መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታት—ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧ (2ይ ክፋል)
ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ትሕዝቶ (main menu) እታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ (መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታት—ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧) ዘርእስታ ቪድዮ፡ ፈለማ “ቓለ መጠይቓት” (Interviews) ዚብል ጠውቕ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ “ክፋላት” (Sections) ዚብል ምረጽ። ነቲ ሰለስተ ኽፋላት ምስ ርኣኻዮ፡ ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ዚርከብ ሕቶታት ከም ድግማ ጌርካ ተጠቐመሉ። ድሕሪኡ፡ ካብቲ ዝርዝር ቀንዲ ትሕዝቶ፡ “ተወሳኺ ሓበሬታ” (Supplementary Material) ዚብል ምረጽ፣ ነቲ ሓሙሽተ ተወሳኺ ቓለ መጠይቓት ምስ ርኣኻዮ፡ ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ዘሎ ሕቶታት ከም ድግማ ተጠቐመሉ።
ክፋላት—ርእስኻ ንኸንቱ ነገራትዶ ወይስ ንኣምላኽ ኢኻ እትውፊ፧፦ (1) መንእሰያት ደድሕሪ እንታይ ሸቶታት ኪስዕቡ እዩ ጸቕጢ ዚወርዶም፧ (2) 1 ዮሃንስ 2:17፡ መንእሰያት ክንደይ ዚኣክል ዓለማዊ ትምህርቲ ኸም ዚመሃሩ ንኺውስኑ ኽትሕግዞም እትኽእል ብኸመይ እያ፧ (3) ፍርሂ ንኸይንጥመቕ ኪኽልክለና ኽንፈቕደሉ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (4) ናብ ጥምቀት ንኽንበጽሕ ኪሕግዘና ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧ ንኣገልግሎትካ ፍተዎ፦ (5) ገሊኣቶም ብኣገልግሎቶም ዘይሕጐሱ ስለምንታይ እዮም፧ (6) ገለ ኻብቲ ኺሕግዘና ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧ (7) ገሊኦም ሰባት ምስ ዘይፈልጥዎ ሰብ ካብ ምዝራብ ንላዕሊ ዜፍርሆም እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (8) ንፍርህና ንኸነወግዶን ብትብዓት ንኽንዛረብን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (9) ኣብ ኣገልግሎት እተወሰነ ኽእለት ከነጥሪ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ክፉት ደገ ኣገልግሎት፦ (10) ዕዮ ፈላምነት ብመንፈስ ንኽትዓቢ ዜኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዚኸፍት ብኸመይ እዩ፧ (ፊል. 3:16) (11) ገሊኣቶም በቲ ኽፉት ደገ ኣገልግሎት ካብ ምእታው፡ ማለት ዕዮ ፈላምነት ካብ ምጅማር ድሕር ምሕር ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧ (12) ንቝጠባዊ ሻቕሎትና ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ዚኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንታይ እዩ፧ (13) ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ፈለምቲ ዀይኖም እናኣገልገሉ ንገዛእ ርእሶም ብቝጠባዊ መዳይ ንምድጋፍ እንታይ ገይሮም፧ (14) ሓደ ሰብ፡ ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺኣቱ ዅነታቱ ዘይፈቕደሉ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧
ተወሳኺ ሓበሬታ—ጥቕሚ ብሕታዊ መጽናዕቲ፦ (15) ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣማራጺ ምስክርነት (ሕጂ “ህዝባዊ ምስክርነት” ዚብሃል ዘሎ)፦ (16) ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ምክፋል ንሓጐስካ ዚውስኾ ብኸመይ እዩ፧ ኣገልግሎት ቤት-ኤል፦ (17) ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋል እንታይ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ፧ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ፦ (18) እቶም ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ (ሕጂ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሃል ዘሎ) እተኻፈሉ ኣሕዋት ጥቕሚ ዝረኸቡ ብኸመይ እዮም፧ ስልጠና ሚስዮናውያን ጊልዓድ፦ (19) ፒተርን ፊዮናን ንዕዮ ሚስዮናውነት እተዳለዉ ብኸመይ እዮም፧ ካብ ጊልዓድ ጥቕሚ ዝረኸቡኸ ብኸመይ እዮም፧