መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታት —ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧ (1ይ ክፋል)
መንእሰያት ናብ ብጽሕና ኺዓብዩ ኸለዉ፡ ኣገደስቲ ውሳነታት ኪገብሩ ኣለዎም። ውሳነ ኣብ ምግባር ምእንቲ ኽትሕግዞም፡ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ (መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታት—ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧) ዘርእስታ ቪድዮ ተዳልያ እያ። ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ትሕዝቶ (main menu)፡ ነቲ “ድራማ ኣጻውት” (play drama) ዚብል ብምምራጽ ነታ ቪድዮ ርኣያ፣ ሽዑ ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ዘሎ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብቲ ዝርዝር ቀንዲ ትሕዝቶ ዘሎ “ቓለ መጠይቓት” (interviews) ዚብል ጠውቕ እሞ፡ “ዝሓለፈ ህይወት” (looking back) ዚብል ምረጽ፣ ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ዘሎ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ድማ ርአ።
ድራማ፦ (1) ኵነታት ጢሞቴዎስ ምስቲ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት ዘለዉሉ ዅነታት ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (2) ኣንድሬ ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ብሉጽ ንኪኸውን ጸቕጢ እተገብረሉ ብኸመይ እዩ፧ (3) ሓው ፍላይሲክ ንኣንድሬ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ነገራት እንታይ ነጊርዎ፦ (ሀ) ንየሆዋ ህይወትካ ብዛዕባ ምውፋይን ንስፖርት ውፉይ ብዛዕባ ምዃንን (ማቴ. 6:24)፣ (ለ) ብዛዕባ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ፣ (ሐ) እታ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ኸሎ ዚጥቀመላ ዝነበረ ሸሓኒ ብዛዕባ እተዘኻኽሮ ነገራት፣ (መ) ብዛዕባ እቶም ምስኡን ምስ ሰበይቱን እተሳእሉ ሰባት፣ (ሰ) ሸቶታቱ ምቕያሩ ዚጠዓስ እንተ ዀይኑ (ፊል. 3:8)፣ (4) ኣንድሬ ንዓባዩ፡ “ውሩይ ጐያዪ ክኸውን እንተ ደለኹ፡ ጌጋ ድዩ፧” ኢሉ ምስ ሓተታ፡ ንሳ እንታይ ኢላ መለሰትሉ፧ (ሉቃ. 4:5-7) (5) ኣንድሬ ኣብቲ ውድድር ምዕዋቱ፡ ናይ ሓቂ ዕግበት ኣምጺኡሉዶ፧ (6) ካብታ ሓውና ፍላይሲክ ንኣንድሬ ዝጸሓፈሉ ደብዳበ፡ ንዓኻ እንታይ ተንኪፉካ፧ (ምሳ. 10:22) (7) ሓውና ፍላይሲክ ንኣንድሬ እንታይ ንኺፈልጥ እዩ ሓጊዝዎ፧
ዝሓለፈ ህይወት፦ (8) እቲ ሓውን እታ ሓብትን እንታይ ዓይነት ሞያ እዩ ነይርዎም፧ ስለምንታይከ፧ (9) ክሳዕ ክንደይ እዮም ዕዉታት ነይሮም፧ (10) ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፎም ነጥበ መቐይሮ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ (2 ቈረ. 5:15) (11) ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ሞያኦም በየናይ ቲኦክራስያዊ ሞያ እዮም ቐይሮምዎ፧ ንኽልቲኡ ሞያ ሒዞም ኪቕጽሉ ዘይክእሉ ዀይኑ እተሰምዖምከ ስለምንታይ እዩ፧ (12) ኣብ ህይወቶም ለውጢ ብምግባሮም የጣዕሶምዶ፧ (13) ካብቲ ዝበልዎ ነገራት፡ ንህይወትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም እተውዕላ ኸም እትሓስብ ዝገበረካ እንታይ እዩ፧
ነቲ ኻልእ ቃለ መጠይቓትን ተወሳኺ ሓበሬታ ዝሓዘ ቪድዮታትን እውን ርኣዮ፣ ኣብቲ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ኣገልግሎት ምይይጥ ስለ ዚግበረሉ፡ ሓሳብ ንምሃብ ተዳሎ።