ መልክዕ እተዳለዋሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

2 ብሓድሽ መልክዕ እተዳለዋሉ ምኽንያት፦ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣቀራርባ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ነጥብታት የጠቓልል፦ (1) ዝርርብ ንምጅማር ሕቶ ሕተት። (2) ካብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ሃብ። (3) እቲ በዓል ቤት ምእንቲ ኸንብቦ ጽሑፍ ሃቦ። (4) ኣብ ዚመጽእ ግዜ እትምልሶ ሕቶ ሕተቶ፡ ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ድማ ቈጸራ ግበር። እቲ ሓድሽ ኣቀራርባ እተን ትራክትታት፡ ነዚ ኣርባዕተ ነጥብታት እዚ ብቐሊሉ ንኽንትግብሮ ዚሕግዝ እዩ።

3. ንሓንቲ ኻብተን ሓደስቲ ትራክትታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክንዕድላ ንኽእል፧

3 ብኸመይ ከም እትጥቀመለን፦ (1) ነቲ ብዓል ቤት ሰላም ምስ በልካዮ፡ ነታ ኣብ ቅድሚት እታ ትራክት ንዘሎ ኣቓልቦ ዚስሕብ ምርጫታት ዝሓዘት ሕቶ ኣርእዮ እሞ፡ ርእይቶኡ ኺገልጽ ሕተቶ። (2) ነታ ትራክት ገንጽላ እሞ፡ ነቲ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” ዘርእስቱ ኽፋል ተመያየጠሉ። ዚጥዕም እንተ ዀይኑ፡ ነታ ጥቕሲ ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብባ። እቲ ብዓል ቤት ግዜ እንተ ኣልይዎ፡ ነቲ፡ “እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧” ዘርእስቱ ኽፋል ተመያየጠሉ። (3) ነታ ትራክት ሃቦ እሞ፡ ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ትራክት ኣብ ዚጥዕሞ ግዜ ንኼንብቦ ኣተባብዓዮ። (4) ቅድሚ ምስንባትካ፡ ኣብ ድሕሪት እታ ትራክት፡ ኣብ ትሕቲ እቲ፡ “ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ” ዘርእስቱ ኽፋል ንዘላ ሕቶ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ዚመጽእ ግዜ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትምልሰሉ ቘጸራ ግበር።

4. ነተን ሓደስቲ ትራክትታት ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ክንጥቀመለን ንኽእል፧

4 ተመላሊስካ ምብጻሕ እውን ቀሊል እዩ። ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክትሰናበቶ ኸለኻ ንዘበገስካሉ ሕቶ ምእንቲ ኽትምልሰሉ፡ ኣብ ድሕሪት እታ ትራክት ንዘሎ ጥቕስታት ተጠቐም። ቅድሚ ምስንባትካ፡ ንስእሊ እታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ኣመልክተሉ እሞ፡ ነታ ብሮሹር ኣውጺእካ፡ ነቲ እትመያየጡሉ ርእሰ ነገር ዝያዳ ዜብርህ ትምህርቲ ኣርእዮ፣ ድሕሪኡ ኣበርክተሉ። ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ፡ ነታ ብሮሹር ኣብ ዚቕጽል እዋን ንኽትመያየጡላ ቘጸራ ግበር። ኣብዚ ደረጃ እዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚርካ ኣሎኻ ማለት እዩ። ወይ ከኣ ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ክንዲ ነታ ብሮሹር፡ ካልእ ትራክት ከተበርክተሉ እሞ፡ ቈጸራ ጌርካ ኣብ ዚመጽእ ከተመያይጦ ትኽእል ኢኻ።

5. ትራክትታት ኣብ ኣገልግሎት እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለወን፧

5 ንትራክትታት ኣብ ኣገልግሎትና ንልዕሊ 130 ዓመት ክንጥቀመለን ጸኒሕና ኢና። መጠነንን መልክዐንን እተፈላለየ እኳ እንተ ዀነ፡ ውጽኢታዊ ምስክርነት ንምሃብ ዚሕግዛ ኣዝየን ጠቐምቲ ንዋት እየን። ሃየ እምበኣር፡ ነዘን ብሓድሽ መልክዕ እተዳለዋ ትራክትታት፡ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ምድሪ ንምዝርጋሕ ብጽቡቕ ንጠቐመለን!—ምሳ. 15:7ሀ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ