ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ለካቲት ገጽ 2
  • 6-12 ለካቲት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 6-12 ለካቲት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ለካቲት ገጽ 2

6-12 ለካቲት

ኢሳይያስ 47-51

  • መዝሙር 89ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • “ንየሆዋ እዙዝ ምዃን በረኸት የምጽእ”፦ (10 ደቒቕ)

    • ኢሳ 48:17—ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ተኣዛዝነት መለኮታዊ መምርሒ እተመስረተ እዩ (ip-2-E 131 ¶18)

    • ኢሳ 48:18—የሆዋ የፍቅረና፡ ክንሕጐስ ድማ ይደልየና (ip-2-E 131 ¶19)

    • ኢሳ 48:19—ተኣዛዝነት ናብ ዘለኣለማዊ በረኸት ይመርሕ (ip-2-E 132 ¶20-21)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ኢሳ 49:6—እቲ መሲህ ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ኣብቶም ደቂ እስራኤል እተደረተ ኽነሱ፡ “ብርሃን ኣህዛብ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (w07 15/1 9 ¶9)

    • ኢሳ 50:1—የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ጽሑፍ መፍትሒ . . . ኣዴኹም ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ዝሓተቶም ስለምንታይ እዩ፧ (it-1-E 643 ¶4-5)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ኢሳ 51:12-23

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይዚ ወርሒ እዚ ኣቀራርባታት ተዳሎ፦ (15 ደቒቕ) ኣብቲ “ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት” እተመስረተ ምይይጥ። ነተን ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ዜርእያ ቪድዮታት ወልዓየን፣ ደድሕሪ ሓንቲ ቪድዮ ነቲ ጕሉሕ ነጥብታት ተመያየጡሉ። ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣስፋሕቲ፡ ብዓል ቤት ኣብ ዚህቦ ምላሽ ብምምርኳስ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ (ህይወት ተፈጢሩ ድዩ፧) ወይ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት) ዘርእስተን ጽሑፋት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም። (“ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ [መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት]” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 135

  • ነታ ጉባኤ ዜድሊ፦ (7 ደቒቕ) ከም ኣማራጺ፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ዓመት ዝረኸብኩምዎ ትምህርቲ ተመያየጡሉ። (yb16-E 144-145)

  • ዓርኪ የሆዋ ኹን—ንየሆዋ ተኣዘዞ፦ (8 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ንየሆዋ ተኣዘዞ ዘርእስታ ቪድዮ ብምውላዕ ጀምር። (ቪድዮታት ኣብ ትሕቲ ዚብል ክፋል፡ ቈልዑ ርአ።) ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰብሉ፦ ንየሆዋ ኽንእዘዞ እንኽእለሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ምሳ 27:11) ሕጻናት ንየሆዋ ኺእዘዙ ዜኽእሎም ገለ መገክድታት እንታይ እዩ፧ ኣባጽሕ ንየሆዋ ኺእዘዙ ዜኽእሎም ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) ia ምዕ. 8 ሕ.ጽ. 1-16

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 144ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ