ሞት—ሕቶ ሓንቲ ስጕሚ
“ሓድሓደ ግዜ እንደገና ክልተ ኣእጋር ዘሎኒ ዀይኑ ይስምዓኒ። . . . ዓመታት ይገብር ንእሽቶ ኸለኹ: ኣብ ጥቓ ገዛና ምስ መሓዙተይ ክጻወት ከድኩ። ሃንደበት ሓደ ነገር ‘ቡም’ በለ። . . . የማነይቲ እግረይ ብምልእታ ኸኣ ተቘርጸት።”—ጓል 12 ዓመት ሶን ኮሳል: ካምቦድያ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብገምጋም 70 ዝዀኑ ሰባት ብእተቐብረ ነተጕቲ ይስንክሉ ወይ ይሞቱ። ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ድማ ወተሃደራት ኣይኰኑን። መብዛሕትኦም ከብቲ ዝሕልዉ ጓሶት: ማይ ዝወርዳ ደቂ ኣንስትዮ: ከምኡውን ዝጻወቱ ቈልዑ ዝርከብዎም ሰላማውያን ሰባት ኢዮም። ንኣብነት: ጓል ሸሞንተ ዓመት ሩክያ በታ ንሰለስተ ኣሕዋታን ኣሞኣን ዝቐተለት ነታጒት ሰንከለት።
እተቐብረ ነታጒ ከይተበላሸወ ንልዕሊ 50 ዓመታት ክጸንሕ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ዘ ዲፈንስ ሞኒተር እተባህለ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) “ካብ ኣብ ግዜ ውግእ: እቲ ውግእ ደው ምስ በለ ብዙሓት ሰባት ዝቐትል እንኮ ኣጽዋር” ብምባል ገሊጽዎ ዘሎ። ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዝኣክል ነተጕቲ ተቐቢሩ ከም ዘሎ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ እኳ የለን። ብገምጋም ግን እንተወሓደ 60 ሚልዮን ዝኸውን እተቐብረ ነተጕቲ ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ይንገር ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ብዙሕ ነተጕቲ ይጽረግ ኢዩ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ክሳዕ 1997 ኣብ ዝነበረ ግዜ “ሓንቲ ነታጒት ክትጽረግ ከላ 20 ካልእ ከም ዝቕበር” ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ “ኣብ 1994 ብገምጋም 100,000 ዝኸውን ነተጕቲ ከም እተጸርገ: ካልእ 2 ሚልዮን ዝኸውን ከኣ ከም እተቐብረ” ይገልጽ።
መብዛሕትኦም ዘመናውያን መራሕቲ ኲናት ካብ ካልእ ኣጽዋር ንላዕሊ ነተጕቲ ክጥቀሙ ዝመርጹ ግን ስለምንታይ ኢዮም፧ ከመይ ዝበለ ቍጠባውን ማሕበራውን ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ፧ እቶም ብህይወት ዝድሕኑኸ ብኸመይ ይትንከፉ፧ ፕላኔትና ካብ ነተጕቲ ናጻ እትዀነሉ ግዜ ይህሉዶ ይኸውን፧
[ምንጪ ስእሊ]
ICRC/David Higgs
[ምንጪ ስእሊ]
Copyright Nic Dunlop/Panos Pictures