ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ጥሪ ገጽ 8
  • ብትራክትታት ጌርካ ብኸመይ ዝርርብ ከም እትጅምር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብትራክትታት ጌርካ ብኸመይ ዝርርብ ከም እትጅምር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓድሽ መልክዕ እተዳለዋ ትራክትታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ትራክትታት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ዝርርብ ንምጅማር ትራክትታት ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ጥሪ ገጽ 8
ሓንቲ ሓብቲ፡ ኣብ መጸበዪ ኣውቶቡስ በታ ‘መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧’ ዘርእስታ ትራክት ገይራ ንሓንቲ ሰበይቲ ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ትምስክረላ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ብትራክትታት ጌርካ ብኸመይ ዝርርብ ከም እትጅምር

ካብ ጥሪ 2018 ኣትሒዙ፡ ኣብ ገበር ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ደብተር ኣኼባ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ይወጽእ ኣሎ። ንሰባት ጽሑፋት ጥራይ ኣብ ክንዲ ምብርካት፡ ምሳታቶም ኣብ ምዝርራብ ከነተኵር ተተባቢዕና ኢና። ኣስፋሕቲ ኣቀራርባኦም ኬተዓራርዩ ንምሕጋዝ፡ እቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ዜርኢ ቪድዮታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ተጠቒምካ ብኸመይ ዝርርብ ከም ዚጅመር ይሕብር እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ በቤት ከነገልግል ከለና ጽሑፋት ክንጥቀም የብልናን ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን! ንኣብነት፡ ትራክትታት ዝርርብ ንምጅማር ውጽኢታዊ መገዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ኻብቲ ትራክትታትና ኸነበርክት ከለና፡ ነዚ ዚስዕብ ሜላ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና፦

  1. ነታ ኣብ ቅድሚት ገጽ እታ ትራክት እትርከብ ኣማራጺ መልስታት ዘለዋ ሕቶ ሕተት።

  2. ነቲ ኣብ ገጽ ክልተ ኣብ ላዕሊ ዚርከብ መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኢ። ግዜ ዜፍቅደልካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ትራክት ካብ ዘሎ ገለ ሓበሬታ ኣንቢብካ ግለጽ።

  3. ነታ ትራክት ነቲ ብዓል ቤት ሃቦ፡ ነቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ዚጥዕሞ ግዜ ኼንብቦ ኣተባብዓዮ።

  4. ቅድሚ ምስንባትካ፡ ነታ ኣብ ትሕቲ “ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ” ዚብል ክፋል ዘላ ሕቶ ኣርእዮ እሞ፡ ካልእ ግዜ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምልሰሉ ቘጸራ ግበር።

እቲ ኻብ ቍጽሪ ሓደ ኽሳዕ ኣርባዕተ ዘሎ ሓሳባት ንፍሉይ መዳያት እታ ‘ንመጻኢ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧’ ዘርእስታ ትራክት ይሕብር።

ምስ ተመለስካ፡ ንመልሲ እታ ሕቶ ተመያየጡላ፡ ድሕሪኡ ኻልእ ግዜ እትመያየጡላ ሕቶ ሕተቶ። ካብ ወብ ሳይትና ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ድሕሪት ገጽ እተጠቕሰ ጽሑፍ፡ ሕቶ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ምሹእ ዝበልካዮ ግዜ፡ ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ወይ ከኣ ካብ ናውቲ ትምህርቲ ኻልእ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕታም መጽናዕቲ ኣላልዮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ