ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr22 ግንቦት ገጽ 1-10
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 2-8 ግንቦት
  • 9-15 ግንቦት
  • 16-22 ግንቦት
  • 23-29 ግንቦት
  • 30 ግንቦት–5 ሰነ
  • 6-12 ሰነ
  • 13-19 ሰነ
  • 20-26 ሰነ
  • 27 ሰነ–3 ሓምለ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2022
mwbr22 ግንቦት ገጽ 1-10

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

2-8 ግንቦት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 27-29

“ናይ ዳዊት ስልቲ ውግእ”

it-1 41

ኣኪሽ

ዳዊት ካብ ሳኦል ኣብ ዚሃድመሉ ዝነበረ እዋን፡ ክልተ ሳዕ ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣኪሽ ተዓቚቡ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ቐዳማይ፡ ጸላኢ ኢሎም ምስ ጠርጠርዎ፡ ከም ዕቡድ መሰለ፣ ኣኪሽ ከኣ ከም ዘይጓዳእ ጽሉል ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ይኺድ ሓደጎ። (1ሳሙ 21:10-15፣ መዝ 34:ል.ጽ.፣ 56:ል.ጽ.) ኣብቲ ኻልኣይ ኣጋጣሚ፡ ዳዊት ምስ 600 ተዋጋእቱን ምስ ቤተ ሰቦምን ናብ ንጉስ ኣኪሽ ከደ፣ ኣኪሽ ድማ ኣብ ጺቅላግ ኪነብሩ ፈቐደሎም። ኣብቲ ዳዊትን ጭፍራኡ ኣብኡ እተቐመጡሉ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን፡ ንጌሹራውያንን ንጊርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ይወርሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣኪሽ ግና ንኸተማታት ይሁዳ ዚወርሩ ዝነበሩ ይመስሎ ነበረ። (1ሳሙ 27:1-12) በዚ ኣጸቢቑ ስለ እተታለለ ኸኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊ ንጉስ ሳኦል መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ኣብ እተላዕሉሉ እዋን ንዳዊት ሓላው ርእሱ ገይርዎ ነበረ፣ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ካልኦት “መሳፍንቲ” ፍልስጥኤማውያን በዚ ስለ ዘይተሰማምዑ ግና፡ ንዳዊትን ንሰቡን ናብ ጺቅላግ ከም ዚምለሱ ገበረ። (1ሳሙ 28:2፣ 29:1-11) ደሓር ዳዊት ምስ ነገሰ፡ ምስ ጋት ተዋጊኡ ነይሩ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣኪሽ ከይተቐትለ ተሪፉ ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይሲ፡ ክሳዕ ዘመነ ንግስና ሰሎሞን ብህይወት ነይሩ እዩ።—1ነገ 2:39-41፣ ኣብ “ጋት” ርአ።

w21.03 4 ¶8

ኣቱም መንእሰያት፡ ካልኦት ምእንቲ ኺኣምኑኹም እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

8 ንዳዊት ዘጋጠሞ ኻልእ ብድሆ እስከ ንርአ። ንጉስ ኪኸውን ምስ ተቐብአ፡ ብወግዒ ንጉስ ይሁዳ ዀይኑ ኣብ ዝፋን ክሳዕ ዚድይብ፡ ብዙሕ ዓመታት ተጸብዩ እዩ። (1 ሳሙ. 16:13፣ 2 ሳሙ. 2:3, 4) እሞ ደኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ብትዕግስቲ ኺጽበ እንታይ ሓጊዝዎ፧ ተስፋ ብምቝራጽ ኣብ ክንዲ ዚለምስ፡ ኣብቲ ኺገብሮ ዚኽእል ነገር እዩ ኣተኲሩ። ንኣብነት፡ ሃዲሙ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ጸላእቲ እስራኤል ይዋጋእ ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንዶብ ይሁዳ ይከላኸል ነይሩ እዩ።—1 ሳሙ. 27:1-12።

it-2 245 ¶6

ሓሶት

ብኽፍኣት ዚግበር ሓሶት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተዀኒኑ እኳ እንተሎ፡ እዚ ግና ሓደ ሰብ ንዘይምልከቶም ሰባት ኵሉ ሓቂ ኺነግሮም ግዴታ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ክርስቶስ፡ “ቅዱስ ዘበለ ንኣኽላባት ኣይትሃቡ። ብኣእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም፡ ሉልኩም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ” ዚብል ምኽሪ ሂቡ እዩ። (ማቴ 7:6) ስለዚ ድማ እዩ ንገሊኡ ሕቶታት ዚህቦ ምላሽ ዘየድሊ ጕድኣት ኣብ ዜስዕበሉ እዋናት ምሉእ ሓበሬታ ወይ ቀጥታዊ ምላሽ ካብ ምሃብ እተቘጠበ። (ማቴ 15:1-6፣ 21:23-27፣ ዮሃ 7:3-10) ኣብርሃምን ይስሃቅን ረሃብን ኤልሳእን፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ንዘይኰኑ ሰባት ዜጋጊ ሓበሬታ ምሃቦም ወይ ሓቅታት ዘይምግላጾም እውን፡ በዚ ዓይኒ እዚ እዩ ኺርአ ዘለዎ።—ዘፍ 12:10-19፣ ምዕ 20፣ 26:1-10፣ እያ 2:1-6፣ ያእ 2:25፣ 2ነገ 6:11-23።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w10 1/1 20 ¶5-6

ምዉታት ንህያዋን ኪሕግዝዎም ይኽእሉዶ፧

ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ “ናብ መሬቱ ይምለስ” ከምኡውን “ሃቐናኡ ይጠፍእ” ኢሉ ይነግረና። (መዝሙር 146:4) ሳኦል ኰነ ሳሙኤል፡ ኣምላኽ ምስ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም ሰባት ምርኻብ ከም ዚዅንን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ ሳኦል ኣቐዲሙ ንዅሉ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ተግባራት ካብታ ሃገር ዘጥፍአ።—ዘሌዋውያን 19:31።

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣመዛዚንና እስከ ንሕሰብ። እቲ እሙን ዝነበረ ሳሙኤል ብመንፈስ እንተ ዚህሉ ነይሩ፡ ንሳኦል ምእንቲ ኺራኸቦ ንሕጊ ኣምላኽ ጥሒሱ መንፈስ ጥንቈላ ምስ ዘለዎም ሰባት ምተሓባበረዶ፧ የሆዋ ምስ ሳኦል ኪዘራረብ ኣይደልን እዩ ነይሩ። እሞኸ ሓደ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎ ሰብ፡ በቲ ዝሞተ ሳሙኤል ኣቢሉ ንሳኦል ምእንቲ ኼዛርቦ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኬገድዶ ይኽእልዶ፧ ፈጺሙ ኣይክእልን። እዚ “ሳሙኤል” እዚ፡ እቲ እሙን ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሳሙኤል ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ኣምሲሉ ዝቐረበ እኩይ መንፈስ እዩ።

9-15 ግንቦት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 30-31

“ብየሆዋ ኣምላኽካ በርትዕ”

w06 1/8 28 ¶12

ንየሆዋ ፍርሃዮ—ሕጉስ ኩን!

12 ዳዊት ንየሆዋ ዝነበሮ ፍርሃት፡ ጌጋ ንኸይገብር ጥራይ ኣይኰነን ዓጊትዎ። ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ብጥበብ ወሳኒ ስጕምቲ ንኺወስድ ሓጊዝዎ እዩ። ዳዊትን ሰቡን ንሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ኣብታ ጺቅላግ እትበሃል ኣብ ገጠራት ፍልስጥኤም እትርከብ ከተማ ተዓቚቦም ነበሩ። (1 ሳሙኤል 27:5-7) ሓደ እዋን እቶም ሰብኡት ናብ ካልእ ከይዶም ከለዉ፡ ኣማሌቃውያን ወረርቲ ነታ ኸተማ ብሓዊ ኣንደድዋ፡ ንዅሎም ኣንስትን ደቅን መጓሰን ከኣ ማሪኾም ወሰዱ። ዳዊትን ሰቡን ካብቲ ዝኸድዎ ተመሊሶም እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ በኸዩ። እቲ ሓዘን ቀልጢፉ ናብ መረረ ተቐየረ፡ እቶም ሰቡ ድማ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ተዘራረቡ። ዳዊት ጨኒቕዎ እኳ እንተ ነበረ፡ በዚ ግን ኣይተሓለለን። (ምሳሌ 24:10) ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት፡ ናብ የሆዋ ንኺጽጋዕ ደረኾ፡ “ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ [ድማ] ጸንዔ።” ብሓገዝ ኣምላኹ፡ ንሱን ሰቡን ነቶም ኣማሌቃውያን ኣርኪቦም ንዅሉ ነገር ኣምለሱ።—1 ሳሙኤል 30:1-20

w12 15/4 30 ¶14

የሆዋ ንኽንድሕን ይሕልወና

14 ዳዊት ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ዜጨንቕ ነገራት ኣጋጢምዎ እዩ። (1 ሳሙ. 30:3-6) እቲ ዝጸሓፎ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት፡ የሆዋ ንስምዒቱ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። (መዝሙር 34:18፣ 56:8 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንስምዒትና እውን ይፈልጦ እዩ። ነቶም “ስቡር ልቢ” ወይ “ቅጥቁጥ መንፈስ” ዘሎና ዘበልና፡ ቀረባና እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ምፍላጥና፡ ልክዕ ከምቲ ንዳዊት ዘጸናንዖ፡ ንዓና እውን ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ፣ ንሱ፡ “ንመከራይ ርኢኻዮ፡ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ . . . ኢኻ እሞ፡ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 31:7, 8) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ ዜጕህየና ነገራት የስተብህለሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምጽንናዕን ምትብባዕን ብምሃብ እውን ይሕብሕበና እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዚገብረሉ መገድታት፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እዩ።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w05 15/3 24 ¶9

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

30:23, 24 እዚ ኣብ ዘሁልቍ 31:24 እተመርኰሰ ውሳነ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ጉባኤ ንኻልኦት ኣብ ዚድግፍ ቦታታት ዜገልግሉ ሰባት ከም ዜማስዎም እዩ ዜርኢ። ዝገበርና ንግበር ‘ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እንገብሮ ጌርና ኻብ ልቢ ንግበሮ።’—ቈሎሴ 3:23

16-22 ግንቦት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 1-3

“ካብቲ ‘ቐስቲ’ ዚብሃል ልቕሶ እንታይ ንምሃር፧”

w00 15/6 13 ¶9

ነቶም ኣብ ልዕሌኹም ስልጣን እተዋህቦም ኣኽብርዎም

9 ዳዊት ሕማቕ ነገራት እኳ ይወርዶ እንተ ነበረ ጕህዩዶ ኢዩ፧ “ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ” ብምባል ናብ የሆዋ ኣእውዩ ኢዩ። (መዝሙር 54:3) ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንየሆዋ ናይ ልቡ ኣፍሰሰሉ፦ “ኣምላኸየ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፡ . . . ጐይታየ፡ ብኣበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን ሓያላት ኪቃወሙኒ ሐቢሮም ዘለዉ። ከይበደልኩስ ጐይዮም ይዳለዉ፡ ክትቅበለኒ ንቓሕ እሞ ርኤ።” (መዝሙር 59:1-4) ሓድሓደ ግዜ ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰብ ዋላ ሓንቲ ከይበደልካዮ የሸግረካ ከም ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ዳዊት ንሳኦል ካብ ምኽባር ዓዲ ኣይወዓለን። ሳኦል ምስ ሞተ ኣብ ክንዲ ብሓጐስ ዝዘልል ዳዊት ነዚ ዝስዕብ ናይ ሓዘን ግጥሚ ገጠመ፦ “ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡ ፍቑራትን ልጉባትን ነበሩ፡ . . . ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ። ኣትን ኣዋልድ እስራኤል . . . ንሳኦል ብኸያሉ።” (2 ሳሙኤል 1:23, 24) ዋላ እኳ ሳኦል እንተ በደሎ ንናይ የሆዋ ቕቡእ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ብምርኣይ ዝመጸ ዳዊት ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝገደፈ!

w12 15/4 10 ¶8

ጥልመት—ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ምልክት

8 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እሙናት ሰባት እውን ይገልጽ እዩ። ቀጺልና ኽልተ ኣብነት ክንርኢ ኢና፣ ካባታቶም እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ከኣ ክንምርምር ኢና፣ ፈለማ እስከ በቲ ንዳዊት እሙን ዝነበረ ሰብ ንጀምር። እቲ ወዲ ንጉስ ሳኦል ዝነበረ ዮናታን፡ ወራሲ ዝፋን እስራኤል እዩ ነይሩ። የሆዋ ግና ንዳዊት እዩ ንጉስ ኪኸውን ሓርይዎ። ዮናታን ንውሳነ ኣምላኽ የኽብሮ ስለ ዝነበረ፡ ንዳዊት ከም ተቐናቓኒኡ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእዮ ነይሩ፣ የግዳስ፡ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት፡” ብተኣማንነት ከም ዚድግፎ ኸኣ ተመባጽዓሉ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ንዳዊት፡ ክዳኑን ሴፉን ቀስቱን ቅናቱን ብምሃብ፡ ንጉሳዊ ኣኽብሮት ኣርኣዮ። (1 ሳሙ. 18:1-4) ኣብ ቅድሚ ሳኦል ንዳዊት ደጊፉ ብምዝራብን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን፡ ‘ንኢድ ዳዊት ንምጽናዕ’ ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። ንዳዊት ድማ፡ “ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ” በሎ። (1 ሳሙ. 20:30-34፣ 23:16, 17) ዳዊት፡ ዮናታን ምስ ሞተ ኣምሪሩ ኼልቅስ እምበኣር ሓቁ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ ዜርኢ እዩ ነይሩ።—2 ሳሙ. 1:17, 26።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 369 ¶2

ሓው

“ሓው” እትብል ቃል፡ ነቶም ብሓፈሻዊ ሸቶ ዝሰመሩን ሕደ ዕላማ ዘለዎምን ሰባት እውን ይዕየየላ እዩ። ንኣብነት፡ ሒራም ንጉስ ጢሮስ ንንጉስ ሰሎሞን “ሓወየ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ፣ ከምኡ ኢሉ ዝጸውዖ ኸኣ፡ ሕደ መዓርግን ደረጃን ስለ ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ዜድሊ ኣዕጫውን ካልእ ነገራትን ኣብ ምቕራብ ሓባራዊ ረብሓ ስለ ዝነበሮም እዩ። (1ነገ 9:13፣ 5:1-12) ዳዊት ከኣ፡ “እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢሮም ኪቕመጡስ፡ ክንደይ ሰናይን ባህ ዜብልን እዩ!” ኢሉ ብምጽሓፍ፡ ኣብ መንጎ ናይ ስጋ ኣሕዋት ሰላምን ሓድነትን ከም ዚሰፍን ዚገብር ነገር፡ ናይ ስጋ ዝምድና ጥራይ ዘይምዃኑ ኣሚቱ ኣሎ። (መዝ 133:1) ዳዊት ንዮናታን “ሓወይ” ኢሉ ዝጸውዖ፡ ኣብ መንጎኦም ፍቕርን ሓባራዊ ድሌትን ስለ ዝነበረ ደኣ እዩ እምበር፡ ናይ ስጋ ዝምድና ኣይነበሮምን። (2ሳሙ 1:26) ተመሳሳሊ ባህርይን ዝንባለን ዘለዎም ብጾት፡ ዋላ እውን ሕማቓት ይኹኑ፡ ኣሕዋት ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ።—ምሳ 18:9።

23-29 ግንቦት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 4-6

“ንየሆዋ ኸይተጕህዮ ግቡእ ፍርሃት ይሃሉኻ”

w05 15/5 17 ¶8

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

6:1-7 ዳዊት ነቲ ታቦት ብሰረገላ ኼግዕዞ ዝገበሮ ፈተነ: ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሱ እኳ እንተ ገበሮ: ንትእዛዝ የሆዋ ዚጥሕስ ስለ ዝነበረ ግን ኣይሰለጦን። (ዘጸኣት 25:13, 14፣ ዘሁልቍ 4:15, 19፣ 7:7-9) ዑዛ ነቲ ታቦት ብምሓዙ ዝመጾ ሳዕቤን እውን: ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊስካ ዚግበር ነገራት ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ነገር ከም ዘይቅይሮ ይሕብረና።

w05 1/2 27 ¶20

የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር

20 ዑዛ ነቲ ሕጊ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ። እቲ ታቦት ከኣ የሆዋ ኣብ መንጎኦም ከም ዘሎ ዜመልክት ነበረ። ሓላፍነት ብዘይተዋህቦ ውልቀ-ሰብ ኪትንከፍ ከም ዘይብሉ፡ ነዚ ዝጠሓሱ ድማ ብሞት ከም ዚቕጽዑ እቲ ሕጊ ብንጹር ይገልጽ ነበረ። (ዘሁልቍ 4:18-20፣ 7:89) ስለዚ፡ ነቲ ታቦት ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ ኣፍኲስካ ዚርአ ጕዳይ ኣይነበረን። ዑዛ ኻህን እኳ እንተ ዘይኰነ ሌዋዊ ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ነቲ ሕጊ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚውን እቲ ታቦት ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቤት ኣቦኡ ይሕሎ ነበረ። (1 ሳሙኤል 6:20-7:1) ክሳዕ እቲ ዳዊት ኬግዕዞ ዝሓሰበሉ እዋን ን70 ዓመት ዚኸውን ኣብታ ቤት እቲኣ ጸንሐ። ስለዚ፡ ዑዛ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ነቲ ታቦት ዚምልከት ሕግታት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

w05 1/2 27 ¶21

የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር

21 ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ የሆዋ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ ነቲ ዑዛ ዝገበሮ ነገር ‘ድፍረት’ ኢሉ ስለ ዚገልጾ፡ የሆዋ ኣብቲ ጸብጻብ እቲ ብንጹር ዘይተገልጸ ስስዐ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። ዑዛ ቐይድታት ዚጥሕስ ዕቡይ ሰብ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ (ምሳሌ 11:2) እቲ ስድራቤቱ ብስቱር ዚሕልዉዎ ዝነበሩ ታቦት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኺመርሕ ምጅማሩ ርእሱ ኽብ ኣቢሉ ኸም ዚርኢ ገይርዎዶ ይኸውን፧ (ምሳሌ 8:13) እምነት ስለ ዝጐደለቶ ነቲ የሆዋ ኣብ መንጎኦም ከም ዘሎ ዜምልክት ታቦት ካብ ምውዳቕ ንምድሓን ኢድ የሆዋ ኣዝያ ሓጻር ከም ዝዀነት ገይሩዶ ሓሲቡ ይኸውን፧ እዚ ዀነ እቲ፡ የሆዋ ቕኑዕ ከም ዝገበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቅልጡፍ ስጕምቲ ንኺወስድ ዝደረኾ ነገር ኣብ ልቢ ዑዛ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ።—ምሳሌ 21:2

መንፈሳዊ ሃብቲ

w96 1/4 29 ¶1

ኵሉ ግዜ ጾርካ ናብ የሆዋ ደርብዮ

ከም ንጉስ መጠን ድማ ዳዊት በዚ ተሓታቲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ዋላ እቶም ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎም ሰባት እውን ከይተረፈ ሓድሓደ ግዜ ንኣሸጋሪ ኣጋጣሚታት ብሕማቕ ይምልሱሉ ምዃኖም ዘርኢ ኢዩ። ዳዊት መጀመርያ ተቘጥዐ። ዳሕራይ ግን ፈርሀ። (2 ሳሙኤል 6:8, 9) እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ ኣጸቢቑ ተፈተነ። ነቲ ትእዛዝ ምስ ኣፍረሰ፡ ጾሩ ኣብ የሆዋ ካብ ምድርባይ ከም ዝሰነፈ ዘርኢ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝመስል። ንዓናኸ ሓድሓደ ግዜ ከምኡ የጋጥመናዶ ይኸውን፧ ንስርዓታቱ ሸለል ብምባልና ዝመጽእ ሳዕቤናት ንየሆዋ ንወቕሶዶ ኢና፧—ምሳሌ 19:3

30 ግንቦት–5 ሰነ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 7-8

“የሆዋ ምስ ዳዊት ኪዳን ኣተወ”

w10 1/4 20 ¶3

‘መንግስትኻ ኽትጸንዕ እያ’

የሆዋ በቲ ልባዊ ባህጊ ዳዊት ውሽጡ ተተንከፈ። በቲ ዳዊት ዝነበሮ ተወፋይነት ስለ እተሓጐሰ ኸኣ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ትንቢት ተሰማሚዑ፡ ሓደ ንዘለኣለም ዚገዝእ ገዛኢ ኻብ መስመር ወለዶ ንግስነት ዳዊት ከም ዜተንስእ፡ ንዳዊት ኪዳን ኣተወሉ። ናታን ነቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ንዳዊት ኪነግሮ ኸሎ፡ “ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለኣለም ኪጸንዓ እየን፡ ዝፋንካውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ” በሎ። (ቍጽሪ 16) እቲ ነዚ ኺዳን እዚ ንሓዋሩ ዚወርስ ወራስን ንዘለኣለም ዚገዝእ ገዛእን መን እዩ፧—መዝሙር 89:20, 29, 34-36።

w10 1/4 20 ¶4

‘መንግስትኻ ኽትጸንዕ እያ’

የሱስ ብዓል ናዝሬት ካብ ዘርኢ ዳዊት እዩ ነይሩ። ሓደ መልኣኽ ብዛዕባ ውልደት የሱስ ኬበስር ከሎ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” በለ። (ሉቃስ 1:32, 33) ስለዚ፡ እቲ ንዳዊት እተኣትወሉ ኺዳን፡ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እዩ ተፈጺሙ። የሱስ ዚገዝእ እምበኣር፡ ብምርጫ ሰብ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ንኺገዝእ መሰል ከም ዘለዎ፡ ኣምላኽ መብጽዓ ስለ ዝኣተወሉ እዩ። መብጽዓታት ኣምላኽ ወትሩ ኸም ዚፍጸም ከኣ ኣይንረስዕ።—ኢሳይያስ 55:10, 11።

w14 15/10 10 ¶14

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ

14 የሆዋ ንዳዊት ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል መብጽዓ ኣትዩሉ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ንዳዊት እተኣትወሉ ኺዳን ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። (2 ሳሙኤል 7:12, 16 ኣንብብ።) የሆዋ ነዚ ኺዳን እዚ ንዳዊት ዝኣተወሉ፡ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ይገዝኣሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ፣ መሲሕ ካብ ዘርኡ ኸም ዚመጽእ ድማ ተመባጽዓሉ። (ሉቃ. 1:30-33) በዚ መገዲ እዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ መስመር ወለዶ እቲ መሲሕ ዝያዳ ንጹር ሓበሬታ ብምሃብ፡ “ሕጋዊ መሰል ዘለዎ” ዘርኢ ዳዊት፡ ንጉስ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚኸውን ገለጸ። (ህዝ. 21:25-27፣ NW) ንግስነት ዳዊት ብየሱስ ኣቢሉ ‘ንዘለኣለም ኪቐውም’ እዩ። እወ፡ ዘርኢ ዳዊት ‘ንዘለኣለም፡ ዝፋኑ እውን ከም ጸሓይ ኪነብር እዩ።’ (መዝ. 89:34-37) ስለዚ፡ ኣብ ግዝኣት እቲ መሲሕ ብልሽውና ዚብሃል ኣይኪህሉን እዩ፣ እቲ ዚዓምሞ ነገራት ከኣ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-2 206 ¶2

ዳሕሮት መዓልትታት

ትንቢት በላዓም። እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም፡ ነብዪ በላዓም ንባላቅ ንጉስ ሞኣብ ከምዚ ኢልዎ ነይሩ፦ “እዚ ህዝቢ እዚ [እስራኤል] ኣብ መጻኢ [“ኣብ መወዳእታ መዓልትታት፡” እ.ጽ.] ንህዝብኻ ዚገብሮ ንዓ ኽነግረካ። . . . ካብ ያእቆብ ኰዀብ ኪወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ዘንጊ ኺትንስእ እዩ። ግምባር ሞኣብ፡ ቀረንቀራ ዅሎም ደቂ ህውከት ድማ ብርግጽ ኪሰብር እዩ።” (ዘሁ 24:14-17) ኣብ ፋልማይ ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ፡ ንጉስ ዳዊት ንሞኣባውያን ብምስዓር፡ “ኰዀብ” ከም ዝዀነ ኣርእዩ እዩ። (2ሳሙ 8:2) እምበኣር፡ ኣብ ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ፡ ዳዊት ምስ ነገሰ እዩ እቲ “መወዳእታ መዓልትታት” ጀሚሩ። ዳዊት ጽላሎት እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ብምዃኑ፡ እዚ ትንቢት እዚ ኣብቲ የሱስ ንጸላእቱ ዚስዕረሉ ግዜ እውን ይፍጸም እዩ።—ኢሳ 9:7፣ መዝ 2:8, 9።

6-12 ሰነ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 9-10

“ዳዊት ብተኣማንነት ኣፍቀረ”

w06 15/6 14 ¶6

ብርግጽ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ዳዊት “ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ” ብምባል ጸሓፈ። ቀጺሉ ድማ “እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ . . . ብጹእ ይኸውን” በለ። (መዝሙር 41:1, 2) ዳዊት ነቲ ኣእጋሩ እተጐድአ ወዲ እቲ ፍቑር ዓርኩ ዮናታን ዝነበረ መፊቦሸት ዘርኣዮ ፍቕራዊ ሓልዮት፡ ነቶም ድኻታት ኪህልወና ዘለዎ ቕኑዕ ኣረኣእያ ዜርኢ ኣብነት እዩ።—2 ሳሙኤል 9:1-13

w05 15/5 17 ¶12

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት

9:1, 6, 7 ዳዊት መብጽዓኡ ሓለወ። ንሕናውን ቃልና ንምሕላው ክንጽዕር ኣሎና።

w02 15/2 14 ¶10

ኣብ ስጋኦም ንዘሎ ግራጭ ተጸሚመምዎ ኢዮም

10 ድሕሪ ገለ ዓመታት ንጉስ ዳዊት ካብቲ ንዮናታን ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕሪ ተላዒሉ ንመፊቦሸት ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣርኣዮ። ንዅሉ ንብረት ሳኦል ንዕኡ ሃቦ፡ ነቲ ጊልያ ሳኦል ዝነበረ ጺባ ኸኣ ኣላዪ ርስቲ መሬት ገበሮ። ዳዊት ንመፊቦሸት ‘ንሓዋሩ ኣብ መኣደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ’ እውን በሎ። (2 ሳሙኤል 9:6-10) እቲ ናይ ዳዊት ፍቕራዊ ሕያውነት ንመፊቦሸት ዘጸናንዕ ከም ዝነበረ፡ ነቲ ብምኽንያት ስንክልንኡ ዝስምዖ ዝነበረ ስቓይ ከኣ ከም ዝነከየሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዝስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ትምህርቲ ዀን ኢዩ ዝዀነና! ንሕናውን ነቶም ምስ ኣብ ስጋኦም ዘሎ ግራጭ ዝቃለሱ ሰባት ሕያውነትና ኸነርእዮም ይግብኣና።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 266

ጭሕሚ

ጥንቲ ኣብ ምብራቕ ኣብ ዝነበሩ ሓያሎ ኣህዛብ፡ እንተላይ ኣብ እስራኤላውያን፡ ጭሕሚ ንሰብኣይ ከም ዜማዕርግ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኸኣ፡ “ጭሕሚ ጕንዲ እዝን”ን ወሰን ጭሕምን ከይላጽዩ ዚኽልክል እዩ ነይሩ። (ዘሌ 19:27፣ 21:5) ገሊኦም ኣረማውያን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ልምድታቶም ከምኡ ይገብሩ ብምንባሮም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ተዋሂቡ ኪኸውን ዘለዎ።

13-19 ሰነ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 11-12

“ዘይግቡእ ትምኒት ኪቈጻጸረካ ኣይትፍቀድ”

w21.06 17 ¶10

ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ከተምልጥ ትኽእል ኢኻ!

10 ንጉስ ዳዊት ብስስዐ ተደሪኹ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ሃብትን ዝናን ዓወትን ረሲዕዎ ነይሩ እዩ። ሓደ ግዜ፡ ዳዊት ብምስጋና ተላዒሉ ውህበታት ኣምላኽ “ምጽብጻቡ ዘይከኣል ብዙሕ” ከም ዝዀነ ገሊጹ እዩ። (መዝ. 40:5) ኣብ ካልእ ግዜ ግና፡ ዳዊት ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ረስዖ። ሽዑ፡ በቲ ዘለዎ ኣይዓገበን፣ ዝያዳ ኸኣ ደለየ። ብዙሓት ኣንስቲ እኳ እንተ ነበራኦ፡ ኣብ ልቡ ንሰበይቲ እንዳ እማቱ ዘይግቡእ ትምኒት ኣሕደረ። እታ ሰበይቲ ባትሴባ እያ ነይራ፣ ሰብኣያ ድማ ኡርያ እቲ ሔታዊ እዩ ነይሩ። ዳዊት ብስስዐ ተደሪኹ ምስ ባትሴባ ደቀሰ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። እቲ ዝሙት ከይኣኽሎ ድማ፡ ንኡርያ ኣቕተሎ! (2 ሳሙ. 11:2-15) ዳዊት እንታይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ፧ የሆዋ ነዚ ኺርኢ ኸም ዘይክእል ድዩ ዚሓስብ ነይሩ፧ እዚ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ሰብ ብስስዐ ተሰኒፉ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ዓጺዱ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ብኣጋኡ ጌጋኡ ተኣሚኑን ተነሲሑን እዩ። ሞገስ የሆዋ ዳግም ብምርካቡ ኸኣ፡ ብዙሕ ኣመስጊኑ እዩ።—2 ሳሙ. 12:7-13።

w19.09 17 ¶15

ንየሆዋ ኣዚና ንገዝኣዮ—ስለምንታይን ብኸመይን፧

15 የሆዋ ንዳዊት ኣብ ስድራ ቤቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ብዘሎ ህዝቢ እስራኤል እውን ርእሲ ገይሩ ሸይምዎ እዩ። ዳዊት ንጉስ ብምንባሩ፡ ብዙሕ ስልጣን እዩ ነይርዎ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ተጠቒሙሉን ከቢድ ጌጋታት ገይሩን እዩ። (2 ሳሙ. 11:14, 15) ተግሳጽ ብምቕባል ግና፡ ንየሆዋ ኸም ዚግዝኦ ኣርእዩ እዩ። ልቡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣፍሲሱ እዩ። ምኽሪ የሆዋ ንምሕላው እውን ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። (መዝ. 51:1-4) ትሑት ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ሰብኡት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣንስቲ እውን ጽቡቕ ምዕዶ ይቕበል ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 19:11, 12፣ 25:32, 33) ዳዊት ካብ ጌጋታቱ ተማሂሩ እዩ፣ ህይወቱ ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዜተኵር ገይሩ እዩ።

w18.06 17 ¶7

ንሕልናኻ ብሕግታትን ብስርዓታትን ኣምላኽ ኣሰልጥኖ

7 ሕግታት ኣምላኽ ምጥሓስ ዜስዕቦ ጕድኣት ክንፈልጥ ኢልና ነቲ ሕግታት ክንጥሕሶን ሕማቕ ሳዕቤን ክንዓጽድ ኣየድልየናን እዩ። የግዳስ፡ ካብቶም በደሎም ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ሰባት ዝገበርዎ ጌጋታት ክንምሃር ንኽእል ኢና። ምሳሌ 1:5፡ “ጥበበኛ ሰሚዑ ትምህርቲ ይውስኽ” ይብለና። እወ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ናይ ሓቂ ዛንታታት ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ካብ የሆዋ ብሉጽ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዳዊት ትእዛዝ የሆዋ ጥሒሱ ምስ ባትሴባ ምስ ዘመወ ዘጋጠሞ ጸገማት ክንሓስብ ንኽእል ኢና። (2 ሳሙ. 12:7-14) ነዚ ጸብጻብ እዚ ኸነንብቦን ከነስተንትነሉን ከለና፡ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና፦ ‘ንጉስ ዳዊት ካብቲ ብሰንኪ እቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት ዘጋጠሞ ጓሂ ልቢ ኺናገፍ ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ተመሳሳሊ ፈተና እንተ ደኣ ኣጋጢሙኒ፡ ካብቲ ፈተና ኽርሕቕ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ከም ዮሴፍ እሃድም ድየ ወይስ ከም ዳዊት ኢደይ እህብ እየ፧’ (ዘፍ. 39:11-15) ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኼጋጥመና ዚኽእል ሕማቕ ሳዕቤን ምስ እንሓስብ፡ ልብና ብዝያዳ ‘ኽፉእ ዘበለ ኺጸልእ’ እዩ።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 590 ¶1

ዳዊት

የሆዋ ግና ይርእዮ ነበረ፣ ንዅሉ እቲ ጉድ ድማ ቀልዖ። የሆዋ ንጕዳይ ዳዊትን ባትሴባን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ብሰብኣውያን ፈራዶ ኺትሓዝ እንተ ዚፈቅድ ነይሩ፡ ክልቲኦም ኣበስቲ ምተቐትሉ፣ እቲ ብዝሙት እተጠንሰ ዘይተወልደ ዕሸል እውን ምስ ኣዲኡ ምሞተ። (ዘዳ 5:18፣ 22:22) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ሓዞ፡ ንዳዊት እውን ምሕረት ገበረሉ፣ ከምኡ ንምግባር ዝደረኾ ኸኣ፡ ስለቲ ኺዳን መንግስትን (2ሳሙ 7:11-16) ዳዊት ኣቐዲሙ ምሕረት ብምግባሩን (1ሳሙ 24:4-7፣ ምስ ያእ 2:13 ኣረኣኢ) እቶም ኣበስቲ ኸም እተነስሑ ስለ ዝረኣየን እዩ። (መዝ 51:1-4) ኰይኑ ግና፡ ካብ ኵሉ መቕጻዕቲ ኣየምለጡን። ስለዚ፡ የሆዋ ብነብዪ ናታን ኣቢሉ ንዳዊት፡ “እንሆ፡ ካብ ውሽጢ ቤትካ መዓት ከምጽኣልካ እየ” በሎ።—2ሳሙ 12:1-12።

20-26 ሰነ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 13-14

“ርእሰ ፍትወት ኣምኖን ሓዘን ኣስዓበ”

it-1 32

ኣቤሴሎም

ቅትለት ኣምኖን። ታማር ሓብቲ ኣቤሴሎም መልክዐኛ ስለ ዝነበረት፡ ኣምኖን ሓው ኣቤሴሎም ምስኣ ፍቕሪ ሓዞ። ስለዚ ድማ፡ ከም ዝሓመመ መሲሉ ደቀሰ እሞ፡ ንሳ ናብ ቤቱ ኸም እትመጽእ ምስ ገበረ፡ ብሓይሊ ዓመጻ። ድሕርዚ ግና፡ እቲ ወሲባዊ ፍቕሩ ናብ ንዕቀት ዝመልኦ ጽልኢ ተቐየረ፣ ንታማር እውን ናብ ግዳም ኣውጺኡ ሰጐጓ። ታማር ከኣ ነቲ ደናግል ኣዋልድ ንጉስ ዚኽደናኦ ዝነበራ ወለል ዚብል ክዳና ቐደደቶ፡ ሓምዅሽቲ እውን ኣብ ርእሳ ነስነሰት፣ ድሕርዚ፡ ምስ ኣቤሴሎም ሓዋ ተራኸበት። ንሱ ድማ ንኣምኖን ይጥርጥሮ ኸም ዝነበረ ብኡብኡ ተዛረበ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ትምኒት ሓዉ ይጥርጥር ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣቤሴሎም ንሓብቱ፡ ክሲ ዚብሃል ከይትምስርት ተዛረባ፣ ኣብ ቤቱ እውን ትነብር ነበረት።—2ሳሙ 13:1-20።

w17.09 5 ¶11

ርእሰ ግትኣት ኣማዕብል

11 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ምንዝር ኪፍጽሙ ንዝቐረበሎም ፈተና ዘይተቓወምዎ ሰባት ይገልጽ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ርእሶም ብዘይምግታኦም እንታይ ሳዕቤን ከም ዝዓጸዱ እውን ይገልጽ እዩ። ከም ናይ ኪም ዓይነት ፈተና ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 7 እተገልጸ ዓሻ ወዲ ዘጋጠሞ ዅነታት ክትሓስብ ኣሎካ። ብዛዕባ እቲ ኣምኖን ዝወሰዶ ስጕምትን እቲ ሕማቕ ተግባሩ ዝነበሮ ሳዕቤንን እውን ሕሰብ። (2 ሳሙ. 13:1, 2, 10-15, 28-32) ወለዲ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ነዞም ዝጠቐስናዮም ኣብነታት ብምጥቃም፡ ንውሉዳቶም ፍቕራዊ ርክብ ብምምስራት ዝመጸ ርእሰ ግትኣትን ጥበብን ኬጥርዩ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።

it-1 33 ¶1

ኣቤሴሎም

ክልተ ዓመት ሓለፈ። ኣባጊዕ ዚቕምቀማሉ እዋን ኣኸለ፣ ኣቤሴሎም ከኣ ካብ የሩሳሌም ብሰሜናዊ ምብራቕ 22 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ በዓል-ሓጾር ድግስ ገበረ፣ ንደቂ ንጉስን ንዳዊትን እውን ዓደሞም። ኣቦኡ ዳዊት ኪመጽእ ከም ዘይክእል ምስ ነገሮ፡ ኣብ ክንዳኡ ነቲ በዅሪ ዝዀነ ኣምኖን ኪሰድዶ ግዲ በሎ። (ምሳ 10:18) ኣብቲ ድግስ፡ “ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሓጐሰ፡” ኣቤሴሎም ንገላዉኡ፡ ንኣምኖን ኪቐትልዎ ኣዘዞም። ድሕርዚ፡ እቶም ዝተረፉ ደቂ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ፣ ኣቤሴሎም ከኣ ናብታ ብምብራቕ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ መንግስቲ ጌሹር ከደ፡ ምስቲ ሶርያዊ ኣቦሓጎኡ እውን ኪነብር ጀመረ። (2ሳሙ 13:23-38) እቲ ብነብዪ ናታን ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ “ሰይፊ” ኣብ “ቤት” ዳዊት ኣተወ፡ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እውን ካብ ቤቱ ኣየልገሰን።—2ሳሙ 12:10።

መንፈሳዊ ሃብቲ

g04 22/12 8-9

ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ዓይነት ጽባቐ

ብኣንጻሩ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ሓደ ኻብ ደቂ ዳዊት ዝነበረ ኣቤሴሎም እስከ ንርአ። ትርኢቱ ዜቕንእ እኳ እንተ ነበረ፡ ክፉእ ሰብ እዩ ዀይኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ኣብ ኵሉ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብጽባቐ ትርኢቱ ኣዝዩ እተወደሰ ሰብ ኣይነበረን። ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳብ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን” ይብል። (2 ሳሙኤል 14:25) ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ህርፋን ስልጣን፡ ካብ ኣቦኡ ዓለወ፡ ዝፋን እውን መንዝዐ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ ዓመጸ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ነደደ፡ ብዜሳቒ መገዲ እውን ሞተ።—2 ሳሙኤል 15:10-14፣ 16:13-22፣ 17:14፣ 18:9, 15።

እሞ ደኣ ንኣቤሴሎምሲ ትፈትዎዶ፧ ዚፈትዎ መሸም የሎን። ስለምንታይሲ፡ ዚጽላእ ባህርያት እዩ ነይርዎ። እቲ ብሉጽ ኣካላዊ ጽባቐኡ ንትምክሕቱን ንጥልመቱን ኪሽፍኖ ኣይከኣለን፣ ካብ ጥፍኣት እውን ኣየድሓኖን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣካላዊ ትርኢቶም ዋላ ሓንቲ ዘይተባህለሎም፡ ብዙሓት ለባማትን ተፈተውትን ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። እምበኣር፡ ውሽጣዊ ጽባቐ እዩ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ።

27 ሰነ–3 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ሳሙኤል 15-17

“ኣቤሴሎም ብትዕቢት ዓለወ”

it-1 860

ቅድሚት ዚጐዪ

ኣብ ባህሊ ምብራቓውያን፡ ጐየይቲ ቐቅድሚ ሰረገላ ንጉስ እናጐየዩ ብዛዕባ ምምጻእ ንጉስ ንሰባት የዳልዉን የፍልጡን፡ ከምኡ እውን ንንጉስ ይሕግዝዎ ነበሩ። (1ሳሙ 8:11) ኣቤሴሎምን ኣዶንያን ነዚ ንንጉስ ዚውሃብ ክብሪ ብምቕዳሕ፡ እቲ ዕልወቶም ክብርን ተቐባልነትን ከም ዘለዎ ንምምሳል፡ ቀቅድሚ ሰረገላኦም ዚጐይዩ 50 ጐየይቲ ገይሮም ነበሩ።—2ሳሙ 15:1፣ 1ነገ 1:5፣ ኣብ “ጐየይቲ” ርአ።

w12 15/7 13 ¶5

ንኣምላኽ ሓርነት ኣገልግሎ

5 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ካልኦት ሕማቕ ጽልዋ ዘሕደሩ ሰባት ዚገልጽ ሓያሎ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት እዩ። ኣቤሴሎም ኣዝዩ ምልኩዕ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ግዜያት ግና፡ ንሱ እውን ከም ሰይጣን ኣብ ልቡ ሕማቕ ትምኒት ኬሕድር ጀመረ። ንጉስ ኪኸውን መሰል እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ንሱ ግና ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪወርስ ተመነየ። ነቲ ዝፋን እቲ መንዚዑ ምእንቲ ኺነግስ ድማ፡ ነቶም ህዝቢ ኺሕግዞም ከም ዚደሊ፡ ኣቦኡ ግና ቍሊሕ ከም ዘይብሎም ገይሩ ኣእመኖም። እወ፡ ልክዕ ከምቲ ድያብሎስ ኣብ ገነት ኤድን ዝገበሮ፡ ኣቤሴሎም ሓላዪ መሲሉ ብምቕራብ፡ ንኣቦኡ ብሓሶት ኣጸለሞ።—2 ሳሙ. 15:1-5።

it-1 1083-1084

ኬብሮን

ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ናብ ኬብሮን ተመልሰ፣ ኣብኣ ድማ ንግስና ኣቦኡ ንምምንዛዕ ዘይዕዉት ጻዕሪ ጀመረ። (2ሳሙ 15:7-10) ኣቤሴሎም ኣብቲ ዝፋን ንምምንዛዕ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ንኬብሮን ከም መንቀሊኡ ኽትኰኖ ሓረያ። ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንሳ ኸም ርእሲ ኸተማ ይሁዳ መጠን ታሪኻዊ ኣገዳስነት ስለ ዝነበራን ንሱ ዝዓበየላ ኸተማ ብምንባራን እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ጸኒሑ፡ ንጉስ ሮብዓም ወዲ ወዱ ንዳዊት፡ ንኬብሮን ዳግም ሃነጻ። (2ዜና 11:5-10) ባቢሎናውያን ንይሁዳ ምስ ኣባደምዋን ምሩኻት ኣይሁድ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱን፡ ገሊኦም ኣይሁድ ኣብ ኬብሮን (ቂርያት-ኣርባዕ) ሰፈሩ።—ነህ 11:25።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w18.08 6 ¶11

ቅኑዕ ሓበሬታ ኣሎካ ድዩ፧

11 ብደረጃ ውልቀ ሰብ እውን፡ ብዛዕባና እተወሰነ ሓቅነት ጥራይ ዘለዎ ወይ ዘይተማልአ ሓበሬታ ኺዝርጋሕ ከሎ ኽንጕዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ መንጎ ንጉስ ዳዊትን መፊቦሸትን ዘጋጠመ ዅነታት እሞ ሕሰብ። ዳዊት ንመፊቦሸት ብልግስን ብለውሃትን ተደሪኹ ንዅሉ እቲ ናይ ኣቦሓጎኡ ሳኦል ዝነበረ መሬት መሊሱሉ ነበረ። (2 ሳሙ. 9:6, 7) ጸኒሑ ግና፡ ንዳዊት ብዛዕባ መፊቦሸት ሕማቕ ወረ በጽሖ። ነቲ ነገር ከየጻረየ ኸኣ፡ ንዅሉ ንብረት መፊቦሸት ወሲዱ ንኻልእ ሰብ ሃቦ። (2 ሳሙ. 16:1-4) ደሓር ግና፡ ዳዊት ምስ መፊቦሸት ምስ ተዘራረበ፡ ከም እተጋገየ ፈለጠ፣ ፍርቂ ንብረቱ ኸኣ መለሰሉ። (2 ሳሙ. 19:24-29) ይኹን እምበር፡ ዳዊት ኣብቲ ዝረኸቦ ዘይተማልአ ሓበሬታ ተመርኲሱ ስጕምቲ ኣብ ክንዲ ዚወስድ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ኺረክብ እንተ ዚጽዕር ነይሩ፡ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣይምገበረን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ