ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ታሕሳስ ገጽ 2
  • ብመጽሓፍ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ልቢ ተንክፍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብመጽሓፍ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ልቢ ተንክፍ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ካልኣይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ታሕሳስ ገጽ 2

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብመጽሓፍ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ልቢ ተንክፍ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ኼምልኽዎ መለክዒታቱ ኺምሃሩን ምስቲ መለክዒታት ተሰማሚዖም ኪነብሩን ኣለዎም። (ኢሳ 2:3, 4) እታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እንጥቀመላ “ፍቕሪ ኣምላኽ” እትብሃል ካልአይቲ ናይ መጽናዕቲ ሕታምና፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ምስ መዓልታዊ ህይወት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ምእንቲ ኼስተውዕሉ ትሕግዞም እያ። (እብ 5:14) ንተምሃሮ ኽንምህሮም ከለና፡ ለውጢ ኺገብሩ ዜኽእሎም ቅኑዕ ድራኸ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ልቦም ንምትንካፍ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።—ሮሜ 6:17።

ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓላ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ንተምሃራይካ ዜድልዮ ነገራት ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። ብዛዕባ እቲ ዚጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ ሓሳቡን ስምዒቱን ከም ዚገልጽ ዚገብሮ ሕቶታት ሕሰብ።—ምሳ 20:5፣ be 259

  • ተምሃራይካ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ረብሓ ምእንቲ ኺግንዘብ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ንዘሎ ሳጹናት ብምሉኡ ተጠቐመሉ

  • ተምሃራይካ ንሕልና ዚምልከት ጕዳይ ኬመዛዝን ሓግዞ፣ ግናኸ ኣይትወስነሉ።—ገላ 6:5

  • ተምሃራይካ ገለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትግባር ሓገዝ እንተ ደኣ ኣድልይዎ፡ ኪውስን ዚሕግዞ ነጥብታት ብሜላ ግለጸሉ። ንየሆዋ ኻብ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ ለውጢ ምእንቲ ኺገብር ድማ ብለውሃት ኣተባብዓዮ።—ምሳ 27:11፣ ዮሃ 14:31

መጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ክሳዕ መወዳእታ ኽትጽናዕ ኣለዋ። እቲ ተምሃራይ እንተ ተጠምቀ እውን እታ መጽሓፍ ክሳዕ እትውዳእ፡ ሰዓትን ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክትምዝግብ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ