ፍርሂ—ሕጂ ግኑን ኢዩ ንዘለኣለም ግን ኣይኰነን!
ተማሃሮ ቃል ኣምላኽ ፍርሂ ኣዝዩ ገኒኑ ምህላዉ ኣይግረሙን ኢዮም። ከምቲ ክርስትያናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎቶም ብሰፊሑ ዝገልጽዎ: ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ኣብ ሓደ ኣዝዩ እተፈልየ ግዜ ንነብር ምህላውና እኹል መረጋገጺ ኣሎ። በቲ ኣብ ኵሉ ተዘርጊሑ ዘሎ ፍርሂ ከም ዝልለ ትፈልጥ ኢኻ። እንተዀነ ግን: ነዊሕ ይገብር የሱስ ንግዜና ኣመልኪትሉ ወይ ሓቢርሉ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ህላዌኡን መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ወይ ‘መወዳእታ ዓለም’ ዝሓተትዎ ሕቶ ኢዩ ዝምልሰሎም ነይሩ።—ማቴዎስ 24:3
ገለ ክፍሊ ናይቲ የሱስ እተነበዮ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:-
“ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን: ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።”—ሉቃስ 21:10, 11
ብዛዕባ ‘መፍርሂ’ ሂብዎ ዘሎ ሓሳባት ኣስተብሂልካሉዶ፧ ጸኒሑ ኣብኡ ኣብቲ መልሲ: የሱስ ብዛዕባ ፍርሂ ንዓኻን ንእተፍቅሮምን ብቐጥታን ወሳኒ ብዝዀነ መገድን ክትንክፍ ዝኽእል ፍሉጥ ትዕዝብቲ ገሊጹ ኣሎ። ናብኡ ቅድሚ ምቕላብና ግን ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና ገለ ተወሳኺ መረጋገጺ ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1
እተረጋገጸ ናይ ውግእ ፍርሂ
ወተሃደራዊ ግርጭታት ንብዙሕ ክፍልታት ምድሪ ኣዕንይዎ ኢዩ። ንኣብነት ጂኦ መጽሔት ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ግርጭት እናነደደ እተገድፈ ናይ ዘይቲ ዔላታት “ብኢድ ሰብ ካብ ዝወረደ ኣከባብያዊ መዓት እቲ ዝዓበየ” ኢሉ ጸውዖ። ውግኣት ብኣሽሓት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉ ወይ ኣሰንኪሉ ኢዩ። ልዕሊ እቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ናይ ሚልዮናት ወተሃደራትን ሲቪልን ሞት: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም 55 ሚልዮን ሰባት ተቐትሉ። የሱስ ከም ክፍሊ ናይቲ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረበ ዝሕብር ምልክት “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ” ከም ዝበለ ዘክር።
እቲ ሰብ: ዘርኢ—ምሉኣት ዓሌታት ወይ ህዝብታት—ንምጽናት ዝገብሮ ፈተነውን ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። ሞት ናይቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣርመናውያን: ካምቦድያውያን: ኣይሁድ: ሩዋንዳውያን: ዩክርየናውያንን ካልኦትን: ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ደቅሰብ ዘስደምም ናይ ደም ገበን ተወሳኺ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ማሕረዲ ድማ ኣብተን ብሕሉፋት ሃይማኖታውያን ዓሌታዊ ጽልኢ ዝተባባዓለን ሃገራት ይቕጽል ኢዩ ዘሎ። እወ: ውግእ ንምድሪ ጌና ብደም ሰብ የጠልቅያ ኣሎ።
ዘመናዊ ውግእ: እቲ ውግእ ምስ ተወድአውን ከይተረፈ ግዳያት ካብ ምድላይ ዓዲ ኣይውዓለን። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝወረደ ይውረድ ኢልካ ኣብ መሬት ዝቕበር ፈንጅታት ንመልከት። ብመሰረት እቲ ህዩማን ራይትስ ዎች (መሰል ሰብ ዝሕሉ) ናይ ምርምር ማሕበር ዘቕረቦ ጸብጻብ “ኣብ ምልእቲ ዓለም ገለ 100 ሚልዮን ዝኸውን ፈንጅታት ንሲቪል የስግኦም ኣሎ።” እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈንጅታት ንንጹሃት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን እቲ ዝዝውተረሉ ዝነበረ ውግእ ምስ ዓረፈ እውን ከይተረፈ ሓደገኛ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ልዕሊ 60 ዝዀና ሃገራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣሽሓት ዝኣኽሉ በዚ እተቐብረ ፈንጅታት እዚ ይስንክሉ ወይ ይቕተሉ ምህላዎም ይንገር። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንህይወት ከስግእን ከሰንክልን ዝኽእል ነገር ስለምንታይ ብጥባበዊ መገዲ ዘይተኣልየ? ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብቲ በቲ ፈንጂ ናይ ምእራይ ስራሓት ዝወጽእ ፈንጅታት: እቲ ዝጻወድ ፈንጅታት ይበዝሕ: ስለዚ እቲ ሓደጋ ዘስዕቦ ጉድኣት እናነሃረ ይኸይድ ኣሎ።”
እዛ ናይ 1993 ናይ ጋዜጣ ዓንቀጽ ነዚ ፈንጅታት እዚ ምሻጥ: “ኣብ ዓመት 200 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ” ንግዲ ኰይኑ ኣሎ ኢላ ጸብጻብ ኣቕረበት። እዚ ድማ ነተን “340 እተፈላለየ ዓይነት” ፈንጅታት “ክልእካ ዝጸንሓ” “ኣብ 48 ሃገራት ዝርከባ ገለ 100 ኩባንያታትን ንመንግስቲ ዝውክላ ትካላትን” ዘጠቓለለ ኢዩ። ስራሕ ድያብሎስ ብዝዀነ መገዲ ድማ ገሊኡ ፈንጅታት ንቖልዑ ምእንቲ ክማርኽ መጻወቲ ቖልዓ ከም ዝመስል ገይርካ እተወጠነ ኢዩ! ሕሰቦ እሞ: ኰነ ኢልካ ንንጹሃት ቈልዑ ንምስንካልን ንምጥፋእን ዒላማ ክትገብሮምሲ እንታይ ይበሃል! “100 ሚልዮን ኣዕናዊ ሓጻውን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ርእሰ ዓንቀጽ: ፈንጅታት “ካብቲ ቀመማዊ: ስነ–ህይወታዊ: ከምኡውን ኑክልየራዊ ኵናት [ዝቐተሎም] ዝበዝሑ ሰባት ቀቲሉ ወይ ኣሰንኪሉ ኢዩ” በለ።
ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ዝሽየጥ ሞት ዘኸትል ኣቕሓ ግን ኣብ ምድሪ ዝቕበር ፈንጅታት ጥራይ ኣይኰነን። ህሩፋት ነጋዶ መሳርያታት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብብዙሕ ቢልዮናት ዶላር ዝቝጸር መኽሰብ ይድልቡ ኣለዉ። እቲ ብናይ ክፍሊ ምክልኻል ናይ ሓበሬታ ማእከል ዝሕተም ዘ ዲፈንስ ሞኒቶር ከምዚ ዝብል ጸብጻብ የቕርብ:- “ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት [ሓንቲ ምርእይቲ ሃገር] 135 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ መሳርያታት ንወጻኢ ሰዲዳ።” ከምኡውን እዛ ሓያል ሃገር እዚኣ “ን142 ሃገራት 63 ቢልዮን ዶላር ዘውጽእ መሳርያታትን ወተሃደራዊ ህንጻን ወተሃደራዊ ታዕሊምን ክግበር ትእዛዝ ኣውጺኣ።” ስለዚ ንመጻኢ ኲናትን ንስቓይ ሰብን ዝኸውን ዘርኢ ይዝራእ ኣሎ ማለት ኢዩ። ብመሰረት ዘ ዲፈንስ ሞኒቶር ኣብ “1990 ጥራይ: ውግእ 5 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝዕለሙ ገይሩ: ልዕሊ 50 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ተገይርዎ: ርብዒ ሚልዮን ሰባት ቀቲሉ: መብዛሕትኦም ከኣ ሲቪል ኢዮም ነይሮም።” ብርግጽ: ካብታ ዓመት እቲኣ ጀሚሩ እተገብረ ንሚልዮናት ሰባት ድማ ፍርህን ሞትን ዘስዓበ ብዙሕ ውግኣት ክትዝክር ትኽእል ኢኻ!
ዝያዳ ምዕናው ናይ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ህይወትን
ፕሮፈሰር ባሪ ኮሞነር ከምዚ ኢሉ የጠንቅቕ:- “ቀጻሊ ዝዀነ ምብካል ምድሪ: ልጓም እንተ ዘይተገይርሉ: ኣማስይኡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ንሰብኣዊ ህይወት ዘይትበቅዕ ስፍራ ክገብራ ከም ዝዀነ እኣምን ኢየ።” ቀጺሉ ድማ እቲ ግድል ኰይኑ ዘሎ ድንቍርና ዘይኰነስ: ደይመደይ ኢልካ ዝግበር ስስዐ ኢዩ ይብል። እዚ ፍትሐኛን ፈቃርን ዝዀነ ኣምላኽና: ንዓና ኣብ ቀጻሊ ዝዀነ ናይ ምብካል ፍርሂ ደርብዩ: ነዚ ኵነታት እዚ ንሓዋሩ ክጽመሞ ኢዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝግበር ዘሎ ምብልሻው: እቶም መበላሸውቲ በቲ ዝገበርዎ ክሕተቱ: ብድሕሪኡ ኸኣ ናይዛ ምድሪ መለኮታዊ ጽገና ክስዕብ ይጠርዕ ኢዩ ዘሎ። እዚ ክፍሊ ናይቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ‘መወዳእታ ዓለም’ ክምልሰሎም ከሎ እተዛረበሉ ነገር ኢዩ።
የሆዋ ነቲ ምጽብጻብ ብኸመይ ከም ዝጅምሮ ቅድሚ ምርኣይና ንታሪኽ ወድሰብ ዝያዳ ንመርምሮ። ካብቲ ወዲ ሰብ ገይርዎ ዘሎ ምዕናው ገለ ክፋል ጥራይ እኳ እንተ ዘርዘርና ዘሕዝን ኢዩ:- መርዚ ዘለዎ ዝናብን ንምሉእ ጫካ ዘጥፍእ ስስዐ ዝመልኦ ተግባራት ምቑራጽ ዕጨይትን፣ ብሸለልትነት ዝድርበ ኑክሌራዊ ጐሓፍ: መርዛም ቀመማት: ከምኡውን ብግቡእ ዘይተኣልየ ረሳሕ ፈሳሲታት፣ ናይቲ ተኻላኻሊ ዝዀነ ቀጸላ ኦዞን ምልሕላሕ፣ ከምኡውን ፈውሲ ኣታኽልትን ጸረ ባልዕን ብዘይጥንቃቐ ምዝውታር።
ንግዳዊ ረብሓታት ድማ ብኻልእ መገድታት ንመኽሰብ ክብል ንምድሪ ኣጋዕዝዩዋ ኣሎ። ብቶናት ዝቝጸር ጐሓፍ ኣብ መመዓልቲ ኣብ ኣፍላጋትን ውቅያኖሳትን ኣየርን ሓመድን ይጐሓፍ ኣሎ። ሊቃውንቲ ነቲ ኣብ ጠፈር ዝተረፈ ናይ መሳርሒታቶም ድርባይ ነገራት: ድሕሪ ምጥቃሞም ስለ ዘየጽርይዎ: ብምሳልያዊ ኣዘራረርባ ንሰማያት የርስሕዎ ኣለዉ። ምድሪ ብዙርያኣ ብጐሓፍ እናተቐብረት ኢያ ትኸይድ ዘላ። ምድሪ ብገዛእ ርእሳ ምእንቲ ክትሕደስ ብኣምላኽ እተገብረ ባህርያዊ መስርሕ እንተ ዘይህልዋ: እዛ ምድራዊት ቤትና ህይወት ዘለዎ ፍጡር ከተንብር ኣይምኽኣለትን: ከምኡውን ምናልባት ወድሰብ በቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ጐሓፍ ተዓፊኑ ምሞተ ነይሩ።
ሰብ ገዛእ ርእሱ ከይተረፈ እውን ይምርዝ ኣሎ። ንኣብነት: ትምባኾን ካልእ መድሃኒታት ብዘይ ኣገባብ ምዝውታርን ርአ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዘይ ኣገባብ ዝዝውተር ነገራት “ናይታ ሃገር ቍጽሪ ሓደ ናይ ጥዕና ግድል” ብምባል ተሰይሙ ኣሎ። እታ ሃገር ኣብ ዓመት 238 ቢልዮን ዶላር ተጥፍእ: ካብዚ 34 ቢልዮን ኣብ “ዘየድሊ [ብቐሊሉ ክእለ ኣብ ዝኽእል] ክንክን ጥዕና” ይጠፍእ። ኣብቲ እትነብረሉ ሃገርከ ብትንባኾ ዝጠፍእ ገንዘብን ህይወትን ክንደይ ይኸውን ኢልካ ትሓስብ፧
ብዙሓት ከም ቅኑዕ መሲሉ ክርአ ጸቕጢ ዝገብርሉ ስድን ካብ መስመር ዝወጸ ናይ ኣነባብራ ቅድታትን: ዘፍርህ ምህርቲ ናይ ሞት ዘስዕብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ብምፍራይ ንብዙሓት ዕምሮም የሕጽሮ ኣሎ። ኣብ ዓበይቲ ናይ ከተማ ጋዜጣታት ዝርከብ ናይ መርድእ ዓምድታት ከም ዝሕብሮ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ: ኣብ 30ታትን 40ታትን ዕድመ ዝርከቡ ኢዮም ዝሞቱ ዘለዉ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ውዒሉ ሓዲሩ ካብቲ ሳዕቤን ናይ ኣዕናዊ ኣመላት ከምልጡ ኣይከኣሉን። እዚ ከምዚ ዝበለ ዘሕዝን ወሰኽ ናይ ብጾታዊ ርክብ ዝመጽእን ካልእ ሕማማትን እውን ምስቲ ናይ የሱስ ትንቢት ዝሰማማዕ ኢዩ: ምኽንያቱ ‘ኣብ በቦትኡ ድማ ፌራ ክኸውን ኢዩ’ ኢሉ ኢዩ።
እንተዀነ ግን: እቲ ዝኸፍአ ኰይኑ ዘሎስ ናይ ሰብኣዊ ኣእምሮን መንፈስን: ወይ ኣረኣእያ ምብካል ኢዩ። እዚ ዅሉ ዝጠቐስናዮ ዓይነት ምብካል ድግም ኣቢልካ እንተ ትርእዮስ መብዛሕትኡ ናይ እተበከለ ኣእምሮ ሳዕቤን ምዃኑስ ሓቂዶ ኣይኰነን፧ ከምኡውን እቲ ዕንወት ዝሕማሙ ኣእምሮ ብመልክዕ ቅትለት: ምግሳሳት: ስርቅታትን ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ዘስዕቦ ካልእ ዓይነት ዓመጽን እሞ ተዓዘቦ። እቲ ብሚልዮናት ዝኣክል ኣብ ዓመት ዝግበር ምንጻል–ጥንሲ እውን ናይ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ምብልሻው ምልክት ምዃኑ ብዙሓት የስተውዕልዎ ኢዮም።
ኣብ ናይ መንእሰያት ኣረኣእያ ብዙሕ ንዕዘብ ኢና። ንናይ ወላድን ካልኦትን ስልጣን ዘይምኽባር: ምብትታን ስድራቤትን ምጥሓስ ሕግን ስርዓትን የስዕብ ኣሎ። እዚ ንስልጣን ጥዑይ ፍርሂ ዘይምህላው ብቐጥታ ምስቲ መንእሰያት መንፈሳውነት ዘይብሎም ምዃኖም ዝተሓሓዝ ኢዩ። ስለዚ: እቶም ፍልቀትን ኢዘሀርነትን ካልእ ንእምነት ዘዕኑ ክልሰ–ሓሳባትን ዝምህሩ ብዓቢ ገበን ዝሕተቱ ኢዮም። ከምኡውን እቶም ብዙሓት ሃይማኖታውያን መምህራን እውን: ከም ዘመናውያንን “ቅኑዓት”ን መሲሎም ንኽርኣዩ ዝጽዕሩ: ንቓል ኣምላኽ ዝባኖም ስለ ዝሃብዎ ገበነኛታት ኢዮም። ንሳቶምን እቶም ብጥበብ ዓለም ዝዘቕበቡ ካልኦትን ተገራጫዊ ሰብኣዊ ፍልስፍናታት ኢዮም ዝምህሩ።
ሎሚ እቲ ፍረ ንጹር ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ሰባት ብፍቕሪ ኣምላኽን ብጻዮምን ዘይኰነስ ብስስዐን ጽልእን ኢዮም ዝምርሑ ዘለዉ። እቲ ሕማቕ ፍረ ኸኣ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ርኽሰትን ዓመጽን ተስፋ ምቑራጽን ኢዩ። እቲ ዘሕዝን: እዚ: ንቅኑዓት ሰባት: ወድሰብ ንገዛእ ርእሱን ነዛ ፕላነትን ከዕንዋ ኢዩ ኣብ ዝብል ፍርሂ ኢዩ ዘእትዎም።
እናኸፍአዶ ወይስ እናሓሸ ኢዩ ክኸይድ፧
ንፍርሂ ዝምልከት እዚ ቀረባ መጻኢ እንታይ ኢዩ ሒዙልና ዘሎ፧ ፍርሂ እናወሰኸ ምኻድ ክቕጽል ድዩ ወይስ ክውዳእ ኢዩ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዝበሎም እንደገና እስከ ንርአ።
ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ግዜ ዝኸውን—ዓቢ ጸበባ—ኢዩ ኣመልኪቱ። እተን ቃላቱ ድማ ከምዚ ይብላ:- “ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት: ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ: ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ: ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።”—ማቴዎስ 24:29, 30
ስለዚ: እቲ ዓቢ ጸበባ ቀልጢፉ ክጅምር ክንጽበ ንኽእል ኢና። ካልእ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ናይ መጀመርያ ክፍሊ ናይዚ: ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ሕነ ምፍዳይ ክኸውን ምዃኑ ይሕብር። ብድሕሪኡ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዘናውጽ ምዕባለታት: ገለ ዓይነት ሰማያዊ ተርእዮታት እውን ሓዊስካ: ክኸውን ኢዩ። እቲ ሳዕቤንከ ንሚልዮናት ሰባት እንታይ ኢዩ ክኸውን፧
እምበኣር: ዝጐልሐ ትንቢታዊ ሓሳባት እንረኽበሉ ጸብጻብ ናይቲ የሱስ ዝሃቦ ተመሳሳሊ መልሲ ንርአ:-
“ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን: ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። ሓይሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ: ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ።”—ሉቃስ 21:25, 26
እዚ ኣብ ቅድሜና ኢዩ ተቐሪቡ ዘሎ። ሽዑ ግን ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃለዋትካ ዘጥፍእ ፍርሂ ዝወድቁ። ብኣንጻሩ: የሱስ ከምዚ በለ:- “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።”—ሉቃስ 21:28
እዘን ዘተባብዓ ቃላት እዚኣተን ነቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ዝበሎም ኢየን። እቲ ፍጻሜ ናይ ዓቢ ጸበባ ከም ዝመጽእ ርግጸኛታት እኳ እንተዀኑ: ብፍርሂ ኣብ ክንዲ ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ወይ ዝለምሱ: ብዘይ ፍርሃት ርእሶም ከልዕሉ ምኽንያት ክህልዎም ኢዩ። ስለምንታይ ግን ዘይፈርሁ፧
ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ድሓንቲ ከም ዘለዉ ይዛረብ ኢዩ። (ራእይ 7:14 ትሓዓ ) እቲ ጸብጻብ: ኣብ መንጎ እቶም ድሓንቲ እንተሊና: ካብ ኣምላኽ መወዳድርቲ ዘይብሉ በረኸታት ከነስተማቕር ምዃንና የተስፉ ኢዩ። የሱስ “ስለ ዚጓስዮም: ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም: ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ” ብዝብል መረጋገጺ ይድምድም።—ራእይ 7:16, 17
እቶም: ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ዘስተማቕሩ—ንሕናውን ምስኣቶም—ከምዚ ሎሚ ንዘለዉ ሰባት ለቢድዎም ዘሎ ፍርሂ ኣይክህልዎምን ኢዩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕን ጥዑይን ፍርሂ ከም ዘሎ ስለ ዝዛረብ: ፈጺሙ ፍርሂ የብሎምን ማለት ኣይኰነን። እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ: እዚ እንታይ ማለት ምዃኑን ብኸመይ ክትንክፈና ከም ዘለዎን ክትገልጽ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ኣምለኽቲ የሆዋ ነታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ብሓጐስ ይጽበዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ብከላ:- ስእሊ:- Godo-Foto፣ ሮኬት:- ናይ ሕ.መ.ኣ ሰራዊት ስእሊ፣ ዝነዱ ዘለዉ ኣግራብ፣ Richard Bierregaard Simthsonian Institution