ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ሓምለ ገጽ 11
  • ንሓጐስ ስድራ ቤትካ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓጐስ ስድራ ቤትካ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ኣደ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ተግሳጽ—መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ሓምለ ገጽ 11
ስእልታት፦ “ኣብ ስድራ ቤትካ ሓጐስ ኣማዕብል” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። 1. ወለዲ ብሓባር ኬክ ኪበልዑ ኸለዉ ደቆም ይርእያ። 2. እተን ደቆም ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት ይስሕቃ። 3. እታ ሓንቲ ጓሎም ሓሚማ ኣብ ሶፋ ንዝደቀሰት ኣዲአን ትርእያ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ንሓጐስ ስድራ ቤትካ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

የሆዋ፡ ስድራ ቤታት ሕጉሳት ኪዀና ይደልየን እዩ። (መዝ. 127:3-5፣ መክ 9:9፣ 11:9) ይኹን እምበር፡ ሓጐስና ብሰንኺ ጭንቀት እዛ ዓለም እዚኣን ብጌጋታት ኣባላት ስድራ ቤትን ኪዝረግ ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ንሓጐስ እንታይ እጃም ኬበርክት ይኽእል፧

ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኬኽብራ ኣለዎ። (1ጴጥ 3:7) ምስኣ ግዜ የሕልፍ። ኣብ ክውንነት እተመስረተ ትጽቢት ይህልዎ። ነቲ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን እትገብረሎም ነገራት ድማ የማስወሉ እዩ። (ቈሎ 3:15) ፍቕሩ ይገልጸላ ይውድሳ ድማ።—ምሳ 31:28, 31።

ሓንቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ እትድግፈሉ መገድታት ተናዲ። (ምሳ 31:12) ትግዝኦን ትተሓባበሮን እያ። (ቈሎ 3:18) ንዕኡን ብዛዕባኡን ብለውሃት ትዛረብ።—ምሳ 31:26.

ወለዲ ምስ ደቆም ግዜ የሕልፉ። (ዘዳ 6:6, 7) ከም ዜፍቅርዎም ይነግርዎም። (ማቴ 3:17) ኪግስጽዎም ከለዉ ኸኣ ብፍቕርን ብምስትውዓልን ኪገብርዎ ኣለዎም።—ኤፌ 6:4።

ውሉዳት ንወለዶም የኽብርዎምን ይእዘዝዎምን እዮም። (ምሳ 23:22) ንወለዶም ብዛዕባ ሓሳቦምን ስምዒቶምን ይነግርዎም እዮም። ካብ ወለዶም ተግሳጽ ይቕበሉን ኣኽብሮት የርእዩን እዮም።—ምሳ 19:20።

ነታ ኣብ ስድራ ቤትካ ሓጐስ ኣማዕብል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

• ነፍሰ ወከፍ ሰብ ኣብ ስድራ ቤቱ ሓጐስ ምእንቲ ኼበርክት እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ