ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ጥሪ ገጽ 8
  • ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ—ብኸመይ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ—ብኸመይ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንፍልልያት ብፍቕሪ ኣደቅሶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ን“ንኣሽቱ” ኣይትዓንቅፍ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ‘ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገር ስዓብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንሓውካ እንተ ረባሕካዮ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ጥሪ ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ—ብኸመይ፧

ሓደ ሰብኣይ ንመስዋእቱ ኣብ መሰውኢ ሓዲጉ ምስ ሓዉ ኺተዓረቕ ይኸይድ

ብግዜ የሱስ ኣብ ገሊላ ትነብር ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። በዓል ዳስ ከተብዕል ናብ የሩሳሌም ተጓዒዝካ ኣለኻ። እታ ኸተማ ኻብ ርሑቕን ቀረባን ብዝመጹ ኣምለኽቲ የሆዋ መሊኣ ኣላ። ንየሆዋ መስዋእቲ ኸተቕርብ ደሊኻ ኣለኻ። ስለዚ፡ ጤል እናጐተትካ በቲ ኣጸጋምን እተጨናነቐን መገዲ እታ ኸተማ ኣቢልካ ናብ ቤተ መቕደስ ትጐዓዝ። ኣብኡ ምስ በጻሕካ፡ እታ ቤተ መቕደስ መስዋእቲ ኬቕርቡ ብዝመጹ ኻልኦት ሰባት መሊኣ ትጸንሓካ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ነታ ጤል ንኻህናት እትህበሉ ተራኻ በጺሑ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ኣብ መንጎ እቶም እኩባት ህዝቢ ወይ ከኣ ኣብ ከተማ ዘሎ ሓውካ ጕህዩልካ ኸም ዘሎ ትዝክር። የሱስ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 5:24 ኣንብብ።) ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞ ንስኻን እቲ ጕህዩልካ ዘሎ ሓውካን ክትዕረቑ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኻብ ዘሎ ሓሳባት፡ ቅኑዕ ንዝዀነ መልሲ ምልክት ግበረሉ።

ንስኻ ኽትገብሮ ዘሎካ . . ፦

  • ምስ ሓውካ ኽትዘራረብ ዘሎካ፡ ሓውካ ኺጕሂ ብቝዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ እንተ ሓሲብካ ጥራይ እዩ

  • ሓውካ ተነቃፊ ኸም ዝዀነ ወይ ከኣ በቲ እተፈጥረ ጸገም ንሱ እውን ተሓታቲ ኸም ዝዀነ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንኣተሓሳስባኡ ኸተዐሪ ጽዓር

  • ዋላ እውን ነቲ ጕዳይ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረዳእካዮ፡ ሓውካ ኺዛረብ ከሎ ብትዕግስቲ ጽን ኢልካ ስምዓዮ፡ ስለቲ እተሰምዖ ጓሂ ወይ ስለቲ ዘጋጠመ ዘይተሓስበ ሳዕቤናት ተግባራትካ ድማ ካብ ልብኻ ይቕረታ ሕተት

ሓውካ ኺገብሮ ዘለዎ . . ፦

  • ክሳዕ ክንደይ ከም ዘጕሃኻዮ ንኻልኦት ብምንጋር፡ ደቂ ጉባኤኻ ምስኡ ኸም ዚውግኑ ይግበሮም

  • ንዅሉ እቲ ዝጐሃየሉ ነገራት በብሓደ እናኣልዓለ ይውቀስካ፡ ጌጋኻ ኽትቅበል ኬእምነካ ድማ ይጽዓር

  • ናብኡ ኽትቀርብ ክሳዕ ክንደይ ትሕትናን ትብዓትን ከም ዘድለየካ ተገንዚቡ፡ ካብ ልቡ ብናጻ ይቕረ ይብለልካ

ኣብዚ ግዜ እዚ እነቕርቦ ኣምልኾ፡ መስዋእቲ እንስሳ ዘየጠቓልል እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስ ምስ ሓውና ብዛዕባ ምትዕራቕን ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ንኣምላኽ ብዛዕባ ምምላኽን እንታይ እዩ ምሂሩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ