ብብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ምሃር
1. እታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ብኸመይ እያ ተዳልያ፧
1 ኣብ ናይ ሓምለ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኸም እተገልጸ፡ ቀንዲ ናይ መምሃሪ ንዋትና እታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር እያ። እቲ ብዓል ቤት ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሉ ምእንቲ ኺምሃር፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢሩ ደኣ እምበር ሓሳባቱ ኣይተጠቕሰን። መብዛሕትኡ እቲ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ጽሑፋትና፡ እቲ ጥቕስታት ኣብኡ ስለ ዚርከብ እቲ ኣንባቢ ባዕሉ ኺምሃር ይኽእል እዩ፣ እዛ ሕታም እዚኣ ግና ምስ መምህር ኴንካ ንኽትመያየጠላ ተባሂላ እያ ተዳልያ። ስለዚ፡ ከነበርክታ ኸለና፡ እቲ ብዓል ቤት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስራት ክትምሃር ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ምዃኑ ምእንቲ ኺግንዘብ፡ ብኸመይ ከም እትጽናዕ ከነርእዮ ኣሎና።—ማቴ. 13:44።
2. ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
2 ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ሎሚ ሰባት እዛ ዓለም እዚኣ ናበይ ገጻ ተምርሕ ከም ዘላ ኺፈልጡ ይደልዩ እዮም። ብዛዕባ እዚ ኸመያይጠካ ኸኣ እየ መጺአ። ኵነታት ዚመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ኺህብ ዚኽእል ብስራት ሒዙ ኣሎ። ገለ ኻብቲ ዚምልሶ ሕቶታት እንሆ።” ነታ ብሮሹር ሃቦ እሞ፡ ካብቲ ኣብ ድሕሪት እታ ብሮሹር ዘሎ ሕቶታት፡ ብዝያዳ እተገድሶ ሕቶ ኺመርጽ ሕተቶ። ሽዑ፡ ናብታ ዝመረጻ ትምህርቲ ኼድካ ነታ ቐዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ተጠቒምካ ብኸመይ ከም እትጽናዕ ኣርእዮ። ካልእ ኣማራጺ ድማ በታ ንስኻ ዝመረጽካያ ትምህርቲ ተጠቒምካ፡ ነቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ሕተቶ፡ ድሕሪኡ ነታ ብሮሹር ተጠቒሙ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ መልሲ ኺረክብ ከም ዚኽእል ኣርእዮ። ምስታ ትምህርቲ ዚኸይድ ቪድዮ ኣብ jw.org ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነታ ቪድዮ ኣብ ኣቀራርባኦም ይጥቀሙላ እዮም።
3. ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቒምካ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ግለጽ።
3 መጽናዕቲ ብኸመይ ከም እትመርሓላ፦ (1) እቲ ብዓል ቤት ኣብቲ ቐንዲ ነጥቢ ምእንቲ ኼተኵር፡ ነታ ብቝጽሪ እተፈልየት ብድሙቕ እተጻሕፈት ሕቶ ኣንብበሉ። (2) ነታ ቐጺላ ዘላ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብባ። (3) ነቲ ብሰያፍ እተጻሕፈ ጥቕስታት ኣንብበሉ እሞ፡ ብሜላ ሕቶታት ብምሕታት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ነቲ ብቝጽሪ እተፈልየ ሕቶታት ከም ዚምልሶ ንኺርዳእ ሓግዞ። (4) ኣብ ትሕቲ እታ ሕቶ ኻልእ ሕጡብ ጽሑፍ እንተ ኣልዩ፡ ነቲ ኣብ 2ን 3ን ዘሎ ነጥብታት ድገሞ። ምስታ ሕቶ እትኸይድ ቪድዮ እንተ ኣልያ፡ ነቲ ብዓል ቤት ድማ ዘየርኣኻዮ እንተ ዄንካ፡ ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ ኣርእዮ። (5) ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ብዓል ቤት ከም እተረድኦ ንኸተረጋግጽ ነታ ብቝጽሪ እተፈልየት ሕቶ ኺምልሳ ሕተቶ።
4. ነዛ ጠቓሚት ንዋት እዚኣ ብኽእለት ንኽንጥቀመላ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
4 ምስዛ ጠቓሚት ንዋት ጽቡቕ ጌርካ ተላለ። ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ዅሉ ተጠቐመላ። ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ እቲ ተምሃራይን ብዝበለጸ መገዲ ብኸመይ ከም እተመያይጦን ኣብቲ ትምህርቲ ንዘሎ ጥቕስታት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉን ሕሰብ። (ምሳ. 15:28፣ ግብ. 17:2, 3) ተመክሮን ክእለትን እናጥረኻ ብዝኸድካ መጠን፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ኸም ሓንቲ ንሰባት ሓቂ ንምምሃር እትሕግዝ ቀንዲ ንዋት ጌርካ ኽትርእያ ትኽእል ኢኻ።