መደብ 7 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
7 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 30ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 9 ¶1-7 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 17-20 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 19:19-32 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ምጽኣት ክርስቶስ ብዓይኒ ኣይርአን እዩ—td 16ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መዓሙቝ እንታይ ይብል፧—w12 15/9 ገጽ 7 ¶15-16 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሓምለ ዚዕደል መጽሔታት። ምይይጥ። ፈለማ፡ ነቲ ኣብዚ ገጽ እዚ ዘሎ ኽልተ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ እተን መጽሔታት ብኸመይ ኪዕደላ ኸም ዚኽእላ መርኣያ ኣቕርብ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣነጺርካ ግለጾ። ኵሎም ምስተን መጽሔታት ኣጸቢቖም ኪላለዩን ኣብ ምዕዳል እዘን መጽሔታት ብውዕዉዕ ስምዒት ኪካፈሉን ብምትብባዕ ደምድም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ብጸሓፊ ዚቐርብ ምይይጥ። ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ እንታይ ከም እተዓምመ ብዝርዝር ግለጽ፣ ነታ ጉባኤ ኸኣ በቲ ዝገበረቶ ንጥፈታት ንኣዳ። ንሰማዕቲ፡ ወረቐት ዕድመ ድራር ጐይታ ኺዕድሉ ኸለዉ፡ ወይ ከኣ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ ንዝረኸብዎ ተመክሮ ኺዛረቡ ዓድሞም።
መዝሙር 42ን ጸሎትን