እዮብ ትሕዝቶ 1 ንጽህናን ሃብትን እዮብ (1-5) ሰይጣን ንውሽጣዊ ድራኸ እዮብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ (6-12) እዮብ ንብረቱን ደቁን ሰኣነ (13-19) እዮብ ንኣምላኽ ኣይወቐሰን (20-22) 2 ሰይጣን መሊሱ ንውሽጣዊ ድራኸ እዮብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ (1-5) ሰይጣን ንሰብነት እዮብ ኪወቅዕ ተፈቕደሉ (6-8) ሰበይቲ እዮብ፡ “ንኣምላኽ ግዳ ረጊምካ ሙት!” በለቶ (9, 10) ሰለስተ ብጾት እዮብ መጹ (11-13) 3 እዮብ ብልደቱ ሓዘነ (1-26) ስለምንታይ መከራ ይወርዶ ኸም ዘሎ ሓተተ (20, 21) 4 ቀዳማይ ዘረባ ኤሊፋዝ (1-21) ንንጽህና እዮብ ኣላገጸሉ (7, 8) መልእኽቲ ሓደ መንፈስ ኣመሓላለፈ (12-17) ‘ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኣይኣምኖምን’ (18) 5 ቀዳማይ ዘረባ ኤሊፋዝ ይቕጽል (1-27) ‘ኣምላኽ ንጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም’ (13) ‘እዮብ፡ ተግሳጽ ኣምላኽ ኪነጽግ የብሉን’ (17) 6 ምላሽ እዮብ (1-30) ኬማርር ምኽንያት ከም ዘለዎ ገለጸ (2-6) መጸናናዕቱ ጠለምቲ እዮም (15-18) “ቅኑዕ ቃላት ዜሳቒ ኣይኰነን!” (25) 7 ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-21) ህይወት ከም ግዴታዊ ሸቕሊ (1, 2) “ስለምንታይ ኢኻ ዕላማኻ ዝገበርካኒ፧” (20) 8 ቀዳማይ ዘረባ ቢልዳድ (1-22) ደቂ እዮብ ከም ዝሓጥኡ ኣመተ (4) ‘ንጹህ እንተ ትኸውን፡ ኣምላኽ መዕቈበካ’ (6) ንእዮብ፡ ኣምላኽ ኸም ዘይብሉ ኣመተ (13) 9 ምላሽ እዮብ (1-35) መዋቲ ሰብ ምስ ኣምላኽ ኪማጐት ኣይክእልን (2-4) ‘ኣምላኽ ዘይምርመር ነገራት ይገብር’ (10) ምስ ኣምላኽ ኪማጐት ዚኽእል የልቦን (32) 10 ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-22) ‘ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ዚብኣሰኒ፧’ (2) ኣብ መንጎ ኣምላኽን እቲ መዋቲ እዮብን ዘሎ ፍልልይ (4-12) ‘ገለ ራህዋ እርከብ’ (20) 11 ቀዳማይ ዘረባ ሶፋር (1-20) ንእዮብ ባዶ ዘረባ ኸም እተዛረበ ገይሩ ኸሰሶ (2, 3) ንእዮብ ካብ እከይ ኪርሕቕ ነገሮ (14) 12 ምላሽ እዮብ (1-25) “ካባኻትኩም ኣይሓምቕን እየ” (3) “መስሓቒ ዀይነ ኣለኹ” (4) ‘ኣብ ኣምላኽ ጥበብ ኣሎ’ (13) ኣምላኽ ልዕሊ ፈራዶን ነገስታትን እዩ (17, 18) 13 ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-28) ‘ንኣምላኽ ክዛረቦ ይሕሸኒ’ (3) “ዘይትጠቕሙ ሓካይም ኢኹም” (4) “ቅኑዕ ከም ዝዀንኩ እፈልጥ እየ” (18) ‘ስለምንታይ ከም ጸላኢኻ እትቘጽረኒ፧’ (24) 14 ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-22) ሰብ ሓጺር ዝዕድሚኡን ሽግር ዝመልኦን (1) “ኦም እኳ ተስፋ ኣለዎ” (7) “ኣየ፡ ኣብ መቓብር እንተ ትሓብኣኒ” (13) “ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧” (14) ኣምላኽ ንተግባር ኣእዳዉ ኺናፍቕ እዩ (15) 15 ካልኣይ ዘረባ ኤሊፋዝ (1-35) ንእዮብ፡ ‘ንስኻ ንኣምላኽ ኣይትፈርሆን’ በሎ (4) ብዛዕባ እዮብ፡ ተዳፋሪ ኸም ዝዀነ ተዛረበ (7-9) ‘ኣምላኽ ንቕዱሳቱ ኣይኣምኖምን’ (15) ‘እኩይ እዩ ዚሳቐ’ (20-24) 16 ምላሽ እዮብ (1-22) “እተሸግሩ መጸናናዕቲ ኢኹም!” (2) ‘ኣምላኽ ዕላማኡ ገይሩ ኣቚሙኒ’ በለ (12) 17 ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-16) “መላገጽቲ ይኸብቡኒ” (2) “መመሰሊ ገይሩኒ” (6) “መቓብር ቤተይ ኪኸውን እዩ” (13) 18 ካልኣይ ዘረባ ቢልዳድ (1-21) ግደ ሓጥኣን (5-20) ብዛዕባ እዮብ፡ ንኣምላኽ ከም ዘይፈልጦ ኣመተ (21) 19 ምላሽ እዮብ (1-29) ነቲ ኻብ “ፈተውቱ” ዝመጾ መግናሓቲ ኣይተቐበሎን (1-6) ከም እተሓድገ ተዛረበ (13-19) “ተበጃውየይ ህያው ምዃኑስ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ” (25) 20 ካልኣይ ዘረባ ሶፋር (1-29) ብእዮብ ከም እተጸርፈ ተዛረበ (2, 3) ብዛዕባ እዮብ፡ እኩይ ምዃኑ ኣመተ (5) ብዛዕባ እዮብ፡ ብሓጢኣት ባህ ከም ዚብሎ ተዛረበ (12, 13) 21 ምላሽ እዮብ (1-34) ‘ስለምንታይ እዮም እኩያት ዚብልጽጉ፧’ (7-13) “ንመጸናናዕቱ” የቃልዖም (27-34) 22 ሳልሳይ ዘረባ ኤሊፋዝ (1-30) ‘ሰብዶ ንኣምላኽ ኪረብሖ ይኽእል እዩ፧’ (2, 3) ንእዮብ ብስስዐን ብግፍዕን ከሰሶ (6-9) ‘ናብ ኣምላኽ ተመለስ እሞ ዳግም ክትህነጽ ኢኻ’ (23) 23 ምላሽ እዮብ (1-17) ነገሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኬቕርብ ደለየ (1-7) ንኣምላኽ ኪረኽቦ ኸም ዘይክእል ተዛረበ (8, 9) ‘ከየላገስኩ መገዱ ሓልየ’ (11) 24 ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-25) ‘ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ግዜ ዘይውስን፧’ (1) ብዛዕባ ኣምላኽ፡ እከይ ከም ዚፈቅድ ይዛረብ (12) ሓጥኣን ጸልማት ይፈትዉ (13-17) 25 ሳልሳይ ዘረባ ቢልዳድ (1-6) ‘ሰብ ከመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧’ (4) ንጽህና ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይዛረብ (5, 6) 26 ምላሽ እዮብ (1-14) “ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኸመይ ሓጊዝካዮ!” (1-4) ‘ኣምላኽ ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ’ (7) ‘እዚ ጫፍ መገዲ ኣምላኽ ጥራይ እዩ’ (14) 27 እዮብ ንጽህናኡ ኺሕሉ ቘረጸ (1-23) “ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ” (5) እቲ ኣምላኽ ዘይብሉ ተስፋ የብሉን (8) ‘ዘረባኹም ባዶ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧’ (12) እኩይ ሓንቲ ዘይብሉ ይተርፍ (13-23) 28 እዮብ ንመዛግብቲ ምድሪ ምስ ጥበብ ኣነጻጸሮ (1-28) ሰብ ዚገብሮ ጻዕርታት ዕደና (1-11) ጥበብ ካብ ሉላት ትበልጽ (18) ፍርሃት የሆዋስ ጥበብ እዩ (28) 29 እዮብ ቅድሚ ፈተናታቱ ዝነበረ መዓልትታት ሓጐስ ይዝክር (1-25) ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ይኽበር ነበረ (7-10) ብፍትሒ ይመላለስ ነበረ (11-17) ኵሎም ንምኽሩ ይሰምዑ ነበሩ (21-23) 30 እዮብ ነቲ እተቐየረ ዅነታቱ ገለጾ (1-31) ዘይረብሑ ሰባት ኣላገጹሉ (1-15) ኣምላኽ ዘይረድኦ ይመስሎ (20, 21) “ቈርበተይ ጸሊሙ” (30) 31 እዮብ ንንጽህናኡ ተጣበቐላ (1-40) “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታትየ” (1) ብኣምላኽ ኪምዘን ሓተተ (6) ዘማዊ ኸም ዘይኰነ ተዛረበ (9-12) ፈታው ገንዘብ ከም ዘይኰነ ተዛረበ (24, 25) ኣምላኺ ጣኦት ከም ዘይኰነ ተዛረበ (26-28) 32 ኤሊሁ ኣብቲ ምይይጥ ኪሳተፍ ጀመረ (1-22) ንእዮብን ንብጾት እዮብን ተቘጥዖም (2, 3) ቅድሚ ምዝራቡ ብኣኽብሮት ተጸበየ (6, 7) ዕድመ ጥራይ ጥበበኛ ኣይገብርን (9) ኤሊሁ ኺዛረብ ተሃንጠየ (18-20) 33 ኤሊሁ ንእዮብ፡ ርእሱ ስለ ዘጽደቐ ገንሖ (1-33) በጃ ተረኽበ (24) ናብ ንእስነት ምምላስ (25) 34 ኤሊሁ፡ ኣምላኽ ፍትሓውን መገድታቱ ቕኑዕን ምዃኑ ኣረጋገጸ (1-37) እዮብ፡ ‘ኣምላኽ ፍትሒ ኸሊኡኒ’ በለ (5) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጠሪሱ እከይ ኣይገብርን (10) እዮብ ፍልጠት ጐዲልዎ ኣሎ (35) 35 ኤሊሁ ነቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዮብ ኣቃልዖ (1-16) እዮብ፡ ‘ካብ ኣምላኽ እጸድቕ’ በለ (2) ኣምላኽ ኣዝዩ ልዑል፡ ብሓጢኣት ዘይጽሎ እዩ (5, 6) እዮብ ንኣምላኽ ኪጽበዮ ይግባእ (14) 36 ኤሊሁ ንኣምላኽ ስለቲ ዘይምርመር ዕቤቱ ወደሶ (1-33) እዙዛት ይብልጽጉ፣ ኣምላኽ ዘይብሎም ይድርበዩ (11-13) ‘ከም ኣምላኽ ዝበለ መምህር መን እዩ፧’ (22) እዮብ ንኣምላኽ ኬዕብዮ ኣለዎ (24) “ኣምላኽ ካብቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ይዓቢ” (26) ኣምላኽ ንዝናምን ንበርቅን ይቈጻጸሮ (27-33) 37 ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት፡ ዕቤት ኣምላኽ ይገልጽ (1-24) ኣምላኽ ንተግባር ሰብ ደው ኬብሎ ይኽእል (7) ‘ነቲ ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ሕሰቦ’ (14) ሰባት ንኣምላኽ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም (23) ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ኺመስሎ ኣይግባእን (24) 38 የሆዋ፡ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ንእሽቶ ምዃኑ ይምህር (1-41) ‘ምድሪ ኽትፍጠር ከላ፡ ኣበይ ኔርካ፧’ (4-6) ደቂ ኣምላኽ ብናእዳ ጨዲሮም (7) ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ተርእዮታት ዝቐረበ ሕቶታት (8-32) “ንሰማያት ዜመሓድር ሕግታት” (33) 39 ፍጥረት እንስሳ፡ ድንቍርና ሰብ የርኢ (1-30) ወይጠልን እራብን (1-4) ኣድጊ በረኻ (5-8) ጐባይ (9-12) ሰገን (13-18) ፈረስ (19-25) ተገዳር ሓረስታይን ንስርን (26-30) 40 ካብ የሆዋ ዝቐረበ ተወሳኺ ሕቶታት (1-24) እዮብ ዚብሎ ኸም ዘይብሉ ተኣመነ (3-5) “ንፍትሐይዶ ኣብ ሕቶ ኸተእትዎ ኢኻ፧” (8) ኣምላኽ ብዛዕባ ብርታዐ ብሄሞት ገለጸ (15-24) 41 ኣምላኽ ነቲ ዜደንቕ ሌዋታን ገለጾ (1-34) 42 እዮብ ንየሆዋ ዝሃቦ ምላሽ (1-6) እቶም ሰለስተ ብጾቱ ተዀነኑ (7-9) የሆዋ ንእዮብ ብልጽግናኡ መለሰሉ (10-17) ኣወዳትን ኣዋልድን እዮብ (13-15)