ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/12 ገጽ 4
  • መደብ 1 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ 1 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 1 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
km 9/12 ገጽ 4

መደብ 1 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

1 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 45⁠ን ጸሎትን

□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦

bt ምዕ. 10 ¶10-21 (30 ደቒቕ)

□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዳንኤል 4-6 (10 ደቒቕ)

ቍ. 1፦ ዳንኤል 4:18-28 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ቍ. 2፦ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ሓተታ መናፍስቲ ኺርሕቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (5 ደቒቕ)

ቍ. 3፦ ትንሳኤ፡ ተስፋ ምዉታት—td 27ሀ (5 ደቒቕ)

□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦

መዝሙር 19

5 ደቒቕ፦ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ንናይ ቀረባ እዋን ግምቢ ዘብዐኛ እተዳለወ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ ኣብ ጥቅምቲ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ኵሎም ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኺካፈሉ ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ፦ ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ዓሚምና፧ ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ መደረ። ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት እተዓምመ ዜተባብዕ ነገራት ብምትኳር፡ እታ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ዝነበራ ንጥፈታት ኣቕርብ፣ ንኣስፋሕቲ ስለቲ ዝገበርዎ ሰናይ ዕዮ ንኣዶም። ሓለፍ ዝበለ ተመክሮታት ንዘለዎም ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም። ኣብ ዚመጽእ ዓመት ኪትኰረሉ ዘለዎ ሓደ ወይ ክልተ መዳያትን ኬመሓይሹሉ ዚኽእሉ ግብራዊ ሓሳባትን ጥቐስ።

10 ደቒቕ፦ ኣብ ጥቅምቲ መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ርእይቶታት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት፡ ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ሰማዕቲ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 26⁠ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ