ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 4-5
የሱስ ኣብ ከረን ካብ ዝሃቦ ስብከት እንረኽቦ ትምህርቲ
መንፈሳዊ ነገራት ትሃርፍ ዲኻ፧
እተን “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ” ዚብላ ቓላት፡ ቃል ብቓሉ “መንፈስ ዚልምኑ” ዚብል ትርጉም ኣለወን። (ማቴ 5:3፣ እ.ጽ.) ካብ ኣምላኽ መንፈሳዊ ሓገዝ ክንረክብ ከም እንህንጠ በዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ነገራት ከነርኢ ንኽእል ኢና፦
መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ
ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምድላውን ኣብኡ ብምእካብን
ንጽሑፋትና ብምንባብን ግዜ ብዚፈቕደልና መጠን ኣብ ወብ ሳይትና ንዚወጽእ ሕታማት ብምርኣይን
ኣብ ወወርሒ ንዚወጽእ መደብ JW ብሮድካስቲንግ ብምርኣይ
መንፈሳዊ ምግቢ ናይ ምምጋብ ልማደይ ከመሓይሾ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧