ክርስትያናዊ ህይወት
ብትራክትታት ጌርካ ብኸመይ ዝርርብ ከም እትጅምር
ካብ ጥሪ 2018 ኣትሒዙ፡ ኣብ ገበር ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ደብተር ኣኼባ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ይወጽእ ኣሎ። ንሰባት ጽሑፋት ጥራይ ኣብ ክንዲ ምብርካት፡ ምሳታቶም ኣብ ምዝርራብ ከነተኵር ተተባቢዕና ኢና። ኣስፋሕቲ ኣቀራርባኦም ኬተዓራርዩ ንምሕጋዝ፡ እቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ዜርኢ ቪድዮታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ተጠቒምካ ብኸመይ ዝርርብ ከም ዚጅመር ይሕብር እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ በቤት ከነገልግል ከለና ጽሑፋት ክንጥቀም የብልናን ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን! ንኣብነት፡ ትራክትታት ዝርርብ ንምጅማር ውጽኢታዊ መገዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ኻብቲ ትራክትታትና ኸነበርክት ከለና፡ ነዚ ዚስዕብ ሜላ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና፦
ነታ ኣብ ቅድሚት ገጽ እታ ትራክት እትርከብ ኣማራጺ መልስታት ዘለዋ ሕቶ ሕተት።
ነቲ ኣብ ገጽ ክልተ ኣብ ላዕሊ ዚርከብ መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኢ። ግዜ ዜፍቅደልካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ትራክት ካብ ዘሎ ገለ ሓበሬታ ኣንቢብካ ግለጽ።
ነታ ትራክት ነቲ ብዓል ቤት ሃቦ፡ ነቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ዚጥዕሞ ግዜ ኼንብቦ ኣተባብዓዮ።
ቅድሚ ምስንባትካ፡ ነታ ኣብ ትሕቲ “ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ” ዚብል ክፋል ዘላ ሕቶ ኣርእዮ እሞ፡ ካልእ ግዜ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምልሰሉ ቘጸራ ግበር።
ምስ ተመለስካ፡ ንመልሲ እታ ሕቶ ተመያየጡላ፡ ድሕሪኡ ኻልእ ግዜ እትመያየጡላ ሕቶ ሕተቶ። ካብ ወብ ሳይትና ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ድሕሪት ገጽ እተጠቕሰ ጽሑፍ፡ ሕቶ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ምሹእ ዝበልካዮ ግዜ፡ ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ወይ ከኣ ካብ ናውቲ ትምህርቲ ኻልእ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕታም መጽናዕቲ ኣላልዮ።