ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g99 8/10 ገጽ 3
  • ምቝራጽ መሓውር ከጋጥመካ ይኽእል ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምቝራጽ መሓውር ከጋጥመካ ይኽእል ድዩ፧
  • ንቕሑ!—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምቝራጽ መሓውር ነቲ ሓደጋ ክትንክየሉ እትኽእል መገዲ
    ንቕሑ!—1999
  • እተቐብረ ነተጕቲ ንዘምጽኦ ሳዕቤን ምምዛኑ
    ንቕሑ!—2001
  • መሓውርካ ተቘሪጹ ኸሎ ሕጉስ ናብራ ምንባር
    ንቕሑ!—1999
  • ሞት—ሕቶ ሓንቲ ስጕሚ
    ንቕሑ!—2001
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—1999
g99 8/10 ገጽ 3

ምቝራጽ መሓውር ከጋጥመካ ይኽእል ድዩ፧

ቤንጃሚን ኣብ ከተማ ሳራየቮ ኣብ እዋን ጽድያ ጸሓይ እናተጸልወ ሸናዕ ክብል ከሎ ኣብ መሬት እተቐብረ ነታጒ ረገጸ እሞ ጸጋመይቲ እግሩ ተቘርጸት። ቤንጃሚን “ክትስእ ፈተንኩ ግን ኣይክኣልኩን ” ብምባል ይዝክር። ቤንጃሚን ሓደ ካብቶም ኣብ ዓመት ብምኽንያት ነታጒ ዝሞቱ ወይ ዝስንክሉ 20,000 ሰባት ኢዩ።

ኣንጐላ 15 ሚልዮን ዝበጽሕ ነተጒቲ ተቐቢሩላ ይርከብ። እዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ: ሰበይቲ: ቈልዓ ካብ ሓደ ንላዕሊ ይበጽሖ። ሕጂ ኣንጐላ መሓውሮም እተቘርጹ 70,000 ዝኣኽሉ ሰባት ይርከብዋ። እታ ካብ ሸሞንተ ሚልዮን ክሳዕ ዓሰርተ ሚልዮን ዝበጽሕ እተቐብረ ነተጕቲ ዘለዋ ካምቦድያ ኸኣ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ መሓውሮም እተቘርጹ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ይርከብዋ​—⁠ብገምጋም ካብ 236 ሰባት ሓደ እተቘርጸ ኢዩ። ቦዝንያን ሄርዞጎቪንያን ካብ ሰለስተ ሚልዮን ንላዕሊ እተቐብረ ነተጒቲ ይርከበን። እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪሎ ሜተር 59 ነተጒቲ ተቐቢሩ ኣሎ ማለት ኢዩ።

ይኹን እምበር: ሰባት መሓውሮም ዝቝረጽ ኣብተን ዓውዲ ውግእ ዝዀና ሃገራት ጥራይ ኣይኰነን። ንኣብነት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዳርጋ 400,000 ዝዀኑ መሓውሮም እተቘርጹ ሰባት ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም መብዛሕትኦም ዓበይቲ: መሓውሮም ንኽቝረጽ ምኽንያት ዝዀነ ሕዱር ሕማም ክኸውን ከሎ ብልምዲ “ፔሪፈራል ቫስኩላር ዲዝዝ ” ወይ ከኣ ፒቪዲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ንእተፈላለየ ዓይነት ሕማም ዘጠቓልል ሓፈሻዊ መጸውዒ ኢዩ። ቴበርስ ሳይክሎፔዲክ ሜዲካል ዲክሽነሪ ንፒቪዲ ክገልጾ ኸሎ “ንሕማማት ናይቶም ካብ ልቢ ናብ መሓውር ካብ መሓውር ከኣ ናብ ልቢ ደም ዘመሓላልፉ ሰራውር: ብፍላይ ከኣ ምስቶም ካብ መሓውር ወይ ናብ መሓውር እኹል ደም ዘመሓላልፉ ሰራውር እተተሓሓዘ ኵነታት” ንምግላጽ ዝውዕል ልምዳዊ መጸውዒ ስም ይብሎ። ናይ ፒቪዲ ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ሽኮርያ ኢዩ። ብመሰረት ዘ ዎርልድ ሄልዝ ሪፖርት 1998 “ኣብ ዓበይቲ ዝርአ ሕማም ሽኮርያ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዕጽፊ ንላዕሊ ክኸውን ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ 1997 ሽኮርያ ዝሓዞም ሰባት 143 ሚልዮን ክኸውን ከሎ ክሳዕ 2025 ናብ 300 ሚልዮን ክበጽሕ ኢዩ።”

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካልኣይ ጠንቂ ምቝራጽ መሓውር ናይ ምቝሳል ሓደጋ ክኸውን ከሎ: ካብቲ ኵሉ ምቝራጻት ካብ 20 ክሳዕ 30 ሚእታዊት ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ብመጓዓዝያ: ማሽነሪ: ሓይሊ ኤለክትሪክ: ወይ ብኣጽዋር ውግእ ዝስዕብ መቝሰልቲ ዘጠቓልል ኢዩ። ካልእ ጠንቂ ምቝራጽ መሓውር ከኣ (6 ሚእታዊት ኣቢሉ) ኣብ ኣካላት ዝወጽእ ጥረ ከምኡውን (4 ሚእታዊት ኣቢሉ) ብትውልዲ ዝመጽእ ሕማማት ዘጠቓልል ኢዩ።

እቲ ክቡር ዝዀነ መሓውር ይትረፍዶ ክቝረጽሲ ክትሓስቦ ጥራይ እኳ ኣዝዩ ዘጨንቕ ኢዩ። እቲ ሓደጋ እቲ ከም ዝንኪ ክንገብረሉ እንኽእል ገለ መገድታት ኣሎዶ፧ ድሮ መሓውርካ እተቘርጸ እንተድኣ ዀይኑኸ ብኸመይ ኢኻ ሕጉስ ህይወት ከተስተማቕር እትኽእል፧ ኣብዚ ዝስዕብ ዓንቀጻት ብዛዕባ እዝን ካልእ ሕቶታትን ክዝረበሉ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ