ንህይወትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኻ እተውዕላ
1 ሓድሓደ ግዜ ቘልዑ: “ምስ ዓበኻ እንታይ ክትከውን ትደሊ፧” ተባሂሎም ይሕተቱ እዮም። ንእሽቶ ኸለኻ: ‘ፓይለት ወይ ኣርኪቴክት ወይ ሓላው ወረዳ ክኸውን እየ ዝደሊ’ ትብልዶ ኔርካ፧ ጓል እንተ ዄንኪ ኸኣ: ‘ዶክተር ወይ ሆስተስ ወይ ሚስዮናዊት ክኸውን እየ ዝደሊ’ ትብሊዶ ኔርኪ፧ ሕጂ ምስ ዓበኻ ግን ንገዛእ ርእስኻ: ‘ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ዘውዕላ፧’ ኢልካ ኽትሓታ ኣሎካ። ንኽትውስን ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧
2 ዝበለጸ ውሳነ ንኽትገብር ክትሕግዘካ ተባሂሉ: ውድብ የሆዋ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ (መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት—ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ዘውዕላ፧) ዘርእስታ ዲቪዲ ኣዳልያ ኣላ። በጃኻ ርኣያ: ነቲ ድራማ: ነቲ ቓለ-መጠይቓት: ከምኡውን ነቲ ተወሳኺ ሓሳባት ሓዊስካ ንዅሉ ትሕዝቶኣ ኣርዚንካ ሕሰበሉ። ትሕዝቶኣ ኣብታ “ዝርዝር ቀንዲ ትሕዝቶ” (“Main Menu”) እትብል ሳጹን ወጺኡ ኣሎ።
3 ድራማ:- ነታ ድራማ ኽትርእያ ኸለኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ:- (1) ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተዘሪቡሉ ዘሎ ጢሞቴዎስን ኣንድሬን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧ (ግብ. 16:1፣ 1 ጢሞ. 4:8፣ 2 ጢሞ. 1:5) (2) ኣንድሬ ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ብሉጽ ንኪኸውን ጸቕጢ ዚግበረሉ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ መን እዩኸ ጸቕጢ ዚገብረሉ ነይሩ፧ (3) ንጢሞቴዎስ ከምኡውን ንኣንድሬ ጽቡቕ ጽልዋ ዝዀንዎም መነመን እዮም፧ ብኸመይከ፧ (2 ጢሞ. 1:1-4፣ 3:14, 15) (4) እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:24 ከምኡውን ፊልጲ 3:8 ዚርከብ ማዕዳ ንኣንድሬ ብኸመይ ተንከፎ፧ ንዓኻኸ ብኸመይ ይትንክፈካ፧
4 እተመርጸ ትርኢታት:- ንብምልእታ እታ ድራማ ድሕሪ ምርኣይካ: ነዚ ዚስዕብ ትርኢታት ደጊምካ ብምርኣይ ነቲ ሕቶታት መልሶ:- “ጳውሎስን ጢሞቴዎስን”:- ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ማዕዳ እንታይ እያ ነይራ፧ (2 ጢሞ. 4:5) “እቲ ዝበለጸ ንየሆዋ ምሃብ”:- ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ሸቶታት እዩ ዘሎካ፧ “ብወገን የሆዋ ምቛም”:- ናይ ሓቂ ሓጐስ ካበይ እዩ ዚርከብ፧ “ምኽሪ ዓባዩ”:- ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ውሩይ ምዃን እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧ (ማቴ. 4:9) “ጣዕሳ የብለይን”:- እንታይ ምስ እትፈልጥ እዩ ኣብ ህይወትካ ዕግበት ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ዚኽእል፧—ምሳ. 10:22
5 ቃለ-መጠይቓት:- ንነፍሲ ወከፍ እዚ ዚስዕብ ክፋላት ክትርኢ ኸለኻ: ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ንኽትህቦ እንታይ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ተዓዚብካ፧ (1) “ንኸንቱ ነገራትዶ ወይስ ንኣምላኽ ምውፋይ፧” (1 ዮሃ. 2:17) (2) “ኣገልግሎትካ ምፍታው” (መዝ. 27:14): ከምኡውን (3) “ክፉት ደገ ኣገልግሎት”—ማቴ. 6:33
6 ዝሓለፈ ህይወት:- ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእልዶ፧ (1) እቲ ሓውን እታ ሓብትን እንታይ ዓይነት ሞያ እዩ ነይርዎም፧ ስለምንታይከ፧ (2) ክሳዕ ክንደይ እዮም ዕዉታት ኰይኖም ነይሮም፧ (3) ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፎም ነጥበ-መቐይሮ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ (2 ቈረ. 5:15) (4) ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ሞያኦም እንታይ ቲኦክራስያዊ ሞያ ተክኦ፧ ንኽልቲኡ ሒዞም ኪቕጽሉ ዘይክእሉ ዀይኑ እተሰምዖምከ ስለምንታይ እዩ፧ (5) ኣብ ህይወቶም ለውጢ ምግባሮም የጣዕሶምዶ፧ (6) ካብቲ ዝበልዎ ነገራት ንህይወትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም እተውዕላ ኸም እትሓስብ ዝገበረካ እንታይ ኣሎ፧
7 ተወሳኺ ቓለ-መጠይቓት:- ኣብዚ ቓለ-መጠይቓት እዚ: ገዛእ ርእስኻ ንኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኽትውፊ እንታይ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ተማሂርካ፧ (1) “ጥቕሚ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ:” (2) “ኣማራጺ ምስክርነት:” (3) “ኣገልግሎት ቤትኤል:” (4) “ስልጠና ሚስዮናውያን ጊልዓድ:” ከምኡውን (5) “ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ።” ነቲ “ንተዛማዲ ርእሰ ነገራት ዚኸውን መሓበሪ ጽሑፋት” (“Index to Published Information on Related Subjects”) ዚብል ተወኪስካ ብዛዕባ እቲ ዝያዳ ዜገድሰካ ኣርእስቲ ዝያዳ ኣንብብ።
8 እሞኸ ንህይወትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም እተውዕላ ወሲንካዶ፧ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ: “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ኢሉ መዓዶ። (1 ጢሞ. 4:15) ንሕና እውን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ዲቪዲ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ነገራት ከምዚ ኽትገብር ኢና እንምዕደካ። ሕጂ ኣብ ህይወትካ ሓጐስን ዕግበትን: ኣብ መጻኢ ድማ ዓስብን ደስታን ዘለዎ መጻኢ ኸም ዚህልወካ ዚገብር ጥበባዊ ምርጫ ንኽትገብር የሆዋ ንኺሕግዘካ ለምኖ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
MAIN MENU
Play Drama
Scenes (11 selections)
Interviews
Play All
Sections (3 selections)
Looking Back
Supplementary Material
Supplementary Interviews
Index to Published Information on Related Subjects
Subtitles
Hearing Impaired
None
To navigate around the menus, use the Next ▶, ◀ Back, and Main Menu buttons.